2014-04-25 09:41:32

አስተንትኖ ንኢየሱስ ርኢኻን አለሊኻ ምኽአል


ንባባት፡ ዮሓ ፡20፡11-18፥ ግ.ሓ. 2፡36-41
ዘሎናዮ እዋን ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ዘሎ እዋን ስለ ዝኾነ ንኢየሱስ አብ ሕይወትና ክነለልዮ ምስኡ ክንከውን ዝሕግዘናን ዘዘኻኽረናን እዋን እዩ። ቀዳሞት ሓዋርያት አብ ዮሓ 1፡35-42 ዘሎ እንተ ረኤና እንድርያስ ንጴጥሮስ ሓዉ ንኢየሱስ ረኺብናዮ “ንመስሕ ረኺብናዮ” ንዓናይ ርአ እናበለ አብ ኢየሱስ ከብጽሖ ንርኢ። ንኢየሱስ ረኺቡ ዝኸአለ ምሉእ መዓልቲ አብ ሓጎስ እዩ ዝውዕል። ናይ እቶም ቀዳሞት አርድእቲ ክዛረብ እንከሎ ዮሓ “ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ወዓሉ ይብለና። ምስ ኢየሱ ምውዓል ዘምጽኦ ለውጢ ከርእየና ኢሉ ኸአ መጀመርያ አመኑ ድሕሪኡ ንስብከተ ወንጌል ተበገሱ ነቶም መቕርቦም አብ ኢየሱስ ከምጽኡ ተጓየዩ ነቲ ንሶም ዘስተማቐርዎ ምስ ኢየሱስ ምውዓል ወገኖም እውን ከስተማቕርዎ ደልየሞም።
አብ ሕይወት ሓደ ክርስትያን እቲ ዝዓበየ ነገር ነአምላኽ አብ ሕይወቱ/ታ ርኢኻ ምኽአል እዩ። አምላኽ ብዝተፈላለየ ጸጋታቱ ይናብየና ብቃላቱ ገሩ እንጉዓዞ ሕይወት ይነግረና ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ኸአ ምስጢራትን ድላዩን ይዕድለና እዚ ኹሉ ምስኡ ክንከውን ፍቕሩ ክንርኢ እሞ ናቱ ጥራሕ ኮና ክነብር ኢሉ እዩ። እዚ አብ ሕይወት እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብብሩህ ንርእዮ።
ቅ. ጴጥሮስ አብ ደብረ ታቦር ግርማ ኢየሱስ ምስ ረአየ አብዚ ምሳኻ ክነብር ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓንቲ ንኢየሱስ ሓንቲ ንሙሴ ሓንቲ ንኤልያስ እናበለ ምስ ኢየሱስ ምዃን ክሳብ ክንደይ ዕግበትን ሓጎስን ከምዘሕደረሉ ይገልጽ። ኢየሱስ አብ ማእከልና እንከሎ ብዙሕ ጊዜ አይነላልዮን እሞ ብማእከልና ክሓልፍ እንከሎ አይንርእዮን። አብ ወንጌል ዕዉራት የላልይዎ ከምዝነበሩ ነንብብ። ካብቶም ብዓይኖም ዝርእዩ ዝነበሩ እቶም ዘይርእዩ ብዝያዳ አብ ኢየሱስ ይአምኑ ነሮም። ሰባት ሱቕ በል እንተ በልዎም አብ ኢየሱስ ከይበጽሑ እንተ ዓገትዎም ንሶም ግን ብምቕጻል ይጽውዑ እሞ መልሲ ካብ ኢየሱስ ይረኽቡ ነሮም። ኢየሱስ እውን እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ይብሎም ነሩ ንሶም ከአ “ክርኢ” እደሊ። ሥጋዎ ምርአይን እምነታዊ ምርአይን እዮም ዝሓቱ ነሮም፥ ነዚ ዘረድአና ኸአ ምስ ሓወዩ አብ መገዲ ምስኡ ይኸዱ እምበር ንዓዶም ክሕጎሱ ንደቂ ዓዶም ከበስሩ አይተምልሱን ምስ ኢየሱስ ተጓዒዞም።
