2014-05-10 15:14:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ኩሉ ጸግዒ መታን ክረክብ መዓጹ ኣባይቲ ክርስቲያን ኣርህዉ


RealAudioMP3 ዕለት 9 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኰ ማሕበር ኣብ ኢጣሊያ ብሔራዊ ኣመሓደርትን ናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ተሓባብርቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመድዮ ሎሞናኮ ሓቢም።
ቅዱስ ኣቦና፦ ቤተ ክርስቲያን ብባህርያ ልእኽቲ ወንጌል ኣብ ዓለንም ንዓለምን ስዒቡ ብዝመጽእ በቲ ግብረ ሰናይ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ዝስነይን ከምኡ እውን ኵላዊ ሕውነትን ምትሕብባርን ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ናይ ተልእኾ ወንጌል ንዓለምን ኣብ ዓለምን ባህርያ መፋጥርቲ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፦ “ወንጌላዊ ግብረ ተልእኮ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ መዳያዊ ኣገልግሎት ረባሕታ እዩ። ኣብዚ ማሕበራዊ ለወጢታት ኣዚዩ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኣስፍሆተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ካብ ገዛእ ራእሳ ወጺኣ ምስ ዝተፈላለየ ባህልታትን ናይ ደቂ ሰባት ርእየት ገዛእ ርእሳ እናነጻጸረትን እናተራኸበትን ብናይ ግብረ ልልያ ብቕዓት መሰረት ብምዝታይ ክፍጸም ዘለዎ ተልእኾ እዩ። እቲ ናይ ክርስቶስ መንፈስ ናይ ሕዳሴ ምንጪ ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ እዋናዊ ዓለም ሓደስቲ መገድታትን ሓዲስ ናይ ምህዞ ኣገባብ ቅጥዒን ዝተፈላለዩ ናይ ኣገላልጻ ኣሰራርዓ ቅርጺ ክንረክብ ይገብረና። ድኻምነትናን ሓጢኣትናን ንምስክርነትን ንምንቕቓሕ ወንጌል ዝተዓናቕፉ ንተልእኾ ወንጌልን ኣስፍሆተ ወንጌልን ብርሃን ወንጌል ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ንእንፍጽሞ ኣገልግሎት ከገትእ የብሉን፣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣሕዛብ ብፅዕናን ቤት ድኻታትን ሕዙናት ቤት ዝተነጸሉን ዝስደዱን ፍትሒ ዝጸምኦምን ዝጠመዮም ቤት እያ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም ኩሉ ማሕበረ ክርሲያንን ካህናትን ደናግልን ኣባላት ናይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ማሕበራትን ኣብ ጎዳና ኣስፍሆተ ወንጌል ክርከቡን ንኣስፍሆተ ወንጌል ስንድዋት ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.