2014-05-17 18:34:06

፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2006 ዓ.ም. ግንቦት 10 2006 ዓ.ም. (5/18/2014)


ዝመጸ ይምጻእ ርቡሽ ዘይምዃን ብአምላኽ ምእማን።
መዝሙር፡ “አርአዮ ሥልጣኖ. . . . . ።
“ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃናነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናና ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”።
ንባባት ፩ቆሮ 15፡50-ፍ፥ ፩ጴጥ 2፡4-9፥ ግ.ሓ. 6፡17፥ ዮሓ 14፡1-12
ስብከት“እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።
ኢየሱስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንሓዋርያቱ ክርድእዎን ንኽቕበልዎን ከቢድ ዘረባ ተዛሪብዎም። ክሓድገኩም እየ አብቲ አነ ዝከዶ ኸአ ክትመጹ አይትኽእሉን ኢኹም። በቲ ዝበሎም ተሸቢሮም። ጴጥሮስ ዳርጋ ዝብሎ እናጠፍኦ መምህር አበይ ትኸይድ አሎኻ? እናበለ ሓቲትዎ። ኢየሱስ አብቲ ዝኸዶ ክትስዕበኒ ኢኻ ኢልዎ ጴጥሮስ ግን ስለምንታይ ሕጂ ዘይስዕበካ እናበለ ሓቲቱ። ንሓዋርያት ብዘይ መምህሮም ብዘይ ጎይትኦም ምንባር ከቢድ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ስምዒቶም ስክፍታኦምን ይፈልጥ ነሩ እንተ ኾነ ካብ ፍቓድ አብኡ ክወጽእ አይክእልን እዩ። “ሕጂ አብቲ ዝኸዶ ክትስዕቡኒ አይክአልን እዩ፥ ድሓር ግን ክትስዕቡኒ ኢኹም”። ዘይሰሓሓት ቃል ስለ ዝተባህሎም ቀሲኖም። ኢየሱስ ነዚ ክብሎም እንከሎ ቀስ ኢሉ ብዘጸናንዕ ቃላት እዩ ኢልዎም “ልብኹም አይሸበር ብአምላኽ እመኑ ብአይውን እመኑ”። አብ አምላኽ ምእማን ማለት ንነገራት ከምዘለውዎ ምግጣሞምን ምቕባሎምን እዩ ዘስምዕ። ንተጓኒፍና ዘሎ ጸገም ወላ እውን ዝኸፍአ ጸገም ይኹን አምላኽ ክንጠፍእን ክንጉዳእን ከምዘይ ሓድገና ምእማን። ንሕና ዝክአለና ክንገብር ዝተረፈ አብ ኢድ አምላኽ ምሕዳጉ።
እዘን ቃላት ካብ ጎይታ ስለ ዝኾና ዘጸናንዓ ተስፋ ዝህባ እየን። ነዘን ቃላት ዝበለ ኢየሱስ እቲ ንባሕሪ ንነፋሳት ዘህድአ፥ ነሽሓት ዝጠመዩ ዝመገበ፥ ንሙታን ሕይወት ዝመለሰ እዩ። እዚ እቲ ንኹሉ ጸገማት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ብምሉእ ምትእምማን ክፈትሕ ዝኸአለ እዩ። ሓዋርያት ምስኡ እንከለዉ ብዙሕ ከበድቲ ጸገማት ርእዮም እዮም ስለዚ እዚ ሕጂ ዝብሎም ዘሎ ንሱ መን ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ አይገርሞምን እዩ። “ልብኹም አይረበሽ፥ አብ አምላኽ እመኑ አባይ እውን እመኑ”። ነዘን ቃላት አብ ሕይወትና ክንሰምዐን ክንደይ ትርጉምን ምጽንናዕን ዘልአን እየን። አብ ኩሉ ተመክሮ ሕይወትና እዘን ቃላት ክብሃላና ክንሰምዐን ይግብአና። አብ እዋን ከቢድ ነገር ዝገጠመናን ዝሰማዕናዮ ወይ አብ እዋን ሓደ ክንቅበሎን ክንርድኦን አብዘይ ንኽእለሉ እዋን ንአብነት፥ ድንገታዊ ሞት ናይ ሓደ እንፈትዎም ውሉድና፥ ቤተ ሰብና ሓዳርና፥ ዘይተጸበናዮ ዘይሓዊ ወይ ዘይሓድግ ሕማም ክወርደና እንከሎ፥ ብኹሉ ምዃን አብዩና ተስፋ አብ ዝቕረጽናሉ ጊዜ፥ ሃገርና አብ ስእነት ሰላምን ዓመጽን ክትወርድ እንከላ፥ አብ ስድራ ቤት ዘይምርድዳእ ክበዝሕ እንከሎ፥ ዓመጽ ክሕደት፥ ስደት፥ ማእሰርቲ. . . . ክበዝሕ እንከሎ፥ ቃል ኪዳና እናረአናዮ ክፈርስ ክንርእዮ ከሎና፥ ጽኑዕ ፍቕሪ እናረአናዮ ክፈርስ እንከሎ፥ ሓደ ኃጢአተኛ በቲ ዝገብሮ ኃጢአት አብ ክንዲ ዝጥዓስን ዝንሳሕን ንኃጢአቱ ከም ዓወት ክቖጽሮ ክንርኢ እንከሎና. . . . . “ልብኹም አይረበሽ ብአምላኽ እመኑ ብአይውን እመኑ” ይብለና።
