2014-05-16 09:48:20

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሕልቂት ስደተይናታት ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘሕዝንን ዘስካሕክሕ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሕፍረት እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 14 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ረቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲትርንያን ካብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቓ በንእሽተይ ናይ ሞተር ጀልባ ናብ ኢጣሊያን ብኢጣሊያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክስደዱ ኣሚቶም ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዘጋጠመ ናይ ሞት ሓደጋ ዘኪሮም፤ ነቲ ዘጋጠመ ምጥሓልን ናይ ሞት ሓደጋን “ከምዚ ዓይነት ሕልቂትን ሓደጋ ሞትን ከጋጥም ምርኣይ ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሕፍረትን ዕንቅፋትን እዩ” ብዝብል ሓሳብ ገሊጾም፦ “ምእንቲ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲትራንያን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ስደተይናታት ንጸልይ። ቅድሚ ኵሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕሎን ቀዳምነት እውን ክወሃቦ ንጸልይ። ኩሉ ሓይሉ ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ከምኡ እውን ከምዚ ዓይነት ዕንቅፋትን ዘሕፍር ተግባርን ከይክሰት ኣብ ዘብቕዕ ተግባር ከውዕል ንጸልይ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ናይ ስደተይናታትን ተጓዕዝትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብዛዕባ እቲ ዝተኸስተ ናይ ሞት ሓደጋ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ከምእንፈልጦ ብዛዕባ ስደተይናታትን ዝተናዕቑን ተነጺሎም ዝነብሩን ብዝተፈላለየ ሰብኣውን ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ጸገም ተገዲዶም ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን መንበሪ ድኻታት ተባሂሉ ኣብ ዝፍጠሩ ክፍለ ከተማታት ዝነብሩ ኣዚዩም ዝግደሱን ኩሉ እምንቲ እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ክጽልን ኣብ ደገፎምን ካብቲ ዘጓነፎም ኩለ መዳያዊ ሽግር ክናገፉ ክዓዪ በቢ ዕለቱ ዘቕርብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፣ እቲ ኣብ ሜዲትራንያን ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጓነፈ ናይ ሞት ሓደጋ ንሓዋሩ ጠሪሹ ከይኽሰት ንመላእ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ስልጣናት ጻውዒት ብምቕራብ፣ እቶም ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ሓልዮ ዝዓይኑ ናይ መንግስቲ ኣካላትን መላእ ሓይሎም ከምዚ ዓይነት ናይ ሞት ሓደጋ ከየጋጥምን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበርን ከዋፍሩ ሓደራ ከምዝበሉን፣ ብዛዕብ ዘይሕጋውና ስደትይናታት ዝምልከት ጉዳይ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢጣሊያን ሕብረት ኤውሮጳን ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ክትዕ ብሓቂ ሓደ’ኳ ካብ ክልቲኣቶም ወናኒ ርትዒ ከምዘይከነ እዩ ዘረጋግጸልና፣ ከምዚ ዓይነት ሕልቂትን ናይ ሞት ሓደጋን ከየጋጥም ኣብ ዝኽኣል ሰብኣውን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምኽባር ኣብ ዘተባብዕ መዳይ ክዋፈሩ እዩ ዝግባእ፣ ነቶም ስደተይናታት ምዕጋት ኰነ ኣብቲ እናተሳቐዩን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጥሕሰት ኣብ ዝሰፍሓሉ ሃገራቶም ክተርፉ ምግዳድ ዓቢይ ጌጋ ጥራሕ ዘይኰነ ንገዛእ ራእሱ ጸረ ሰብኣውን ጸረ መሰልን ክብርን እዩ’ መቺእዎ ዝስደድ ማንም የሎን። መንግስታት ሓይሎም ማሕበራዊ ዕብየትን ሓድነትን ህብረኣውነትን ብዙህነትን መንነታዊ መለለይን ኣብ ምኽባር ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዘተኰረ ኣገልግልቶ ክሰረዑ ይግባእ።
ወትሩ ሕጹጽ ጉዳይ እናተባህሉ ብዛዕባ ስደተይናታትን ዝስደዱን ናይ ሞት ሓደጋ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ምዝራብ ዝተለምደ ኰይኑ ኣሎ። ናይ ሞት ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ኵሉ ዝዛረበሉ ርእሰ ጉዳይ ይኸውን ወይ ድማ ብዝሒ ስደተይናታት ክብ ክብልን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ መደብ ብሔራው ሕዝባዊ መረጻ ክቃረብ እንከሎ ናይቲ ናይ ምረጹኒ ጓስጓስ ሓደ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ብኣሉታዊ ድዩ ወይ ብእወታዊ ፖለቲካ ይግለጽ፣ ድሓር ግን ይርሳዕ ምእቲ’ዚ ኣብ ዓለም ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ስበኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ባህሊ ክሰፍሕ ዘኽእል መደባት ምሕንጻጽ የድሊ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ብፍላይ ድማ ካብ ሃገራት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ሕጻናትን ናይ ሞታ ሕደጋ ከጋጥሞም ፋልማይ ኣይኰነን ስለዚህ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቀዳማይ ዕላማ ኰይኑ ኣብ መላእ ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ባህሊ ከተኣታትው ኣብ ዘብቕዕ መደብ ኵለን ሃገራት ሓይለን ከውድባ የተሓሳስቡ። ምንጻግ ዘይኰነ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ምኽባር ባህሊ ምስፋሕን ደገፍን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ምርግጋጽ መፍትሒ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሊቢያ ከምዝበሃል ካብ ሸሞንተ ሚእቲ ሺሕ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ናብ ኤውሮጳ ክስደዱ ዝጽበዩ ብፍላይ ብብዝሒ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተዋጽኡ ስደተይናታት ከምዘለዉ ይንገር፣ ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝኽበረላ ክፍለ ዓለም ተባሂላ እትግለጽን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተረጋገጸላ ናይ ዴሞክራሲ ኣብነት ትበሃል፣ ስለዚህ ከም ኣብነት እትጽዋዐሉ ተግባር ኣብ ካልኦት ሃገራት ክሰፍሕን ክረጋገጽን ኣብ ዘብቅዕ መዳይ ሓይላ ከተጠራንፍ ይግባእ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.