2014-05-28 11:45:25

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድሚ ናይ ንብዓት መንደቕ


RealAudioMP3 ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ናይ ሕይወት ሕመረት ናይቲ ብሉይ ናይ ሰሎሞን ቤተ መቕደስ መወዳእታ ዕርዲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ንብዓት መንደቕ ፊት ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ተረኺቦም ምስቶም ኣብ ኣርጀንቲና እንከለዉ ዝፈልጥዎም ዓርኮም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምርህ ስኮርካን ከምኡ እውን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ምስ ዝውክሉ መንፈሳዊ መራሒ ብሓባር ጸሎት ከምዘዕረጉ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይቲ ናይ ንብዓት መንደቕ ነቓዕ ድማ ብቋንቋ ስፓኒሽ ጸሎት ዝጸሓፉላ ወረቐት ከምዘንበሩን፣ ኣብቲ ብናይ ምዕራብ መንደቕ ዝፍለጥ በጻሕቲ፣ ተዘክሮ ጽሑፋቶም ኣብ ዘንብሩሉ ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ዝሙረ ዳዊት 121(122) “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ ኦ ኢየሩሳሌም እንሆ በጺእና ኣብ ደጌታትኪ ደው ኢልና ኣሎና” ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ጠቒሶም “ብኸምዚ ዝበለ ናይ ደስታ ስምዒት ነቶም ቦኽሪ ኣሕዋተይ ኣብዚ ተረኺበን ንጐይታ ናይ ሰላም ጸጋ ለመንኵ” ዝብል ቃል ዝተነብሮ ጽሑፍ ከምዘንበሩ ተሓቢሩ።
ካብዚ ብምቕጻል ቅዱስ ኣቦና ብናይ እስራኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስን ብመራሔ መንግሥቲ ነታንያሁ ኣቀባብላ ተገይርሎም ከምቲ ልሙድ ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ዘካይድ ማንም መራሔ ሃገርን መንግስትን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝፍጽሞ ናይ ወግዓዊ ምብጻሕ ስነ ስርዓት መሰረት ብሓባር ናብቲ ጐቦ ሄርዝል ኣብ ዝርከብ ናይ ጽዮናዊ ምንቅስቓስ መስራቲ ተዮዶሮ ሄርዝል መካነ መቓብር ዝርከቦ ስፍራ ብምኻድ ዕንባባ ከምዘንበሩን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.