2014-05-23 19:00:21

5 ሰንበት ዘትንሣኤ 2006 ዓ.ም. ግንቦት 17 2006 ዓ.ም. (5/25/ 2014)


መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ፋሲካ. . . . . ።
ንባባት፡ 2ቆሮ 5፡1-10፥ 1ጴጥ 3፡15-18 ግ.ሓ. 8፡5-6፥14-17፥ ዮሓ 14፡15-21
ምስባክ: በልዑ ወጸግቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ። “በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ፥ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ ካብቲ ዝተመነይዎ አይከልከሎምን”። መዝ። 78፡29
መዝሙር፡ “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”.
፮ ሰንበት ዘትንሣኤ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ንባባትና አብ “ፍቕሪ ኢየሱስን አብ ምሕላው ትእዛዛቱ “ ክንወፍር ከምዘሎና የዘኻኽሩና።
ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፋ ዝተነበትና አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወትና እንከሎና ክንክተሎ ዝግብአና መገዲ ይሕብረና። እዛ እንነብራ ዓለም ሓላፊት እያ አብታ ዘይትሓልፍ ንወትሩ ዝኾነት ቤትና ኢና ንጉዕዛ ዘሎና ስለዚ አካይዳና አነባብራና አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን ይሓተና። አብዚ ዓለም ብዝጓነፈና ጽቡቕ ነገር ወይ እውን ክንርድኦ ዘይንኽእል ጸገም እንተ ተጓነፈና ከይንዝንግዕ ይላበወና። ሕማም ሞት ፈተና ከምኡ ሃብቲ ድኽነት ግዝያዊ እዩ ስለዚ ከይንታለል ሓደራ ይብለና።
ሥጋና ሕሱም ጸላኢና እዩ። ድለታቱ እንተ ሰማዕና ካብ መገዲ አምላኽ ንወጽእ ስለዚ ንሥጋና መሊኽና ክንክእል አሎና። ብዙሓት ብዝተፈላለየ ወልፊ ማለት ስኽራን፥ ዝሙት፥ ስስዐ፥ ጠላዕ፥ ስርቂ፥ ሓሶት. . . . ዝአመሰሉ ንሥጋና ዘዕግቡ ዝመስሉ ግዝያዊ ደስታ ዝፈጥሩ ግን ካብ ደቂ አምላኽ ምዃን ዘርሕቑና ተሸኒፎም ዝነብሩ አለዉ። ጳውሎስ እምብአር ካብ ከምዚ ጠባያት ወጺእና ንሓቀኛ መገዲ አምላኽ ክንስዕብ ይመኽረና።
ብዝገበርናዮ ኩሉ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኢና። ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ ተግባራትና ክንሕተት ኢና ሎሚ እዩ እዋን ጽድቂ ሎሚ እዩ ስንቂ ሰማይ እንእክበሉ ስለዚ አብ ልብና ተመሊስና ህልው ኩነት ሕይወትና ንርአ እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ኮና ምሕረት ንሕተት።
