2014-04-27 16:47:26

ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ 8/19/2006 ዓ.ም. (4/27/2014)


“ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን በዐብይ ኃይል ውስልጣን አሰሮ ለሰይጣን አግዓዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ኮነ ፍስሃ ወሰላም”
መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . ።
“ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ። ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ። አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።
ንባባት 1ቆሮ 1520-41፥ 1ጴጥ 1:3-9፥ ግ.ሓ.2:42-47፥ዮሓ 2019~31።
ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፥። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66
ሎሚ ዳግማይ ትንሣኤ ኢና እነብዕል ዘሎና። አብዚ ፍሉይ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ንትንሣኤ ክርስቶስ እናመስከረት እንከላ ሓጎስ ትንሣኤ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ፍሉይ ትርጉምን መቐረትን ይህቦ። ብፍሉይ ንነፍሲ ወከፍና ብእምነት ነቲ ሰናይ ዜና ትንሣኤ አብ ኩሉ ክንበጽሕ እሞ ኩሉ ፍጡር ጸጋ ትንሣኤ ከስተማቕር ክንሕግዝ ከምዘሎና ትላበወና። ንኹሎም ነቶም ትንሣኤ ክርስቶስ ዝቋወሙ ከምቶም ናይ እዋን ኢየሱስ ዝነበሩ መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ናይ ዘመና ቶማሳት ተጠራጠርቲ ንኹሎም ብትብዓት ንትንሣኤ ክርስቶስ ክንሰብኽ ትደልየና።
ዕዱማት ንብዓለ ትንሣኤ ኢና፥ እቲ በኹሪ ትንሥኤና ዝኾነ ክርስቶስ ንሱ ምንጪ ትንሣኤ ናይ ኩሎም ዝሞቱ፥ ተስፋ ናይ ኩሎም ክርስትያን፥ ምንጪ ሓጎስና እዩ። ነቲ ቤተ ክርስትያን እተቕርበልና ዘላ ዕድመ ሓጎስ እሞ ናትና ዝኾነ ብምልኡ ክንምልሰሉ ይግብኣና። ልዕሊ ኹሉ ንእግዚአብሔር አብ አቦ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክነመስግን ይግባእ ምኽንያቱ ንሱ ካብ ምሕረትን ሕያውነትን ተላዒሉ አብ ትንሣኤ ክርስቶስን ከምኡ አብ መንግስቱ ሱታፌ ክህልወና ጸዊዕና። ንሕና ኩልና ደቂ ትንሥኤን ሓጎስ ትንሣኤ እንዝምር ኢና፥ ክርስቶስ ከአ ምኽንያት ሓጎስና አብዚ ዘመን እዩ።
አብ ግ.ሓ.2፡42-47 ዘንበብናዮ ሓዲስ ቅንአት፥ ሓዲስ ፍቕሪ፥ ሓዲስ መንፈስ አብታ ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስትያን ዝተራእየ ይነግረና። እቶም ካብ ናይ አይሁድ ስደትና ማእሰርትን ሞትን ፈሪሖም ተሸቝሪሮም ዝነበሩ ሕጂ ብኹሉ ተቐይሮም ተብዓት ሰባት ኮይኖም ንርእዮም። አብዚ እዋን ኩሎም ብመንፈስ መሊኦም ሕቡናትን ፍርሒ ዘይብሎም ኮይኖም ንርእዮም። እቲ ዝወረስዎ ኸአ ሱታፌ አብ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ምኽንያት ሓጎሶም፥ ፍቕሮም፥ ሓድነቶምን ጽንዓት ምስክርነቶምን እዩ። እዚ እዩ ትንሣኤ ክርስቶስ ሕጂ አብ ልዕሊ ነፍስወከፍና ዘምጽኦ። ከም ህዝቢ አምላኽ መጠን እምነትና ይሕድሰልና። ካብ መረት ብምዃና አልዒሉ አብቲ ክንኮኖ ዝግብአና ከምንድይብ ይገብረና። ብሓጺሩ ሓደስቲ ፍጥረት ብኹሉ ይገብረና። ትንሣኤ ክርስቶስ ሓጎስ አውሪዱ ንመጻኢ ሕይወትና ብሩህን ብኹሉ ትስፍው ይገብረልና። ካብ ሕጂ ንድሓር እምብአር ምሉእ ኃይልን ዕጥቅን ዝሰነቕና ስለ ዝኾና አብ ኩሉ ከድና ክንሰብኽን ክንምስክርን ግቡእና እዩ።