ትርጉምን ዕሞቕ ምስጢር ናይ እዘን ቃላት አብቲ ምንጪ ብሃሊአን እዩ ዝምስረት። እዚአን ቃላት ካብ አፍ ኢየሱስ ቃል አምላኽ ዝኾነ ቃል አምላኽ ጥራሕ ዝዛረብ ካብኡ እየን ወጺአን። ኢየሱስ እምብአር ካብቲ አብ ቅድመና እንርእዮ ዘሎና ጸገምን ዕንወትን ነገራት አብኡ ክንሰግር ይደልየና። በዚ ወሪዱና ወይ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ዓቕልና አጥፊእና አብ ተስፋ ቍርጸትን ካልእ ነገራትን ካብ እንወድቕ አብቲ ምንጪ ሕይወትና ዝኾነ ኢየሱስ ክንምለስ እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ነገር እዩ። ቃላቱ ዝዓበየን ካብ ኩሉ ሓቂ ዝለበሰን ስለ ዝኾነ አብኡ ክንምለስ አሎና።
ናይ ኢየሱስ ምኻድ ዘይተርፍ እዩ እንተኾነ ምሉእ ተስፋ ዘልኦ ምኻድ እዩ። አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ወንጌል ከምዚ ዝብል ንረክብ “አነ ዝመጻእኩ ሕይወት ብምልአት መታን ክረኽባ እየ ዝመጻእኩ (ዮሓ 10፡10)፥ “ስፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ” (ዮሓ 14፡2)፥ “ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወስደኩም እየ” (ዮሓ 14፡3)። አብዚ ብብሩህ እንርእዮ ኩሉ ኢየሱስ ዝገብሮ ምእንታና ኢሉ ከምዝገብሮ እዩ። “ምእንታና መጺኡ፥ ምእንታና ይኸይድ አሎ፥ ምእንታና ክምለስ እዩ” ስለምንታይ እዚ ኹሉ? ምኽንያቱ “አብቲ አነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን አብኡ ምእንቲ ክትህልዉ” ኢሉና። እዚ እዩ እቲ ምሉእ ምኽንያት ናይ ኩሉ ኢየሱስ ምእንታና ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን። “ምስኡ መታን ክንከውን” ንሕና ብዘይ ኢየሱስ ምዃን እንኽእል ፍጥረት ኢና፥ ካብ አምላኽ ሸፊትና ክነብር ዘይጽግመና ብመንፈስ መትና እንከሎና ሕይወት ከምዘሎና ኮና ክነብር ዘየጸግመና ፍጥረት ኢና ስለዚ ኢየሱስ አብኡ ክንምለስ ንመገዲ ጸጋም ንኃጢአትን ንኹሉ ክፍአትን ሓዲግና አብኡ ክንምለስ ይደልየና።
ጉዕዞ ሰማይ አብዚ ምድሪ እዩ ዝጅምር። መዓልታዊ ሕይወትና ንመገዲ ሰማይ ዘምርሐ ክኸውን እዩ ድላይ ኢየሱስ ነዚ እዩ ክንሰናዶ ዝደልየና። ንሱ አብ ሰማይ ቦታ ከሰናድወልና አይኮነን ዝከይድ ዘሎ ንአና እዩ ንሰማይ ዘሰናድወና ዘሎ። ሕይወትና ብምልኡ አብ ምስንዳው ክርከብ የድሊ፥ ዘንጊዕና እንከሎና መጸዋዕታ ሕይወትና ክይአክል ሕጂ ንበራበር፥ ከመይ እጉዓዝ አሎኹ አትኩሮይ አብ እንታይ እዩ ዘሎ እናበልና ምስ ሕልናና ዕለት ዕለት ክንዛረብ አሎና። ደቂስና ዘንጊዕና አብ ካልእ ውራይ ተሸሚምና እንከሎና መዓልቲ ከይትአክል ሎሚ ዓይና ብቐትሩ ከምዝርኢ ንግበሮ።
ቶማስ ሓደ ካብቶም ሓዋርያት ‘ጎይታይ ናበይ ከምእትኸይድ አይንፈልጥን ኢና ነቲ መገዲ ድአ ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ” እናበለ ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ዝጸንሐ ከየስተውዓለ ሕቶ አቕሪቡ። ቶማስ ጆግራፊካዊ ቦታ እዩ ዝሓትት ዘሎ ብዝኾነ ግን አብዚ ኸአ እቲ ዝበለጸ መልሲ ረኺቡ። “አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ኢልዎ። አብ ሰማያዊ አቦ ክንበጽሕ እቲ መገዲ ወልድ እዩ፥ “ብዘይ ብአይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዝመጽእ የለን” ይብለና። ካብዘን ኢየሱስ ዝብለን ዘሎ እንታይ ክንምሃር ንኽእል? እንታይ ትርጉም አልአን ንአና?
