2014-05-14 10:27:25

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ክንየው ውሱንነት ይድርኻ


RealAudioMP3 “መንን እንታዎትን ኢና ንሕና ንመንፈስ ቅዱስ መዓጹ እንዓጹው” ኣብ ዝብል ሕቶ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ እቶም ክርስትና ዝተቐበሉን ዝተለወጡን ቀዳሞት ኣረማውያን ብላቲን ስርዓት ኣብ ዝዝከሩሉ ዕለት 12 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
መንፈስ ቅዱስ ናብ ዝደለዮ እዩ ዝንቀሳቐስ። እቲ ዝዓበየ ኣብ እምነት ዘጋጥም ፈተና መንፈስ ቅዱስ ናበይ ከብል ከምዘለዎ ባዕልና ንውስኖ ኰይኑ ዝስመዓናን ዝንቀሳቐሰሉ መገዲ ኣለይትን ዝኽተሎ ኣንፈት ወሰንትን ኢና ዝብል ከምዝዀነን እዚ ፈተና’ዚ ድማ ብዙሕ ጊዜ ዘጋጥምን ንዅሉ ዝምልከት ከምዝኾነ ኣብ ናይ ዕለቱ ግብረ ሓዋርያት ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቶም ኣረማውያን ወንጌል ዝተቐበሉን ዝተለወጡን ቀዳሞት ክርስትያን ናይቲ ኣብኦም ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ቀዳማይ ናይ ዓይኒ ምስክርን እቶም ናይ ኢየሩሳሌም ክርስትያን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መራሒ ርእሰ ሓዋርያት ምስቶም ዘንጹሓን ክበልዕን ዝገደደ ድማ ከጠምቖም ርእዮም ይዕንቀፉ፣ እዚ ድማ ቀዳማይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኸስተ ውሽጣዊ ቅልውላው ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ገሊጾም፦ “ንሕና ካብ ዘይንፈልጦ ዓለም ሰባት ናባና እንተዝመጹ እሞ ሓደ ከጠምቖም እንተዝደልይ ንሳቶም ድማ ሕራይ እንተዝብሉ እንታይ ምበልና ….?” እወ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ዝወቕስዎ ዝነበሩ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ከምቲ ንሳቶም ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽኣምኑ ጸጋ ዝዓደሎም ከመይ ገይሮም ንእግዚኣብሔር ደረት ክገብርሉ ዝፍትኑ?፦ “ጐይታ ባዕሉ መገዲ ክሕብረና እንከሎ ንሕና እንታዎት ኢና ኣይፋል እቲ ዝሓበርካና መገዲ ሓደገይና እዩ እሞ እቲ ዝሓሸ መገድ ቢላን እንሕብር? ኣነ መን እየ ንእዝኣብሔር መኸላእታ ዝፈጥር፣ ንብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ብፍላይ ጠቒሶምን ኩሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር እውን ንሕና እንታዎትን መንን ኢና መዓጹ ክዕጸው እንውስን። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ በሪ ቤተ ክርስቲያን ከፊቱ ንዝበ እግዚኣብሔ ይቕበል ናብ ውሻጠ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ዝነበረ ብሓደ ስብ ዝፍጸም ኣገልግሎት እምበር ምዕጻው ናይ ምዕጻው ኣገልግሎት ኣይነበረን። መዓጾ ቤተ ክርስቲያን ዝዓጽው ኣገልጋሊ ዝበሃል ኣይነበረን” ሎሚ እውን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ከምዝዓደለን እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝብሎ እቲ ኵሉ ዘስተምህረናን እቲ ኢየሱስ ዘስተምሃረና ዘበለ ከነስተውዕል ዝግበር ምዃኑ ገሊጾም፦ “መንፈስ ቅዱስ ህያው ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ዕንክሊል ከይበለት ንቕድሚት ክትጓዓዝን ካብ ውሱንነት ክንየው ከተብልን፣ ብህያባቱ ኣቢሉ ይመርሓ፣ ብዘይ’ዚ ጰራቅሊጦስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ክተፈልጣን ክትርዳኣና ዘይከኣል እዩ። ስለዚህ እዩ ድማ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድለና፣ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከምዝብሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋናዊ ዓለም ክትጓዓዝ ዘብቅዓ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ንሕና ማሕበረ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ምእዝውና ክዕድለናን ምእዝዋት ክገብርና ንለምኖ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ምእዝው ምዃን ማለት ነቲ ንልባትና ዝዛረብ ንናይ ሕይወት ኵነት ዝዛረበናን ኣብ ማኅበረ ክርስቲያን ዝዛረብን ወትሩ ንዝዛረበና ምእዝው ምዃን ማለት እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.