2014-05-06 15:46:51

ስልጣናዊ ምዕዳን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምኽንያት ብኣዛዚ ዳኔል ኣንሪግ ዝተሰነዩ መላእ ናይቲ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላትን ስድራ ቤቶም ፈተውቶምን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 5 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘለገሱ ነቲ ዝተኽየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እቶም ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣብ እምነት ጽኑዓትን ንዅሉ ብግብረ ሰናይ ዝግለጽ ለውሃትን ሓልዮትን ከርእዩ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ በዓል ናይቲ ኣብ 1506 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጵጵስና ጁሊዮ ዳግማዊ ዝቖመ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ዓመታዊ በዓል እቶም ኣብ 1547 ዓ.ም. ዕለት 6 ግንቦት ኣብ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻብዓይ ካብ ወረራ ወትሃደራት ላንድዚከኖኪ ንምክልኻል ዝተሰውኡ 147 ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ዝዝከረሉ ዕለት ተተሓሒዙ ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም፦ “እቲ ንስኻትኩም እትነብርዎ ዉፉይ ኣገልግሎት ናይቶም ዝሓለፉ ስዉኣት ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ፍረ ጻማ እዩ፣ ወንጌል ከምዝብሎ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝቕበር ዘርኢ ይመውት እሞ ይፈርይ፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሎሚ ተወፋይነትኩም ናይቶም ዝሓለፉ መስዋዕቲ ከንቱ ከምዘይኰነ ዝምስክር እዩ” ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢረን ቅድስነቶም ቀጺሎም እቲ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ መርሖ acriter et fideliter - ብትብዓትን ተኣማንነትን” ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም “እዋን ይለዋወጥ እምበር ልቢ ሰብ እሙንን ተባዕን ናይ ምዃን ብቕዓቱ ሎሚ እውን ኣይተቐየረን፣ ስለዚህ ንኣኡ ኢኹም ትነብሩ፣ ኣብ ታሪኽ ኣመሰራርታኹም ከምኡ እውን ኣብ ታሪክ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ናታቱክም ኣባላት ናይ ውልቃውን ሓባርውን ታሪኽ ዝተጠቓለለ ከምዝዀነን በቲ ፍሉዩ ዝዀነ ኣገልግሎትኩም ነቶም ናብ ሃገረ ቫቲካንን ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ክበጽሑን መንፈሳዊ ንገድ ክፍጽሙን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽራኸቡ ንዝመጹ ህዱእን ሕጉስን ክርስትያናዊ ምስክርነት ክትህቡ ዝተጸዋዕኩም ኢኹም ዝብል እዩ። ስለዚህ ህዱእን ሕጉስን ክርስቲያናዊ ምስክርነትኩም ፍሉይ መለለይኹም እዩ። እቲ ንኻልኦት ዝማርኽ እቲ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ልብስኹም ዘይኰነስ ኣኽብሮትኩም ልዝብነትኩምን ናይ ምእንጋድ መንፈስን እትነብርዎ ግብረ ሰናይ እዩ” ቢሎም፦ “ከም ሰብ መጠን ብዙሕ ሽግራት ከጋጥም ዝከኣል እዩ። ኣብ መንጐኹም ብዙሕ ጸገም ዘጋጥሞ ክህሉ ዝከእል ብምዃኑ ንሓድ ሕድኩም ክትፋቐሩን ክትተሓሳሰቡን ኣብ መንጐኹም ፍቕሪ ክህሉ ሓደራ። ኣብ መንጐኹም ምርሕሓቕን ምግምማዕን ከይህሉ ሓደራ፣ እቲ እሉታዊ ነገራት እንተድኣ ሃልዩ፣ ምንዕዓቕን ምንጽጻልን ኣድልዎን ዓሌታዊ ጸገማት ከምዝተኣታተው ፍሉጥ እዩ። ስለዚህ ተፋቐሩ። ፍትዋት ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ በቢ ዕለቱ ብቐረባ ተወፋይነትኩም ጽዑቕ ኣገልግሎትኩም ዝርእዮ ሓቂ እመስግነኵም” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ክምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.