አነ መገዲ እየ፡
ኢየሱስ መገዲ እዩ፥ መገዲ ኸአ ጉዕዞ እዩ። አብ ሰማያዊ አቦና ክንከይድ ብኢየሱስ አቢልና ኢና እንኸይድ በዚ ንኢየሱስ መገዲ ንብሎ ምኽንያቱ ንሱ እቲ ዝበለጸ ሰብአዊ መግለጺ ናይ ሰማይዊ አቦ ስለ ዝኾነ። ንሱ እቲ ንርእስና ኢልና እንመርጾ መገዲ አይኮነን።
እንጉዓዞ መገዲ ካብ ምቕጻሉ ዘቋርጽ እንተ ኾነ፥ ተስፋታትና ጽልግልግ ዝበለ ዘይብሩህ እንተ ኾይኑ ሽዑ እዩ እቲ ሓቀኛ መገዲ ዝብል ዝርድአና። አነ መገዲ እየ ክብለና እንከሎ ዘይዕንቅፍ ዘየጋጊጊ፥ አብ ካልእ ጓል መገዲ ዘይወስድ አብቲ ሓቀኛ መወዳእታና ዘብጽሕ ማለት እዩ። ብርግጽ ምስ ኢየሱስ አብ መገዲ ክንጉዓዝ እንከሎና ፈተና ዘጋጊ ዘደናግር ክገጥም ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ጸኒዕና ነቲ ሓቀኛ መገዲ ኢየሱስ ጥራሕ ክንሕዝ አሎና።
አነ ሓቂ እየ፡
አብ ጉዕዞ መገዲ እንከሎና እትረኽበና ሓቂ። ንሕና ክርስትያን ጌና ንሓቂ አይረኸብናያን አሎና። ሓቂ እያ ረኺባትና ዘላ። ኢየሱስ ህያብ አምላኽ እዩ፥ እዚ ኸአ እቲ ሓቀኛ ርእሱ ከምዝሃበና መግለጺ እዩ። ከምቲ አምላኽ ንገዛእ ርእሱ ንኢየሱስ ዝገልጽ፥ ንሕና ኸአ አብ ኢየሱስ ንጥምት አምላኽ ብአኡ ክግለጸና።
እዚ ነቲ ግዙፍ ነገራት ናይ ሕይወት አይኮነን ዘስምዕ። ኩሉ አብ ከባቢኻ እትርእዮ፥ ኩሉ እቲ አብዚ ዓለም ዝገጥመካ፥ ኩሉ አብዚ ዓለም ሓቂ ዝመስል ምሉእ ሓቂ የብሉን፥ ኢየሱስ አነ ጥራሕ እየ እቲ ሓቂ አባይ ጥራሕ እያ እትርከብ እታ ሓቂ ይብለና። ካብ ኢየሱስ ወጺእና አብ ሓቂ ክነብር ከቢድ እዩ። ኢየሱስ ምእንቲ ሓቂ ከምዝመጸ ባዕሉ ነጊሩና እዩ። እቲ ሓቂ ኸአ ምስ ሰማያዊ አብኡ ሓደ ክንከውን እንከሎና ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ካብ መገዱ ካብ ትምህርቱ ክንወጽእ እንከሎና አባና ሓቂ የላን። ንሓቂ አብ ግዙፍ ነገር ዘይኮነ አብ ኢየሱስ ጥራሕ ንርከባ።
አነ ሕይወት እየ፡
እዚ ጉዕዞ ሓቂ ሕይወት ይህበና፥ አብ ኢየሱስ ምስ አመና ሕይወት ንረክብ፥ ብዝያዳ ንሱ ሕይወትና ይኸውን። አነ ጉንዲ ወይኒ እየ ኢሉና ሕይወት ክህልወና ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና አለዎ። ምስ ኢየሱስ ርክብ ዘይብልና እንተ ነበርና መትና አሎና ማለት እዩ። አባይ ንበሩ እናበለ ሕይወትና ሓቀኛ ሕይወት ክለብስ መምዘኒኡ ምስ ኢየሱስን ምስ ከማና ዝበሉ ዘባት ዘሎና ርክብ እዩ ዝውስኖ። ከይንመውት ሕይወት ክህልወና ምስ ኢየሱስ ንንበር።
