2014-05-14 10:36:45

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘድሕን ስቓይ


ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 1984 ዓ.ም. “Salvifici Doloris-ዘድሕን ስቓይ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምኽንያት ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሕማምን ክንክን ስቓይ ሕማምን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ማሕበር ሓኻይም ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።
እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ “ሰብኣዊ ሕማንም ስቓይን ብዓይኒ ኣመክንዮ ስነ ሕክምናን እምነት ክርስትናን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣመርኵይዙ ዝመያይጥን ኣስተምህሮ ዝቐረበሉ ከምዝኾነን እዚ ማለት ድማ ትርጉም ስቓይን ንሕሙማን ትኵረት ክግበርን ብፍላይ ድማ ኣብ ስነ ሕክምና ሰብኣውነት ክማእከለን ሰብኣዊ ስቓይ ናይቲ ዘድሕን ስቓይ ሱታፌ ምዃኑ ዘነጽር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ኣማዕድዩ ዝገለጾ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ሎሚ እውን ህያውን እዋናውን ከምዝኾነ ትርጉም ኣልቦ እናተባህለ ዝግለጽ ስቓይ ብሓቂ ከምቲ ዝበሃል ትርጉም ኣልቦ ከምዘይኰነን ዝዀነ ይዅን ኣብ ስቓይ ዘሎ ሰብ በቲ ስቓዩ ኣብ ዝነብሮ ዝተነጸለ ምዃን ክተርፍ ከምዘይብሉን ስቓይ ኣብ ሰብኣውነት ብመደብ እግዚኣብሔር ዝተነብረ ኩነት ምዃን ኣይኰነን እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ስቓይ ካብ እግዚኣብሔርን ብእግዚኣብሔር እዩ ቢልካ ምሕሳብን ምዝራብን ብሓቂ ትርጉም ስቓይ ንዘይምፍላጥ እዩ ዝዳርግ ኣክንዲ ክትርዳእ ምጽዓር ብኣቋራጺ መደብ እግዚኣብሔር እዩ ቢልካ ምግላጹ ይምረጽ፣ ስለዚህ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ እታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያዊት መልእኽቲ መሰረት ትርጉም ስቓይ ንምድማዕን ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጓንፈካ ስቓይ ክትስዕሮን እዚ ድማ ምሕረተ ቕትለት ወይ ድማ ስቓይ ዘይብሉ ጥዑም ሞት ምሕታት ከም ምኽንያታዊ ዝሰብኽ ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ንምግጣምን ንምስናፍን ዝድግፍ ዘስፈርዎ መሰረተ ሓሳብ ብኣመክንዮ ዘቃልሕ ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.