ንኢየሱስ ርእዩ ዝኸአለ ንድሕሪት አይምለስን እዩ ፍቕሪ ኢየሱስ ንብዙሓት ሰማዕታት አብ ሞትን ማእሰርትን ስቓይን አብጺሕዎም። ካብኡ ክንፍለ አየፍቅደልናን እዩ። ንኢየሱስ ሎሚ እውን አለሊናን ርኢናን ክንክእል ልብና ክንከፍት እዋኑ እዩ።
ንኢየሱስ ምርአይ ሓደ ጊዜ ርእየዮ ይአኽለኒ ኢልካ እተቋርጾ ነገር አይኮነን። ዕለት ዕለት ክንርእዮ ምስኡ ክንከውን እዩ ዝደሊ። አብ ቅድሚ ቅ. ቍርባን ቀሪብና ክንርእዮ ክንበጽሖ ክንልምኖ ይግብአና። ንሱ ብዝተፈላለየ መገዲ ምሳና አሎ ንርአዮ ንስምዓዮ። ንሱ አብ ሕይወትና አብ ሓዳርና አብ ናብራና ምሳና አሎ። ናብራ ዓለም ወይ ከቢድና ወይ እውን መሊኽና ንኢየሱስ ካብ ምርአይ ከይንኽወል ሎሚ ሕልናዊ መርመራ ክንገብር አሎና ሽዑ ክንርእዮ ክንክእል ኢና።
አብ ግ.ሓ. 2 እንተ አንበብና ቅ. ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ ትንሣኤ ክርስቶስ ምስ ሰበኸሎም በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም እንታይ ንግበር ኢሎሞ። ብኻልእ አዘራርባ ካብ ክፍአትና ካብ ዑረትና ክንምለስ እንታይ ንግበር ኢሎሞ። ክልተ ነገር እዮም ሓቲቶም ካብ ዑረትና ክንርኢ እንታይ ነግበር ነቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ነቲ ዝቐተልናዮ እምነትና ክንገልጸሉ እንታይ ንግበር፥ ካልአይ ሓዲስ ሕይወትን መንገድን ክንሕዝ እንታይ ንግበር ዝብል እዩ ነሩ ሕትኦም። አብ ወንጌል ከምዚ ዝመስል ሰባት ንዮውሓንስ መጥምቕ ክሓትዎ እንከለዉ ንርኢ “እንታይ ንግበር” (ሉቃ 3፡10)፥ አብ ክልቲኡ ሓደ ዓይነት መልሲ ንርኢ “ተነስሑ ኅድገት ኃጢአት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸአ ነፍስ ወከፍኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ እግዚአብሔር ዝህቦ መንፈስ ቅዱስ ከአ ኽትቅበሉ ኢኹም” ዝብል ነንብብ (ግ.ሓ. 2፡38)። አብ አምላኽ ክምለስ ዝደሊ ልቢ ዝሓቶ ሕቶ እዩ። ፍቕሪን ምሕረትን አምላኽ ርኢና ክንክእል እንታይ የድለና? አብቲ ቅኑዕ መገዲ ተመሊስካ ምኽአል እሞ ሕይወትካ ምቕያር ንኢየሱስ ክንረኽቦ ክነለልዮ ንስሓ ኃጢአትና እታ እንኮ መገዲ እያ። አብዚ ጸጋ ትምቀት መሰረት ናይ ኩሉ ተሓድሶ ከምዝኾነ ንርኢ፥ ሓደስቲ ፍጥረት ኮና ከምብሓድስ ክንውለድ ይነግረና። ንአረጊት ጠባይና ብሓዲስ ክንትክኦ አሎና።
