2014-05-01 16:18:48

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ


RealAudioMP3 ዕለት 30 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. “ጆሰፍ ራትዚንገር፣ በነዲክቶስ መበል 16ን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣጐስቲኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቨሮኒካ ጃኮመቲ ሓቢረን።
እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በርሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣብ እዋን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ፍሉይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ናይቲ መጽሓፍ ኣሰናዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ጆሰፍ ራትዚንገር፣ በነዲክቶስ መበል 16ን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳትን ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ንምስንዳው ዝተጀመረ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም እንከለዉ እዩ፣ ኣብ እዋን በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን መርሕነት ኣብ ዝተኻየዱ ሲኖዶስ በነዲክቶስ መበል 16 ሰዝምዕዎን ዘቕረብዎ መልእኽትታትን ኣስተምህሮታትን ዓሚዩቕን ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሃብቲ እዩ። ካብዚ ምስትውዓል’ዚ ዝነቐለ ድላይ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ኣስተምህሮን መልእኽትን ንምስትውዓልን ቲዮልጊያውን ፍልስፍናውን ኣመለኻኽታኡን ጠርኒፍካ በነዲክቶስ መበል 16 ኩሉ ከምዝፈልጦ ድና ናይ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመና ዝለዓሉ ናይ ቲዮሎግያ ሊቅ እዩም፣ ምእንቲ’ዚ ራትዚንገራዊ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ናይ ገዝእ ርእሱ ክፍሊ መጽናዕቲ ብምዃኑን እቲ ናቶም ቲዮሎጊያዊ ሓሳበ ወይ ከኣ ሕላነ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓደ ክፍሊ ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣበው ክፍሊ መጽናዕቲ ብምዃኑ ቅድም ክብል ከብ ዝተነጸረ ርድኢት ብምንቃል እዩ ኣብ ሓደ መጽሓፍ ተጠቓሊሉን ተሓቲሙን ንንባብ ክበቅዕ ዝተደልየ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጃኮመቲ ሓቢረን።
እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ገራርድ ልድዊግ ሙዩለር ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ፦ “ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ሕሳበ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ንብረትን ዓንቀጸ እምነታዊ ሃብቲ እዩ። ገና ብዑምቀትን ካብቲ ሓቂ ካብ ምፍቃር ካብ ዝተበገሰ ድላይ ክጽናዕን ክስትውዓልን ዘለዎ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ” እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ብወገኖም፦ “እታ መጽሓፍ ከምቲ ኣርእስታ ‘ጆሰፍ ራትዚንገር፣ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስን’ እዩ ዝብል፣ ስለዚህ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ራትዚንገራዊ ሕሳበ ካብ 1980 ዓ.ም. ክሳብ 2012 ዓ.ም. ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ካብ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ክሳብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዘጠቓልል እዩ። ስለዚህ ትምህርቶም ስልጣናዊ ትምህርቶምን ዘለዎም ምስ ኩነታት ታሪኽ ዝነጻጻርን ዓሚዩቕ ፍልጠት ታሪኻዊ ኩነት ዘለዎን ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን መንፈሳውን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ሓሳበም ብራትዚንገራዊ መጽናዕቲ ኣለሊኻ ብምፍላጥን ብምጽናዕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ውህደትን ውህደት ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዙርያን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዝብል ሓሳብ እውን ምንቕቓሕ ወሳኒ ምዃኑ ዝገልጽ እዩ” ከምዝበሉ ጃኮመቲ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.