ቅ. ጴጥሮስ እውን አብ ሕይወትና መንፈስ ክርስቶስ ለቢስና ክነብር ይላበወና። ክፉእ ካብ ምግባር ክንቁጠብ ይነግረና። ብደም ክርስቶስ ዝድሓና ፍሉያት ፍጥረት ኢና ስለዚ ንዋጋ ድሕነትና ክነኽብር እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። ዕለት ዕለት ንሞት ክርስቶስ ክንዝክር እሞ ካብ ኩሉ ክፍአት ክንርሕቕ ይግባእ። “ንክርስቶስ ብልብኹም ከም ጎይታ ቐድስዎ. . . ኩልሳዕ ስንድዋት ኩኑ” ይብለና። አብ ሕይወትና ዝርአ ፍቕሪ ክርስቶስን ግብሪ ክርስቶስን ክኸውን እዩ ዝነግረና። እሞ አባይ መን ይርአ አሎ ምባለይ እቲ ድኹም ድለታተይን ሕማቕ ጠባያተይን ድዩ ኢልና ሕልናና ክንምርምር አሎና። እዚ ብሓቂ ጊዜ ክንህበሉ ዝግብአና ጉዳይ ድሕነትና እዩ። ከመለኹ አበይ ገጸይ እጉዓዝ አሎኹ እናበልና ኩነታትና ክንፈልጥ ይግባእ።
ጴጥሮስ ፀሓይ ካብ አምላኽ ርሒቕና ከሎና ከይትዓርብ ይላበወና። ፀሓይና ተፈጥራዊ ስርዓታ ተኸቲላ ትዓርብ አላ ሕይወትና እውን ይጎድል እምበር ይውስክ የለን ስለዚ ምስ አምላኽና ዘሎና ርክብ ምስ ሓውና ዘሎና ርክብ ክንርኢ እሞ አብ ንስሓን ሕድገት ኃጢአትን ክንአቱ። ኃጢአቱ ርእዩ ዝኸአለ ጥራሕ እዩ ክንሳሕ ዝኽእል እሞ ኃጢአትና አለሊና ንኽአል።
አብ ግ.ሓ. ንሎሚ ዝንበብ አብ ሰማርያ ንስብከት ፍሊጶስ ምስ ሰምዑ ብዙሓት ካብ ሕማሞን ካብ ዝነበሮም ርኹስ መንፈስ ከምዝሓወዩ ይነግረና። ቃል አምላኽ ብምሉእ እምነት እንድሕሪ ተቐቢልናዮ ድላይና ንረክብ ኢና። ምሉእ እምነት አባና ተአምራት ከምዝፍጸም ይገብር። ቃል አምላኽ ንርኹሳት መናፍስቲ የርሕቕ ደቂ አምላኽ ይገብረና። ሎሚ ብንአሽቱ ነገራት ምኽንያት ገሮም ካብ አምላኽ ካብ እምነቶም ዝርሕቝ ብዙሓት እዮም ስለዚ አብ ልብና ተመሊስና ንቃል አምላኽ ንስማዕ።
ጴጥሮስን ዮውሓንስ ንሰብ ሰማርያም ምስ ጸለዩሎምን ኣእዳዎም ምስ አነበሩሎምን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ይብለና ግ.ሓ. እዚ ንምስጢረ ሜሮን ዝርኢ እዩ። ጥምቀት ምስ ተቐበልና ሓደስቲ ፍጥረት ውሉዳት አምላኽ ንኸውን፥ ጸጋ ሜሮን ምስ ተቐበልና ከአ ምሉእ አባልነት አብ ማሕበር ክርስቶስ ረኺብና ንምስክረነትን ንምክልኻል እምነትናን ንበቅዕ። ሓ/ት/ክ አብ 1285 ነዚ ክገልጽ እንከሎ “እቶም ዝጥመቑ ብምስጢረ ሜሮን ምስ ቤተ ክርስትያን አጸቢቆም ይወሃሃዱ፥ ብፍላይ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ድማ ይድልድሉን ይምዕብሉን። ምእንትዚ ኸአ ከም መጠን ኡነተይናታት መሰኻክር ክርስቶስ ነታ እምነት ብቓልን ብግብርን ከስፍሕዋን ኪሕልውዋን ጽኑእ ግዴታ አለዎም” ይብል። ብኹሎም ምስጢራት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንቕበል። ኩልና ነዚ ጸጋ ዝለበስና ኢና ስለዚ ሎሚ እውን ሓዲስናዮ ክንርከብ ነቲ ዝተቐበልናዮ ክንምስክሮን ክንሰብኮን አሎና።