ማርያም መግደላዊቲ ልዕሊ ኹሎም እያ ብሞት ኢየሱስ ጉህያ። ንሳ ነቲ ብሞት ዝተፈልያ መምህራ ክትደልዮ አብ ኩሉ እያከዳ፥ አብ ጊዜ ሕምማማቱ ምሱኡ አብ ጎኑ ትጉዓዝ ነራ፥ አብ መስቀል ክግዕር እንከሎ ክመውት እንከሎ ምስ ማርያም አዲኡ ደው ኢላ ንመስዋዕቲ ጎይትአ ርእያቶን ክሳብ መጨረሻት ፍቕራ ገሊጻትሉ። ድሕሪ ሞቱ ዝተቐብረሉ ቦታ አስተውዒላ ርእያቶ ንጽባሒቱ ቀዳም ሰንበት አይሁድ ስለ ዝውዓለ አይተንቀሳቐሰትን ሰንበት አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ግን ብለይቲ አንጊሃ አብቲ መቓብር ከይዳ። እቲ መቓብር ግን ጥርሑ ጸኒሕዋ ነዚ ክትነግር ናብ ሓዋርያት እና ጎየየት ከይዳ ካብኡ እናጎየየት ከአ አብ መቓብር ተመሊሳ አብኡ እናነብዐት እንከላ አብ ውሽጢ እቲ መቓብር ክልተ መላእኽቲ ርእያ ሓደ ብወገን ላዕሊ እቲ ሓደ ኸአ ብወገን ታሕቲ ደዊሎም እንከለዉ ርእያ። ንጎይትአ ወሲዶሞ እንተ ኾኑ ሓቲታቶም እዚ እናበለት ትነብዕ ነራ። ንድሕሪት ገጻ ግልጽ እንተ በለት ንኢየሱስ ርእያ እንተ ኾነ አየለለየቶን፥ እዚ ድሕሪ ትንሣኤ አብቶም ዝተራእዮም ሓበራዊ አገላልጻ እዩ ነሩ። ንኢየሱስ አለሊኻ ዘይምኽአል። ንሱ ሓደ ዓይነት እዩ ግን ከአ አይኮነን። አብዚ ናይ ለውጢ እዋን ንኢየሱስ ከለልዩ ክሓልፍዎ ክምሃርዎ ዝግብኦም ነገራት ነርዎም። ብዘይ ሓሰብዎ ጊዜን አገባብን ኩነታትን ከምዝመጽኦም ክፈልጡን ክምሃሩን አለዎም። ከምቲ መላእክቲ ዝሓተትዎ ‘እንቲ ሰበይቲ ስለምንታይ ትበኽዪ አሎኺ? እናበለ ሓቲትዋ? ንመንከ ትደልዪ አሎኺ? ሎሚ ብቐጻሊ ንርእስና ክንሓቶ ዝግብአና ሕቶ እዩ። ከም ማርያም ንኢየሱስ ንደሊ ንህሉ ንኸውን ኢና ግን አየናይ ኢየሱስ?
ናብራ ዓለም ከምኡ ግላዊ ሕይወትና ከይንርኢ ከዊሉ አብ ናይ ብኽያት ዓለም ሸሚምና ከይህሉ እንርእየሉ እዋን ሎሚ ኢና። አብ ጸላምን አብ ብኽያትን እንከሎና ንኢየሱስ ክንደልዮ እንተ ኸአልና ክንረኽቦ ካባና ርሑቕ አይኮነን። ካብ ማርያም መግደላዊት እንምሃሮ ንሳ በቲ ንጎይትአ ዝገጠሞ ኩሉ ምኽአሉ ስኢና ትበኪ ነራ እንተ ኾነ ተስፋ አይ ቆረጸትን አብ ኩሉ ትደልዮ ነራ። ንዝርአየቶ ንጎይትአ ወሲዱ እንተ ኾነ ወይ ርእዩ እንተ ኾነ ትሓትት ነራ ንሳ እትደልዮ ነቲ ሬሳ እያ እቲ ደሊ ነራ እዚ እዩ ናይ ሓደ እሙን ረድኢ ሕይወት ንኢየሱስ አብ ኩሉ ምድላይ።
ዮውሓንስ ወንጌላዊ ማርያም እዚ አብ ቅድሚአ ደው ኢሉ ዘሎ ሰብአይ ሓላው አታኽልቲ መሲልዋ ይብለና። ክንደይ ጊዜ ንሕና ንሰባት ርእይ ምስ አበልና ተቐዳዲምና አብ ጠባያቶም አብቲ ትርኢቶም አብቲ እንታይነቶም ዝገልጽ ንአቱ ንፈርድ። ማርያም ምናልባት እዚ ሰብ እዚ ንኢየሱስ ወይ ወሲድዎ ይህሉ ወይ ይፈልጥ ይኸውን ኢላ ሓቲታቶ። እዚ ፍሉይ ናይ ቅ.ዮውሓንስ አቀራርባ እዩ፥ መጀመርያ እዚ ሓላው አታኽልቲ ስለ ዝኾነ ኢየሱስ አበይ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ ዝብል ግምት ገራ። ካልአይ ዮውሓንስ ጥራሕ እዩ እቲ መቓብር ኢየሱስ አብ ጀርዲን ከም ዝተቐብረ ዝገልጽ (19፡41)፥ ኩሉ አብ ዓለም ዘሎ ስቓይን ውርደትን አብ ጀርዲን በቶም ቀዳሞት ወለዲ እዩ ተፈጺሙ አብ ገነት ኤደን፥ ሕጂ ከአ ሓዲስ ሕይወት አብ ገነት (ጀርዲን) ይጅምሮ። ማርያም ከይፈለጠት ሓቂ እያ ተዛሪባ ኢየሱስ ሓላው አታኽልቲ እዩ፥ ንሱ ካብ መሬት ሕይወት ዘፈሪ ናይ ሰማያዊ አብኡ ቃል ናይ ገነት ኤዶም ሓላው አታኽልቲ እዩ።
