2014-05-28 18:38:18

ሓድነት አብያተ ክርስትያን


RealAudioMP3 ናይ ሎሚ ሓምሳ ዓመት ከም ሕልምን ዘይትግበርን ኮይኑ ዝረአ ዝነበረ ሓድነት አብያተ ክርስትያን በቲ ታሪኻዊ ምትሕቁቋፍን ይቅረ ይፍታሕ ምብህሃልን ናይተን ቀንዲ አብያተ ክርስትያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይን ፓትርያርክ አተናጎራስን ሎሚ ኩሉ ተሓሊፉ ዳርጋ አበይ አሎ እቲ ፍልልይ አብ ምባል ዘብጽሕ ኩነታት አብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት አብታ ወትሩ ህውከት ዝዝውንተላ ቅድስት መሬት ብናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ፓትርያክ በርጠለሜዎስን ምትሕቁቋፍን ሰላም ምባልን ምትሕልላይን ኃቢርካ ምጽላይን ሓባራዊ መግለጺ ምእዋጅን ናብ ሓድነት ቅርበት ተበሲሩ፣ አብዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዚ ካቶሊካውያን ግሪኻውያን ኦርቶዶክስ አርመናውያን ሲርያውያን ቅብጢ ግ ዕዛውያን ሓበሻን ካል ኦት አብያተ ክርስትያንን ብሓባር ንመጀመርያ ጊዜ ጸልዮም፣
አብቲ ብቅዱስነቶምን ብብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ዝተኸተመ አዋጅ ሓድነት “ብኅብረት ነዚ ጻውዒት እዚ ንክርስትያንን ዝተፈላለየ ባህሊ እምነት ንዘለዎምን ንሰብ ጽቡቅ ድላይን ናይዛ ሁመት እዚአ ህጹጽነት ተረዲኦም ንሓድነት ቤተሰብ ደቂሰባት ንዘሎ ፍልልያት ብምቅባልን ብምኽባርን ንሓባራዊ ሰናይ ናይ መላእ ደቂ ሰባትን መጻኢ ወለዶን ክሰርሑ ንጽውዕ” እንክብሉ ናብ ምሉእ ሓድነት ክምዝጓዓዙ ብምምልካት ከአ “ናብ ምሉእ ሓድነት ዕላማ ገና ንጐዓዞ ከምዘሎና እናአመልከትናን ንክንበጽሖ ሓቢርና ንሓድነት ክርስትናን ምስ ዕብራውያንን አስላምን ካል ኦት ሃይማኖታትን ቅኑዕ ዘተ ንምግባርን ቈሪጽና ንብገስ አሎና” ብማለት ነዚ ታሪኻዊ አዋጅ አቅሪቦም፣
አብቲ ሰነድ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ብዙሕ ነጥብታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስን ብሓባር ክሰርሑለን ዝተሰማም ዑለን ነጥብታ ብቀዳምነት ኩሎም አብ አገልግሎት ዘመደ አዳም ብምውፋር ንምክልኻል ሕይወት ወዲሰብ አብ ኩሉ ደረጃታት ሕይወት፤ ሓለዋ ጥዕና ናይ አብ ቃል ኪዳን ዝተመሥረት ሥድራ ቤት ብምክያድ ሰላምን ኃባራዊ ሠናይ ነገርን ንምድንፋዕን ነቲ ን ዓለም ዝገርፍ ዘሎ ጭንቅን መከራን ንምምክታን ከምዝተሰማምዑ፤ ቀንዲ ከአ ነተን ምኽንያት ናይዚ ጭንቅን መከራን ዝኾና ጥሜት መሰል ምስ አን መሃይምነት ንጸጋታት ዓለምና ብማዕርነት ዘይምምቅራሕ ኢዮም፣ ከም ግዴታና ገርና እንወስዶ ጉዳይ ከአ ብሓባር ፍትሓውን ሰብአውን ዝኾነ እሞ ከአ ማንም ሰብ ዘይጉሰየሉን ዘይርሰዓሉን ማኅበረሰብ ንምህንጽ ክንጽ ዕር ኢዩ፣ እንክብሉ ቃል አቲዮም፣
እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ አብ ል ዕሊቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ጐይታ ዝተቀብረሉን ዝተንሰአሉን መቃብር ቅዱስ መቃብር ዝበሃል መካነ ንግደት እንክኸውን ነዞም ክልተ ዓበይቲ አበው ዝተቀበልዎምን ዘአንገድዎምን ከአ አብቲ ቦታ ናይ ዝረከባ ሰለስተ አብያተ ክርስትያን መራሕቲ ማለት ናይ ግሪኻውያን ኦርቶዶክስ መራሒ ከማኡውን መራሕቲ ናይ ፍራንቸስካውያንን አርመናውያንን ነበሩ፣ ቅዱስነቶም ከአ ነዚ ግዜ እዚ “አብዚ ቦትዝ እዚ ንጸሎት ከምዚ ቢልና ምርኻብና ፍሉይ ጸጋ ኢዩ” ክብሉ ገሊጾሞ.