አብ ወንጌል ዮውሓንስ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምስ ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም” ይብል። እዚ ከቢድ ሓሳብ ኢየሱስ ዝበሎ እዩ። እዚ ማለት አብ ነፍሲ ወከፍ ኃጢአት አብ ዝገበርናሉ ትእዛዝ ኢየሱስ ነፍርስ። አብ ነፍስወከፍ ኃጢአት ዝገበርናሉ ሓደ ነገር ልዕሊ ኢየሱስ ነፍቅር አሎና ማለት እዩ። ንኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ነገር ነፍቅር እንተ ኾና ምእንቲ ኢየሱስ ኢልና ንርእስና ካብ ኃጢአት ንሕሉ አሎና ማለት እዩ። ንኢየሱስ እንተ አፍቀርና ርእስና ብምልኡ ንአኡ ክንህብ ክንቃለስ ኢና። ንኢየሱስ ብምሉእ ልብናን ሕልናና ሓይልናን እንተ አፍቀርና እምብአር ዝኾነ ነገር ይዕበ ይንአስ ልዕሊ ኢየሱስ እንሰርኦ የብልናን። አብ ልብና ንቦታ ኢየሱስ ዝትክእ ዝኾነ ነገር ክህሉ አይግባእን። ገለ ሰባት አብ ዘረብኦም ኢየሱስ ሰብ ምዃነይ ድኹም ምዃነይ ስለ ዝፈልጥ አይሕዘለይን ኢዩ ይምሕረኒ እዩ ዝብሉ አለዉ። ብርግጽ ኢየሱስ መሓሪ እዩ እንተ ኮነ ንኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ነፍቅሮ እንተ ኾና ንዝኾነ ነገር ልዕሊ ኢየሱስ ክኸውን ዝፈታተነና ክንአልዮ አሎና።
ንኢየሱስ ምፍቃር ማለት ሓደ ስምዒታዊ ነገር ክኸውን የብሉን። ንኢየሱስ ምፍቃር ማለት ሕይወትካ ምቕያር፥ ሕይወትካ ምሕዳስ፥ አብ ጠባያትካን አብ ኩሉ እንታይነትካን ምስትውዓል፥ ንዝኾነ ዝንባሌን ወልፊ ኃጢአት አሸኒፍካ ምኽአል፥ ከምቲ ኢየሱስ ንኹሉ ዘፍቀረ ንፍቕሪ ኢድና ክንዝርግሕ አሎና። ንኢየሱስ ምፍቃር ማለት ብዛዕባ ካልኦትን ብዛዕባ ርእስናን ከምቲ ኢየሱስ ዝሓስቦ ምሕሳብ እዩ። ብዛዕባ ርእስኻን ካልኦትን ዘሎካ ሓበረታ ካበይ እዩ ዝምንጩ? ካብ ተለቭዥን ካብ ዝኾነ ዓለማዊ ባህሊ ዝመጽእ እሞ አብ መንጎ ነጻ ኮንካ ኃጢአት ምግባርን ነጻነት ነቲ ሓቀኛ ነገር አብ ምግባርን ፈላልዩ ዘይርዳእ ንአእምሮናን ንካልኦትን ንዓለምናን ብናይ ሓሶት ምስልታት ዝብክል እዩ። ብሓቂ ንኢየሱስ ክነፍቅር ንደሊ እንተ ኾና አእምሮና ብሓሳባት ኢየሱስን በቲ ንሱ ንዓለም ዝርእዮ ክንመልኦ አሎና። ንርእስና ቅ. መጽሓፍ ብምንባብ፥ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ብምንባብ፥ ብዝክአለና መዓልቲ መዓልቲ ብምጽላይ ብሓሳብ ኢየሱስ ክንመልኦ ንኽእል። እንተ ዘይኮነ ርእስና ብናይ ዓለም ሓሶት እንተ መላእናዮ ከመይ ገርና ንኢየሱስ ክነፍቅሮ ንኽእል፥ ክነፍቅሮ ዘይክአል እዩ ከምኡ ትእዛዛቱ ክንሕሉ ዘይክአል እዩ። ስለዚ አእምሮናን ሓሳብናን ብናይ ኢየሱስ ሓሳባት ንምልአዮ እሞ ሽዑ ክነፍቅሮን ትእዛዛቱ ክንሕሉን ኢና።
