2014-05-28 11:51:34

ኣባ ሎምባርዲ፦ ቅዱስ ኣቦና ሰላም ናይ እምነት ጭቡጥ ሓይሊ ይገልጹ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ዘሰነዩ ሓደ ከምዝኾኑን ቅዱስነቶም ኣብ እየሩሳሌም ቅዱስ መቓብር ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ዝፈጸመዎ ርክብን ብዙሕ ትጽቢት ዝተነርቦ እቲ ቅድሚ 50 ዓመት ኣቢሉ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጎራስን ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ርክብ ዘዘኻኽርን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዳስነት ዘለው እውን ከምዝኾነን ታሪኻዊ ተዘክሮ ህላዌነቱ ዘረጋግጽ ህዳሴ የድልዮ ነቲ ዝነበረ ምዝካር ጥራሕ ክኸውን እንከሎ ሕይወት ዘይብሉ ተዘክሮ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ምዝካር ሰናይ እዩ እቲ ምዝካር ግን ህያው ተዘክሮ ክኸው ኣለዎ ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ርክብ ተዘክሮን ሕዳሴን ዘመልክት እውን እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም ናይ ሓድነት ጉዕዞ ኣገዳስን ድላይ እግዚኣብሔር እውን ምዃኑ ዘስተውዕልዎ ሓቂ እዩ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣብት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነቶም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ ሕጂ ድማ ብሓባር ኣብ ኢየሩሳሌም ክራኸቡ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓድነት ጉዕዞ ወሳኒ ምዃኑ ዝምስክር እዩ ኢሎም። ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሓድነት ኵሉ ኣብ ሕቶ ከእትዉ ዝፈቕዱ እዮም፣ ማለት ናይ ሮማ ጳጳስ ቀዳሜነትን ኣገልግሎትን ብዑምቀት ክስትንተንን ማለት ኣገልግሎት ንመላእ ማሕበር ክርስቲያን ዝብል ምዃኑን ምእንቲ ፍቕርን ሱታፌ መላእ ማሕበር ክርስቲያን እዩ፣ ኣብዚ ዓይነት ትርጉም ኣገልግልቶ ዝተነብረ ኣስተንትኖ ክካይድ፣ ብዓቢይ ትሕትና ናይ ሓድነት ጉዕዞ ክካይድን ንሓድነት ዘድሊ ሓይሊ ድማ ካብቲ ናይ ብሓባር ጸሎትን ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መቓብር ብሓባር ተረኺብካ ካብ ምጽላይ ዝምንጭ ክኸውን ከምዘለዎ ዝመስከረ ርክብ እዩ ኔሩ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና እስራኤልን ፍልስጥኤም ምእንቲ ሰላም ብሓባር ክጽልዩ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤተይ እዕድመኵም ዝበለዎ ቃል ብዝተፈላለዩ መራኸቡ ብዙሓን ዝተቓልሔ እዩ። ብርግጽ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሓያምኖት መራሕን ናይ ሃይማኖት ሰብን ስነ ምግባር ሥልጣን እዮም ስለዚህ ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጥኤም ንሰላም ዘተ ክዕድሙ እንከለዉ ክልቲኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተረኺቦም ኣብ ጉዕዞ ሰላም እግዚኣብሔር ክሕግዞምን ሕሊናኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከስተውዕሉን ዝብል እዩ፣ ክሳብ እጅ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጺኢት ኣይሃበን ሰለዚህ ሰብ ሰላም ከምጽእ ዘይከኣሎ ብምዃኑ ሰላም ብሓባር ካብ እግዚኣብሔር ንሕተት ዝብል ዕድመ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቲ ክኸውን ዘይመስል ብሓይልን ጸጋን እግዚኣብሔር ዝኸውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣዋጅ ቅድስና ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንቕዱሱ ዮሓንስ መበል 23 ጠቒሶም ዝበልዎ ሓሳብ ኣባ ሎምባርዲ ዘኪሮም፣ እቲ ብሓይሊ ሰብ ክረጋገጽ ዘይክእል ሰላም ዝከኣል ዝገብሮ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ምስ በሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ሓይሎም ካብ ጸሎት ዝምንጭ እዩ፣ ኣብ እምነት ዘጽንዑ ብምዃኖም ጽኑዕ ኣብ እምነት እዮም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ድማ እግዚኣብሔር ሓገዞም ምዃኑ ንርእዮ ኣሎና እንክብሉ ዝከየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.