አብ 1ጴጥ 1፡3-9 ዘንበብናዮ ጴጥሮስ መሓሪ አምላኽ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ዘርአዮ ናይ ምሕረት ስራሕ ይገልጸልና። እዚ ምሕረት አምላኽ እንብሎ አብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ “ብሓዲስ ልደት ውሉዳት ምስ ገበረና እዩ”። ንሱ አብ ትንሣኤ ወዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ከምእንሳተፍ ስለ ዝገበረና ርግጽ ዝኾነ ተስፋን ዘይበርስን ዘይበላሾን ዘይጽምሉን አብ ሰማይት ውርሻ አንነቢሩልና አሎ። አብዚ ጴጥሮስ እንታይ መልእኽቲ ከመሓላልፈና ከም ዝደሊ ዘሎ ክነስተውዕል አሎና። ወላ እኳ ተዋሂቡና ዘሎ ተስፋ ርጉጽ እንተ ኾነ ንሕና ክንገብሮ ወይ ክንጻወቶ ዝግብአና ፍሉይ ተራ አሎና። እቲ ሓጎስና ምሉእ ክኸውን ነፍስወከፍና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክነፍርየሉ ብምልኡ ክንሳተፎ ክነብሮ እዩ ዝድለ ዘሎ። አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ፍሉይ ውህበት ተዓዲልና ካብ ኮና ሕጂ ከመሎና። ሕይወትና ከም ክርስትያን ከም ካቶሊካውያን ከመሎ ብሓቂ ደቂ ትንሣኤ ዲና ዘሎና ወይስ ጌና አብ ፍርሕን ጸልማትን ኢና ዘሎና። ክርስቶስ ንኹልና ደቂ አምላኽ ስለ ዝኾና ድሮ አፍደገ ድሕነት ከፊቱልና እዩ፥ ንቀበሎ አይንቀበሎ ዘይቅየር እዩ፥ ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ዝኸፈቶ አፍደገ ድሕነት አይዓጽዎን እዩ። ንኹሎም ብድላይ አምላኽ ዝኸዱ፥ ንዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ ሕይወቶም ዝምስክሩ፥ ንሱ ናይ ሕያዋንን ሙታንን ጎይታ ምዃኑ ዝአምኑ ዕርቡን ድኅነት ተዋሂብዎ ጭቡጥ ዋሕስ ዘልኦ ሕይወት እዮም ዝነብሩ። ከም አበሃህላ ጴጥሮስ እቲ ግድነት መጋበሪ ነዚ ዋሕስ ክትረክብ ዘድሊ “እምነት” እዩ። “ንስኹም ስለ ዝአመንኩም እቲ አብ መወዳእታ ዘመን ክግሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዚመጽእ ኃይሊ አምላኽ ኪሕልወኩም እዩ” ይብለና። እወ ብርግጽ እምነት ጥራሕ እዩ ዘረጋግጸልና አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ብምልኡ ከምእንሳተፍ። ንኢየሱስ ብአካል አይንርእዮን ኢና ግን ንአምን ስለዚ ርግጽ ዝኾነ በረኸት አባና አሎ “እቶም ከይረአዩ ዝአምኑ ዕዉታት እዮም” (ዮሓ 20፡29) ይብለና።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ አብ ቅድሚ አርድእቱ ደው ብምባል ነቲ ዝነበሮም ፍርሒ ቀንጠጠሎም ከምኡ ነቲ አብ ቶማስ ዝነበረ ዘይምእማን አለየሉ። አብ ልዕሊ አርድእቲ ዝበለጸ ህያብ ሃቦም ንሱ ኸአ ህያብ ሰላም፥ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ አውሪድሎም፥ ከምኡ ናይ አገልግሎት ምስጢራት ክዕድሉ ልኢኽዎም ልዕሊ ኹል ምስጢረ ስንሓ ክህቡን አብቲ ግራቱ ክዓዩን ልኢኽዎም። አብዚ ንባባ ብፍሉይ ክንርእዮ ዘሎና አብ ቅ. ቶማስ ናይ ኩሎም እቶም ምጥርጣርን ላንጋላንጋ ናይ ዝኾኑ ዑቅባ እዩ። ንሱ ክርስቶስ ካብ ሞት ከምዝተንሥአ ምስ ተነግሮ ክአምን ከቢድዎ አይአምምን ኢሉ። ነቲ ሓዋርያት ዝነገርዎ ጨሪሱ ምቕባል አብዩ ንሱ ጥራሕ አይኮነን ክርስቶስ ምስተራእዮ እውን ክአምን አይክአለን ክሳብ ብኢዱ ንጎኑን ነቲ ናይ ሽንካር ምልክትን ክሳብ ዝትንክፍ ምእማን አብዩ።
ምእማን ንዝአበዩ እንታይ ነገብሮም?