ድሕሪ እዚ ኢየሱስ “ማርያም” ይብላ ሽዑ ንሽዑ ድምጹ ተለልዮ፥ ናይ ጎይትአ ድምጺ ከይተደናገረት ተለልዮ። እዚ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ አብ ዮሓ 10 ዘሎ አነ ሕያዋይ ጓሳ እየ ዝበሎ የዘኻኽረና “እተን አባግዕ ድምጹ ይሰምዓ ነተን አባግዑ ኸአ በብስመን ጸዊዑ የዋፍረን. . . . እተን አባግዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ. . . . . . ነባግዐይ እፈልጠን እየ እተን አባግዐይውን ይፈልጣኒ እየን (ዮሓ 10፡3-4, 15)።
ማርያም ድምጹ ምስ አለለይት ግልጽ ኢላ ብእብራይስጢ “ረቡኒ” በለቶ ትርጉሙ መምህር ማለት እዩ። እዚ ብዝያዳ እንያትነት ዝገልጽ እዩ ካብ “ረቢ” ፍልይ ዝበለ እዩ ሓደ ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ዝብሎ እዩ። እዚ ናይ ማርያም አበሃህላ ካብቲ ናይ ቶማስ አበሃህላ “ጎይታይን አምላኸይን” (ዮሓ 20፡28) ዝተፈለየ እዩ። ማርያ ቀደም አብ ሕይወታ አብ ኢየሱስ ግልጽ ኢላ እያ ማለት ካብ ኃጢአተኛ ምዃን ናብ ሰዓቢት ኢየሱስ ኮይና እያ ስለዚ ቀዳማይ ሕይወታ ሓዲጋ ናብ ሓዲስ ሕይወት አትያ እያ፥ እዚ ሓዲስ ግልጽ ምባል ውሽጣዊ ምምላስ እዩ ማለት ውሽጣዊ ምምላስ ካብ ዘይምልላይ ናብ ምልላይ፥ ካብ ጓሂ ናብ ሓጎስ፥ ካብ ጠፊኡ ኮይኑ ዝርአየካ ዝነበረ ጥብቕ ዝበለ ርክብ ምግባር፥ ካብ ምጥርጣር ናብ እምነት ምስጋር እዩ።
ሓዲስ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክንፈጥር እዋኑ እዩ። ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋናት ናይ ንስሓን ሕድገት ኃጢአትን ከኾነልና ልብና ክንከፍት አሎና። ቅ. ጴጥሮስ አብተን ቀዳሞት ስብከቱ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ክንስሑ ሕይወቶም ክቕይሩ እሞ አብ ኢየሱስ ክአምኑ እዩ ነሩ ትሕዝቶ ስብከቱ። ሎሚ እዋና ብርኡይ ኃጢአት እዩ ዝልለ ዘሎ ሰብ ከም አቕሓ ዝሽየጠሉ፥ ጽንሲ ከም ሓደ ሕይወት ዘይብሉ ምስዳዱ፥ ዝሙት ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ብዓለም ለኻዊ ዝካየድ ናይ ደቂ ሰባት አብ ዕዳጋ አውሪትካ አብ ናይ ሰይጣን ነገራት ምእታዎም እዝን ካልእን ክንስሓሉ ዘሎና ነገራት እዩ። ኢየሱስ አብ ማእከልና ኮይኑ ከምቲ ንሓዋርያቱ ዝበሎም ብስሙ ኅድገት ኃጢአትን አብ ኩሉ ነቲ ሓቐኛ እምነት ክንሰብኽ ይደልየና አሎ። “ናይ እዚ ነገራት መሰኻክር ንስኻም ኢኹም” (ሉቃ 24፡48) ክብል እንከሎ ሎሚ ንሕና ኢና ንኢየሱስ እንሰብኮ እንምስክሮ ሰባት ሕይወትና ርእዮም አብኡ ክምለሱ እንተ ኾይኖም።