ፍሊጶስ “ጎይታይ ነቦ ደአ አርእየና እምበር ይአኽለና “ በሎ። እዚ ናይ ኩሉ የዋኅ አይሁዳዊ ትምኒት እዩ ሓደ መዓልቲ ንአምላኽ ገጽ ንገጽ ምርአይ። ኢየሱስ ጉህይ ኢሉ እዚ ኹሉ ምሳኹም ተቐሚጠ ፍሊጶስ አይፈልጥካንን ዲኻ “እቲ ንአይ ዝረአየ ነቦ ርአዮ” እናበለ አብ መንጉኡን አብ መንጎ አብኡ ዘሎ ርክብን ገሊጽሉ። ኢየሱስ ወዲ አምላኽን ምስ ሰማያዊ አብኡ ማዕረ ብኹሉ እዩ። ንኢየሱስ ክንርኢ ከሎን ንአምላኽ ንርኢ ክንብል ከሎና ሓቂ እዩ ግን ከአ ኩሉ እቲ ዘስምዖ ከአ አይኮነን፥ ኢየሱስ አምላኽን ሰብን እዩ ብትስብእቱ ከም ኩሉ ሰብ ውሱን እዩ። ክዛረብ እንከሎ ብርግጽ አምላኽ እዩ ዝዛረብ ከሕዊ እንከሎ አምላኽ እዩ ዘሕዊ፥ አብ መስቀል ከመውት እንከሎ ግን አምላኽ አይኮነን መይቱ ምኽንያቱ አምላኽ ክመውት አይክእልን እዩ። ሞት ኢየሱስ መግለጺ ፍቕሪ ሕያው አምላክ ንደቂ ሰብ ካብቲ ዘለውዎ ክብ ከብል እዩ።
አብዚ ኢየሱስ ካልእ ዝገለጾ ንሱ ናብ ሰማያዊ አብኡ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ንኹሉ ተልእኮኡ ንሓዋርያቱ ሂብዎም ሓሊፉ፥ ሎሚ እውን ንነፍስወከፍና ነዚ ተልእኮ ይህበና አሎ። ተቐበልቲ ሕድሪ ኢየሱስ ክንከውን እሞ ብኹሉ ክንምስክሮን ክንሰብኮን ይደልየና። አምላኽ ሎሚ አብ ሕይወትና እዩ ክርአ ዘለዎ። ጠባይና አከይዳና ብምልኡ ምስ አምላኽ ዘሎን ርክብ ዝገልጽ ክኸውን ይግባእ። እሞ ሕይወተይ ንሕይወት ኢየሱስዶ ይገልጽ አሎ ወይስ ንኻልእ?
ቅ. ጴጥሮስ አብ ካልአይቲ ንባብ ነቶም አረማውያን ዝነበሩ ክርስትያን መንነቶምን ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ምዃኖም ክገልጸሎም እንከሎ ከምኡ ሓላፍነቶምን ከዘክሮም ኢሉ “ንስኹም ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ሕዝቢ ጥሪት አምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም” (1ጴጥ 2፡9) ይብሎም እዚ ከአ ካብ ዘፅ 19፡6 ዘሎ እናጠቐሰ ዝብሎ እዩ። ከምቲ ብቀደም ዘመን ንእስራኤል አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ዝበሎም ሕጂ እውን ንስኻትኩም ሓደስቲ ክርስትያን ጸዋዕታኹም ቅዱሳን ምዃን እዩ ይብሎም። እዚ እዩ ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ክንርድኦ ዘሎና። ብጸጋ ጥምቀት አብ ቅድስና አቲና ዕለት ዕለት ክንሕልዎን ክንዓብየሉን ዘሎና ሕይወት እዩ። ሕዝቢ አምላኽ ስለ ዝኾና ናይ ካልእ ምዃን ናትና አይኮነን።
አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እንምሃሮ እምብአር ምሉእ እምነትን ተወፋይነትን ገርና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ከምዝግብአና እዩ። ዓድና ቤትና ሰማይ እዩ ግን አብኡ ዝወስድ መገድን ግብርን ክህልወና ግድን እዩ። ስለዚ ጉዕዞና አበይ ገጹ ዝጠመተ እዩ ዘሎ? ኩሉ ጊዜ አብ ሕይወትና ብአምላኽ ክንምራሕ ጸሎት ምግባር የድልየና። መገድኻን ድላይካን ከይሓድግ ሓግዘኒ ክንብል ይግብአና። አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርና ንኹሉ አብ ኢዱ ንሕደጎ ልብና አይሸበር ብአምላክ ንእመን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.