አብ ሕይወትና ብሓደ ወገን ምሉእን ጽሩይን ፍቕሪ ኢየሱስ፥ ብኻልእ ከአ ኃጢአት እናገበርና ክነብር አይክአልን እዩ። አብ ማቴ 6፡24 ከምዝብሎ “ክልተ ጎይቶት ክነገልግል አይክአልን እዩ። ንኢየሱስ ብሓቂ ነፍቅሮ እንተ ኾና ፍቕሩ ካብቲ ክሉ ካብ መገዲ ኢየሱስ ዘውጽአና ነገራት ከም ንርሕቕ ይገብረና። ሓቀኛ ፍቕሪ ኢየሱስ አብቲ እንነብሮ ሕይወትን አተሓሳስባናን ተግባራትናን ለውጢ አብ እንገብረሉ መገዲ ይመርሓን። ኃጢአት ምግባር ንኢየሱስ አብ ካልአይ ደረጃ ምውራዱ እዩ፥ እንተ አፍቀርናዮ ግን አብ ቀዳማይ ደረጃ ኢና እንሰርዖ፥ ሽዑ ትእዛዛቱ ንሕሉ። ንኢየሱስ ከምነፍቅሮ ከመይ ገርና ንፈልጥ? ሕይወትና ከመይ ኢላና ከምእንነብር ንርአ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ/ ዝሓቶ ዲና እንነብር ዘሎና? ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ዝነግረና ከምኡዶ ንነብር አሎና? ከምኡ ንነብር እንተ ኾና ንኢየሱስ ከምእንፍቅሮ ንፈልጥ ኢና።
ኢየሱስ ትምህርቱን ፍቕሩን ኩሉ ብቤተ ክርስትያን ገሩ እዩ ዝገልጸልና ንትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝሓድግ ወይ ዝነጽግ ንትእዛዝ ኢየሱስ እዩ ዝነጽግ ስለዚ ንኢየሱስ ነፍቅር እንተ ኾና ንቤተ ክርስትያኑ ክንሰምዕ አሎና።
ንትእዛዛቱ ክንሕሉ ከሎና ንኢየሱስ ጥራሕ አይኮናን እንፈቅር አባና ፍቕሪ አምላኽ እውን አሎ እዩ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል አብ መወዳእታ ከምዚ ይብለና “እቲ ንትእዛዛተይ ተቐቢሉ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፥ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ አቦይ የፍቅሮ እዩ፥ አነ እውን አፍቅሮ እየ፥ ርእሰይ ከአ እገልጸሉ” (ዮሓ 14፡21)።
ኢየሱስ ክሳብ ከንደይ እዩ አፍቂሩና ኢልና እንተ ሓተትና ብምሉእ ልቡ፥ ሕይወቱ አብ ዕፀ መስቀል ምስ ዘርግሐ እሞ አብኡ ምስ ሞተ ገሊጹልና። ኃጢአት እንተ ገበርን አብ ኢየሱስ ክንምለስ አይንፍራሕ፥ ንሱ ኩሉ ጊዜ ክምሕረና ኽሓድገልናን ክሕድሰናን ኢሉ ይጽበየና እዩ። እምብአር በዚ ሰንበት አብኡ ንመለስ ንኢየሱስ ነፍቅሮን ትእዛዛቱ ንሓሉ እሞ ሽዑ ፍቕሪ ኢየሱስን እግዚአብሔር አቦን መንፈስ ቅዱስን አብ ልብና ክሓድር እዩ፥ ኢየሱስ ከአ አብ ልብና ክህሉ እዩ።
አብዚ ቅዱስ እዋን ዘመነ ትንሣኤ እምብአር ንፍቕሪ አምላኽ ልእሊ ኹሉ ሰሪዕና ቅዱስ ሕይወት እና መራሕና ንሓውናን ሓፍትናን ነፍቅር። ንዝበደሉና ይቕረ ንበለሎም ንፍልኢ ካብ መንጎና ንስጎጋ ንሰላም አብ መንጎና ንዓድማ ነዚ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ የሕድረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.