“ናይ ክርስትናና ጸዋዕታ ዕብየት እንደገና ንምርዳእ አብ ጥቃ ባዶ መቃብር ዓቢ ክብሪ ብዝመል ኦ አስተንትኖ ቀዊምና አሎና፤ ናይ ትንሣኤ ሰባት ደአ እምበር ናይ ሞት ሰባት አይኮናን፣ ካብዚ ቦታ እዚ ሕይወትና ብኸመይ ክነብሮ ከምዘሎና ንመሃር፣ ቅልውላው ናይ አብያተ ክርስትያናትናን ናይ ዓለምን ብናይ ትንሣኤ ወጋሕታ ብርሃን ንኽነብሮ ንመሃር፣
“ዝኾነ ቍስሊ ዝኾነ ስቃይ ዝኾነ ቃንዛ በቲ ንገዛእ ር እሱ ብምውፋይ ብመስዋዕትነቱ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሰጋግር መንገዲ ዘርሓወልና ሕያዋይ ጓሳ እንግድዓ ተጻዒኑ፣ እቲ ሃህ ቢሉ ዘሎ አቍሳሉ ናብዛ ዓለምና ምሕረቱ ዝውሕዘሎም መስኖታት ኢዮም፣ መሠረት ተስፋ ካባና ክስረቅ ክንፈቅድ የብልናን፣ ን ዓለም ካብ ዘሓጉስ ብሥራት ትንሣኤ አይጕሰዮ! ካብዚ ቅዱስ ቦታዚ ብቃላት እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንኩልና አኅዋተይ እናበለ ንሓድነት ዝጽውዕ ዘሎ ኃያል ድምጺ ጸማም እዝኒ አይንሃቦ፣ ርግጽ ኢዩ አብ መንጎና ዘሎ ፍልልይ ክንክሕዶ አይንኽ እል አብ መንጎ ሓዋርያት ክርስቶስ እውን ነሩ ኢዩ፣ እዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ነዚ ስቃይ እዚ ብዘሕዝን ቃና የጠንቅቀና አሎ፣ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኮይኑ ግን እዚ ፍልልያት እዚ ከሰንብደናን ከንቅጸናን የብሉን፣
“ከምቲ አፍ መቃብር ከዲና ዝነበረት ደንጎላ ዝተበተነት እዚ አብ መንጎ ክፍጠር ንዘለዎ ሙሉእ ሓድነት ዝዕንቅጹ ዘለው ፍልልያት ክእለዩ ኢዮም፣ በዚ ከአ ናይ ጳጳስ ሮማ ሥልጣን ምስ ተል እኮኡ ብዝሰማማዕ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብ ብኵሎም ቅቡል ዝኾነ ናይ ፍቅርን ውህደትን አገልግሎት ንምሃብ ክፉት ክኸውን እምነ፣ እንክብሉ ናይ ልቦም ዓሚቍ ሃረርታ ምስ ገለጹ ናብ ኩነታት ማእከላይ ምሥራቅን ጸገማት ዓለምን ማለት ነቲ ብዓመጽን ግጭትን ተኸቢቡ ዘሎ ዞባን ነቶም ብሓለንጊ ውግእን ድኽነትን ጥሜትን ዝግረፉ ዘለውን ነቶም ስለእምነቶም ዝስደዱ ዘለው ክርስትያንን ኩሎም ንኩሎም ናይ ዓለምና ደቂ አንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ነዚ ዚስ ዕብ መል እኽቲ አመሓላሊፎም፣