አብ ሕይወትና ነዚ ሰናይ ዜና እና ዘርጋሕና እንከሎና በብእዋኑ ዝመጽኡና ምጥርጣርን ጸገማትን ክህልዉ ግድን እዩ። ሰባት ነቲ እንብሎ እንአምኖ ክነርጎም ከሎና አይቅበሉናን፥ አብዚ እዋን ኢና አብ ኢድ አምላኽ ሓዲግና ባዕሉ ከምቲ ንቶማስ ዝቐየሮ ክቕይሮም ክንጽልየሎም ዝግባእ። ብዘይምእማኖምን በቲ ዝብልዎ አይንጨነቕ አብ ኢድ አምላኽ ክንሓድጎም ክንጽልየሎም ይግባእ። ኩሉ ነገር ርኢና ነዚ ወንጌል አንቢብና አብ ኢድ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክንሓድጎም አሎና። አብ ናይ ቶማስ እንተ ረኤና ወላ ሓንቲ ካብቲ ሓዋርያት ዝበልዎ ንሓሳቡ ክቕይሮ ዝኸአለ አይነበረን ኢየሱስ ባዕሉ ምስ ተገልጾ እሞ ኩሉ ምስ አርአዮን ተዛረቦን እዩ አሚኑ ንሕና እውን ተስፋ ከይቆረጽና አብ ኢየሱስ ክነሕልፎም አሎና ልቦም ክቕይረሎም። ሎሚ ብዙሓት ቶማሳት አብ መንጎና አለዉ፥ ብዙሓት ንሓቀኛ እምነት ሓዲጎም አብ ካልእ ዝኸዱ አለዉ ስለዚ አምላኽ ንሓቂ ክገልጽለሞ ኩሉ ጊዜ ክንጽልየሎም ይግብአ። ክርስቶስ ብናቱ እዋንን ብናቱ መገድን ልቢ ሰባት ይትንክፍ እዩ። ንሕና ከም አርድእትን ሓዋርያትን ክርስቶስ መጠን ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ተልእኮ አብ ምሉእ ዓለም ክንሰብኮን ክንምስክሮን ትሑዛት ኢና። ንሱ ልዕሊ ኹሉ ምንጪ ናይ ኩሉ ሓጎስናን ሕይወትና እዩ ብፍላይ አብዚ ዘመነ ትንሣኤ። በቲ አብ ጉዕዞ ሕይውት ዝጓነፈና ናይ ብዙሓት ቶማሳት ዘይምእማን ከጨንቐና ተስፋ ከቕርጸና የብሉን ምኽንያቱ ንሱ ከመይ ገሩ ከምዝቕይሮምን አብኡ ከምዝመልሶምን ይፈልጥ እዩ። ምስ መዘምር ዳዊት ኾና “ምስጋና ንአምላኽ ስለእቲ ኹሉ ዝገበረ ፍቕሩ ንዘለዓለም ይነብር” እናበልና አብዚ ብሩኽ እዋን ትንሣኤ ብዝያዳ አብ ሓጎስ አብ ፍቕሪ ተመሊስና ሓዲስ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ክንለብስ ይድለ አሎ።
ዳግማይ ትንሣኤ እምብአር ፍሉይ ነገራት ክንሓስብ ይሕግዘና፡

ዳግማይ ትንሣኤ ክርስቶስ ክነብዕል ከሎና ምስ ቶማስ ኮና ጎይታይን አምላኸይን ኢልና እምነትና ሓዲስና ንምስክርነት እምነትና ክንጎዪ ንሕሰብ ከመይ ቶማስ ድሕሪ መግናሕቲ እምነቱ አብ በረኻን አብ ዓድን ክሳብ መጨረሻ ሕይወቱ ቃል አምላኽ ክሳብ ህንዲ አብጺሑ። ንሕና እውን ካብ ዘሎና ዛሕሊ እምነት ወይ ድኽመት ብንስሓ ኃጢአትና አንጺሕና ንሓዲስ ስብከትን ቅድስና ዝመልኦ ክነብር መብጽዓና ንሓድስ።
ብሩኽ ትንሣኤ
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.