2014-05-28 11:57:11

ኣብ ወንጌላዊ ሓጐስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰበኻ ሮማ


RealAudioMP3 “ወንጌላዊ ሓጎስን ናይ ሮማ ተልእኾ ናብ መላእ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰበኻ ሮማ እታ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ወንጌላዊ ሓጐስ እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ማእከል ዝገበረ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 7 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ላተራነንሰ ኣብ ዝርከብ ውዕሊ ላተራነንሰ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክካየድ ምዃኑ ናይ ሰበኻ ሮማ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ጳጳሳዊ ናይ ዝተባርኸ ስነ ጥንታዊ ቅርሲ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ መለኮታዊ ኣስተምህሮ ኣብ ዘቕርቡሉ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ፍሮሲኖነ ቨሮሊን ፈረንቲኖ ጳጳስ ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምትሕብባር ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮጆ ስፐረኣፊኮ ሓዋርያዊ ተልእኮነት ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖምን እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ ብዘቕርብ ኣስተምህሮ ክዛዘም ምዃኑ ናይ ሰበኻ ሮማ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.