2014-05-01 16:10:50

ብቓልን ሕይወትን ኣብ ብስራት ምሕረት እግዚኣብሔር ዘማእከለ ተልእኾ


RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል “ስነ ሜላዊ ምህዞ ንለውጢ ሓደ ባህሊ” ብዝብል ኣራእስቲ ኣምሪሒ ካብ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዳለዎ ታሽዓይ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ብቓልን ሕይወትን ኣብ ምብሳር ምሕረት እግዚኣብሔር ዘማእከለ ምዃኑ ከምዘነረጸሩ ልኡኽ ጋዜጠና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔርን እቲ ቐንዲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝኾነን፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ቤተ ክርስቲያንን ወንጌልን ብዝማርኽ ግብሪ ማለት እቲ ንድሕነትን ንሰብኣዊ ሕይወትን ዝኾነ ዓሚዩቕን ምሉእ ጽባቔን ቃል ብስራት ምቕራብ ሕዝቢ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ነዚ ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ ዘገልግል ክማረኽ ዝብል እዩ” ቢሎም ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምርኻብ ብልጫዊ ኣግባብ ዘይተሓላለኸን ተግባራውን ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ ብሕይወትን ዝብል ምዃኑን እዚ ድማ ኣእማንን ማራኽን ብሓቂ እቲ እውነተይና ምራኽብ ወይ ድማ ናምእዋጅ ቃል ኣምላኽ ዝሓቶ ልዑል ባህርይ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምሕረትን ፍቕርን ዘማእከለ ከምዝኾነ ክትንትኑ፦ “እቱ ኩሉ ዝረኣዮም ዝተዓዘቦን ቀዳማይ ምልጫዊ ኣግባብ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ዝመርሕዎ ሊጡርጊያ ሕጽበተ እግር ዝፈጸምዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነትን ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ቀዳምነት ንዝተናዕቁን ንሕዙናትን ንሕሙማንን ንኣረጋውያንን ንሕጻውንት ዝህቡ እዮም፣ ስለዚህ ቃል ብስራት ስሉጥ ዝገብሮ ብልጫዊ ኣግባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ” ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዎ ዘረባ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬትን ከምኡ እውን ኣብ ኮርያን ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ይቃረብ ከምዘሎን እዚ ድማ ቅዱስነቶም ንመላእ ዓለም ኣብ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝብልዎን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንታይ ከምዝመስል ዘፍልጠና እዋን ከምዝኸውንን ብሓቂ ገና ዘደንቕን ነገራት ክንርእን ብዙሕ ክንመሃርን ከምዝኾነን ኩሉ ክመዝርእዮ ቅዱስነቶም ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ዝተዳለዎ መስርዕ ወጻኢ በቲ ዘለዎም ምልኣት ፍቕሪ ቃል ኣምላኽ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ውሽጥን ውጻእን መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ዝቃላሕ ከምዝኾነ እውን እንክሕብሩ፦ “ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ዝኾነ ይዅን ሓፈሻዊ መደባት ፈላላይ ዶብ እቲ ዝንጽል ምልክታ ዝጥሕሱን ናብ ሕዝቢ ቀሪቦምን ንሕጻናት ሓቝይፎም ክስዕሙን ንዅሉ ሰላም ዝብሉን ንሓደ ሰብ ዝብልዎ እንተድኣ ኣለዎም ብናጻ ባዕሎም ስልኪ ኣልዒሎም እቲ ክብልዎ ዝደለይዎ ዝብሉ እዮም እዚ ድማ እቲ መለለይኦም ብልጫዊ ኣገባብ እዩ። ብዙሕ ጊዜ መራኸቢ ብዙሓን ዘቃልሕዎ እውን እዩ፣ ኰይኑ ግን መራኸቢ ብዙሃን ክገልጽዎ እንከለዎ ምጥንቓቕ የድሊ፣ ብትኽክል እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ ብዘይ ናይ ውልቂ ርእዮት ምሉእ ብምሉእ ከምዘለዎ ድዮም ዘቕርቡ ምስትውዓል የድሊ ስለምታይ እቲ መልእኽቶምን ርክባቶምን ካብቲ ከድምዖ ዝደሊ ቀንደይና ሓሳብ ንኸይውጻእ ምጥንቓቕ የድሊ፣ ስለምታይ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ ዝምልከት ወይ ከኣ ዘይምልከት ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ፣ እቲ መልእኽቲ ክብሎ ዝደልዮ ዘይምዕፋን ወይ ድም ከም ድላይካ ምትርጓም ጌጋ እዩ” ቢሎም ቀጺሎም ስድራ ቤት ዘማእከለ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብናይ መጠይቕ ሰነድ ቅድም ክብል ዝተዳልዎ ብምዃኑ ዓቢይ ሱታፌ ሕብዘ እግዚኣብሔር ዝተነብሮ ከምዝኸውን ንጹር እዩ። እዚ ዓይነት ምድላው ሲኖዶስ ብሓቂ ትብዓትን እማኔን ቅዱስ ኣቦና ዝረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ብምዃኖም ገዛእ ርእሶም ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርሲያን ኣብ ጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ጉዕዞ እምበር ኣብ ዝሕቱልን ዕዩግን ኩነት ዘይንበር ክርስትና ዘቃልሑን ዝነብሩን ብምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባይቲ ጽሕፈትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቀረባ ተሓባበርትን መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞ ዝብሉ ከምዝኾነ ገሊጾም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.