2014-05-10 16:57:20

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብጹዓን ጳጳሳት ኤርትራን /ኢትዮጵያን ቫቲካን ፡


RealAudioMP3 ብጹዓን ጳጳሳት ኤርትራን ኢትዮጵያን አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ከሎ ትማኢ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብፁዓን ጳጳሳት ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ፡ ምስቶም ማሕበራዊ ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት እትግብርዎ ምትሕብባር የመስግነኩም ኢሎም ።አተሐሒዞም እምነተ ክርስትና አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጽባሕ ክርስትና ጀሚሩ አብ ከውሒ ዝተመስርተን ምስክርነት ክርስትና ዝቅጽለሉ ዘሎ ክሊ ከም ዝኾነ ፓፓፍራንቸስኮ ንብጹዓን ጳጳሳት ኤርትራን ኢትዮጵያን ገሊጾምሎም ።
አብ ቀርኒ አፍሪቃ ዝርኤ ነቅጺ ዘኸትሎ ጥሜትን ግጭትን ዘተሐሳስብ ከም ዝኾነ ይርድአኒ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ማሕባረዊ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ምስ ዝተፈላለዩ ተቅዋማት ሃይማኖትን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ብምትሕብባር እትህብዎ ሰብአዊ ረዲኤት ዝተሸገረ ህዝቢ ካብ ስቃይ ክናገፍ ስለ ዝሕግዝ ዝውደስ ተግባር ከም ዝኾነ አገንዚቦም።ብጠንቂ ግጭትን ድኽነትን ዘኽታማት ኮይኖም ንዝተረፉ ሕጻናት ፍሉይ ዝኾአን ክንክን ከግበረሎም ከም ዝግባእ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አመልኪትም።ብዝተፈላለየ ምኽንያት ማእከላይ ባሕሪ አቃሪጾም ንኤውሮጳ ክስደዱ ክብሉ ሕይወቶም ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰያት ሀገራት ቀርኒ አፍሪቃ ዘኪሮም ዘሕዝን ተረክብኦ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።አብ ሀገራት ቀርኒ ኣአፍሪቃ ንአመንትን ዘይአምኑን ብሐዲሽ መልክዕ ዜና ሰና ቅዱስ መጽሐፍ ክንገር ኩሉ ዝክአሎ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ነቲ አብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ፀጋ ከውርደሉ ክንጽሊ ይግባእ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ስለ ዝኾነ ሰላም ቅሳነት ፍትሒ ከውርድ ክንልምኖ ክንምሕጸኖ ብማለት ንብጹዓን ጳጳሳት ኤርትራን ኢትዮጵያን አተሐሳሲቦም።ብጹዓን ጳጳሳት ንካህናት ከም አቦን አደን ከይኖም ክጓስይዎም መንፈሳዊ ሥነ አእምሮአዊ ሐዋርያዊ ህንጸትን ክንክንን ምሀቦም አድላዪ ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቶም ፡ ፓፓ ፍራንቸስኮ አተሐሒዞም ህንጸተ ምእመናን ምስ ምአመናን ምትሕብባርን ብፍላይ ትምህርተ ክርስቶስ ምሃብን ምስ መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ ቤተ ክርስትያንን ከም ዝተሳሰሩ ምግባርን መሠረታዊ ከም ዝኾነ ነቶም አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ብፁዓን ጳጳሳት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተማሕጸንዎም አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።
እዚ አብ ቦትኡ ኮይኑ >< ጳጳስ ዘመንበረ አሥመራ ብዙዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ብዛዕባ”ዚ ቪሲታ አድሊሚና ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብጹዓን ጳጳሳት ቫቲካን

መብርሂ ክህቡና ተወኪስናዮም አለና”ሞ ምልክት ድምጺ ጠዊቅኩም ክትከታተልዎ ትክእሉ፡








All the contents on this site are copyrighted ©.