2014-05-17 16:41:54

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኢየሱስ ንምፍላጥን ንኣኡ ምጽላይን ምብዓልን ምምሳልን


RealAudioMP3 ዕለት 16 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ወንጌልን ኣማእኪሎም፦ ኢየሱስ ንምፍላጥ ምጽላዩን ምብዓሉን ምምሳሉን እምበር ብዛዕባኡ ምምርማርን እማ’ረን ኣዅል ኣይኰነን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 6 ኣብ ዘሎ ኢየሱስ መገድን ሓቅን ሕይወትን ከምዝኾነ ዘረጋግጾ ቃል ጠቒሶም ኣብ ሕይወትና እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ኢየሱስ ምፍላጥ እዩ፣ ስለዚህ ከመይ ጌርናኸ ክንፈልጦ ይግባኣና? ብርግጽ ከነጽንዖን ክንመሃሮም ይግባእ ስለምታይ ምርምር ኣገዳሲ እዩ፣ ብርግጽ ክንመሃሮ የድሊ፣ ትምህርተ ክርስቶስ ምጽናዕ የድሊ፣ ኮይኑ ግን ኢየሱስ ንምፍላ ምርምር ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፣ ብዙሓት ኢየሱስ ብኣምር ኣብ ምፍላጡ ይተግሁ፣ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢልካ ምፍላጡ እዅል ኰይኑ ዝስምዖም ደሕር ግን እቲ ብዛዕብኡ ዘለዎም ኣምር ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ሕቶ ከምዝኾኖም እንከነጽሩ፦ “ኣምር ንበይኑ ሕይወት ኣይህብን፣ በዚ ዓይነት መገዲ ዝጓዓዝ እቲ ዝረኽቦ መገዲ ዝተሓላለኸን መዋጽኢ ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ዝረኽቦ፣ ስለዚህ እዩ ድማ ኣብ መባእታ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ መናፍቕነት ዝተኸስተ። መናፍቕነት ዝፍጠር ብኣእምሮናን ብናይ ገዛእ ርእስና ብርሃን ጥራሕ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክንፈልጥ ክንጽዕር እንከለና እዩ። ሓደ እንግሊዛዊ ደራሲ ይብል መናፍቕነት ወይ ድማ ሃራጥቃኣውነት ናብ ጽላለ ዝልወጥ ኣምር እዩ ይብል፣ ሓቂ እዩ፣ ኣምር ጥራሕ ንበይኑ ክበሃል እንከሎ ጽላለ ይኸውን፣ እዚ ድማ ጉዕዞ ስለ ዘይኰነ እዩ” ቢሎም ቀጺሎም፦ “”ኢየሱስ ንምፍላጥ ብቐዳምነት ጸሎት፣ ምርምር ብዘይ ጸሎት ጥቕሚ የብሉን፣ ንኢየሱስ ብዝበለጸ ንምፍላጥ ምጽላዩ፣ እቶም ብሉጻትን ዓበይትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምር ኣብራኽካ ዓጺፍካ ይብሉ፣ እዚ ድማ ዝነብርዎ እዩ። ስለ ዝነብርዎ ድማ ይላበዉ፣ ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ኢየሱስ ምጽላይ ማለት እዩ፣ ብምርምርን ጸሎትን ናብ ኢየሱስ ንቐርብ ብዘይ ጸሎት ኢየሱስ ንምፍላጥ ዘይከኣል እዩ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኢየሱስ ምብዓልን ምኽባርን ንኣኡ ክንፈልጦ የብቅዓና፣ ጸሎት ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፣ ሰለዚህ ናይ ምብዓል ፍስሃ የድሊ፣ ኢየሱስ ብቕዱሳት ምስጢራትን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራቱን ምብዓል፣ ኣብኡ እዩ ድማ ሕይወትን ሓይልን፣ ቦታን ጽንዓትን ቃል ኪዳንን ዝዕድለና፣ ተልእኾ ይዕድለና፣ ብዘይ ቅዱሳት ምስጢራት ኢየሱስ ኣብ ምፍላጡ ኣይንበጽሕን። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ተልእኾኣ ምብዓልን ምስራዕን ቅዱሳት ምስጢራት ኢዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ንኣኡ ምምሳል የድሊ፣ ወንጌል ኣብ ኢድና ምሓዝን ምንባብን ኢየሱስ ኣብ ሕይወቱ እንታይ ከምዝገበረን ከመይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዝበለናን እንታይ ከምዝመሃረናን ፈሊጥና ንኣኡ ምምሳል” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በዘን ሰለስተ መዓጹ ኣቢልና ናብ ምስጢረ ኢየሱስ ክንኣትው ዝተጸዋዕና ኢና፣ እንተድኣ ምእታው እንኽእል ኰይና፣ ክንፈርሕ ከምዘይብልናን፣ ናብ ምስጢረ ኢየሱስ ምእታው ከፍርሓና የብሉን፣ ናብ ምስጢረ ኢየሱስ ምእታው ማለት ድማ ንኣኡ ምጽላይን ምብዓልን ምምሳልን ማለት ክምዝኾነን በዚ መገዲ እዚ ክንቀርቦ እንኰለና ናብ ሓቅን ሕይወትን ዝወስድ መገዲ ከምእንረክብ እንክትንትኑ፦ “ኣብዛ ዕለት እዚኣ ጸሎት ሕይወትናን ጸሎት ልብናን እንታይ ከምዝመስል ነስተንትን፣ ናይ ኣፍ ጸሎት ምድግጋም ቃል ጥራሕ ወይ ድማ ሕንጻይነት ከይከውን ገዛእ ርእስና ንመርምር፣ ናይ ልብና ጸሎት ከመይ እዩ ንበል፣ ክርስቲያናዊ በዓል ኣብ ሕይወት ከምይ እዩ፣ ቢልና ንሕተት፣ ንኣኡ ናይ ምምሳል ጉዕዞይ ከመይ ኣሎ፣ ኣብ ሕይወተይ ንኣኡ ኣብ ምምሳል ዝገብሮ ጉዕዞ ከመይ ኣሎ፣ ወንጌል ኣብ ኢድና ንሓዞ ንገንጽሎን ነንብቦን ንኣኡ ብኸመይ መገዲ ክንመስሎ ከምዝግብኣና ንሱ ባዕሉ ክሕብረና እዩ፣ እምብኣር ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ነዘን ሰለስተ መዓጹ ነስተንትን” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.