“ናይ ዝተፈላለየ አብያተ ክርስትያን አባላት ዝኾኑ ክርስትያን ሓደ አብ ጥቃ ሓደ ብሓባር ክሳቀዩን ብሕውነታዊ ፍቅሪ ነንሕድሕዶም ክደጋገፉን ናይ ሥቃይ ሓድነት አብያተ ክርስትያን ይፍጸም፣ ናይ ደም ሓድነት አብያተ ክርስትያን ይፍጸም፤ እዚ ፍጻሜ እዚ ክንዮ እቲ ዝፍጸመሉ ቦታን ኩነታትን ብሱታፌ ቅዱሳን ፍሉይ ተኽ እሎ አለዎ እዚ ከአ ንመላእ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ኢዩ፣ እቶም ብጽልኢ ሃይማኖት ንክርስትያን ዘበል ዘሳድዱን ዝቀትሉን ኦርቶዶክስ ዲኻ ካቶሊኽ ኢሎም አይኮኑን ዘሳድድዎም ክርስትያን ብምዃኖም ጥራሕ ኢዩ፣ ናይ ክርስትያን ደም ኩሉ ጊዜ ሓደ ኢዩ፣ እንክብሉ ከምቲ አብ ምስክርነት ሰማዕትነት ዝግለጽ ሓድነት አብያተ ክርስትያን አብ ነባሪ ኩነታት ከአ ክግበር ሓደራ ቢሎም፣
ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ እውን “እዚ መቃብር እዚ ናይ ትብ ዓትን ተስፋን ሕይወትን መል እኽቲ የቃልሕ፣ ባዶ መቃብር አብ ል ዕሊ ሞትን ኃጢአትን ዝተገብረ ዓወት ይገልጽ ስለዚኸስ ታሪኽ ክትምድቦ ዘይከአል ምዃኑ እናተገንዘብና ንሞትን ክፍ አትን ክንፈርሕ የብልናን፣ ወዲሰብ ንመጻኢኡ ከመሓይሽ ዝገብሮ ዝኾነ ተበግሶን ጻዕርን ብዘይ እግዚአብሔር በይኑ ባዕሉ ክገብሮ ምስ ዝፍትን ኩሉ ከንቱ ኢዩ፣ ኣብ መወዳእታ እዚ አብ ል ዕሊ ሞትን ክፍ አትን ዝተገብረ ዓወት ነቲ ሎሚ ከፊኡና ዘሎ ሰብ ካብ ሰብ ዝሽቍረረሉን ዝፈርሃሉን ኩነት ክንፈርሆ ከምዝብልናን ክንሰግሮ ከምንኽ እልን የረጋግጸልና፣ ነዙይ አብነት ዝኾነና እቶም ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ንቤተ ክርስትያን ንክልተ ሺሕ ዓመት ዘሳቀየ ናይ ምፍልላይ ፍርሒ ጥሒሶም ነቲ ጐይታ ሓደ ንክኾኑ እትብል ቃል ተመርኵሶም ነቲ ፍርሒ ናብ ፍቅሪ ለዊጦሞ፣” እንክብሉ ተመሳሳሊ ምሕጽንታ አቅሪቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.