ማርያም ሓጎስን ፍቕርን ኩሉ ተሓዋዊስዋ ክትሕቆፎ ክትንክፎ ፈቲና እዚ ኸአ ካልአይ ጊዜ ከይጥፈአ ከይክወላ ከይሓድጋ ብማለት እዩ። ኢየሱስ ግን ክትሓድጎ ይሓታ ምኽንያቱ “ጌና ናብ አቦይ አይዓረግኩን አይትተንክፍኒ” እናበለ ካብኡ ክትርሕቕ ነጊርዋ እዚ አዘራርባ እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን። ጌና አብ አቦይ አይዓረግኩን አሎኹ ከም ማለት እዩ። ንቅ. ዮውሓስን ናይ ኢየሱስ ክብሪ ወይ ዕብየት አብ መስቀል ተንጠልጢሉ ክመውት እንከሎ እዩ ተፈጺሙ። አብታ እዋን ዓወት ኢየሱስ ሽዑ እዩ አብ የማናይ ክብሪ አብኡ ዝዓረገ። በዚ ምኽንያት እቲ ማርያም እትርእዮ ዘላ ኢየሱስ እቲ አብ ክብሪ ሰማያዊ አብኡ ዝዓረገ እያ እትርኢ ዘላ እምበር እቲ ቅድም እትፈልጦ አይኮነን። እዚ ኢየሱስ ክትሕዞ ማለት አብ ትሕቲአ ሒዛ ደው ክተብሎ ዘይክአል እዩ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ኸአ ክትሕዞ ዘድሊ አይኮነን ምኽንያቱ ባዕሉ ከምዝበሎ “ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሉ ጊዜ ምሳኹም አሎኹ” ኢሉ እዩ። አብዝኾነ እዋንን ቦታን ምስኦም አሎ ርእዮም ምኽአል ከምኡ አለልዮም ምኽአል እዩ ካብኦም ዝድለ። አብ ቅ. ቍርባን 24 ስዓት ምሳና አሎ እንተ ኾነ ክንደይ ኢና እንበጽሖን አብኡ ከምዘሎ አሚና ድላይና ክህበና እንልምኖ። በጺሕናዮ ንፈልጥዶ እስከ ሎሚ ንጀምር እሞ ንርከቦ ንለምኖ ኩሉ ክቕይረላን።
“ናብ አቦይን አቦኹምን ናብ አምላኸይን አምላኽኩምን እዓርግ አሎኹ” ዝብል ሓሳብ ነቲ አብ መጽሓፍ ሩት (1፡16) ዘሎ “ሕዝብኺ ሕዝበይ አምላኽኪ ድማ አምላኸይ እዩ” ዝብል የስምዕ። አብዚ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ምስኡ ሓደ እንተ ኾኑ ዝረኽብዎ ኩነት ገሊጽሎም ከምኡ ኩሎም አብ ኢየሱስ ዝአምኑ ምስ አምላኽ ሱታፌ ይረኽቡ ደቂ አምላኽ ይኾኑ ቅ. ጴጥሮስ “አማልኽቲ ኢኹም” እናበለ አብ ኢየሱስ ብምእማን እንረኽቦ ጸጋ ይገልጸልና።
ንዮውሓንስ ወንጌላዊ ስቕለት ትንሣኤ ዕርገት ከም ሓደ ፍጻሜ እዩ ዝርአ (ዮሓ 12፡32-22) እዚ አምላኸይን አምላኽኩምን ዝብል ናይ ኢየሱስ ርክብ ምስ አብኡ ዘለዎ እቶም ተኸተልቱ እውን ከምዘለዎም ንምግላጽ እዩ። ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ካብ አብን ወልድን ዝሰርጽ ምስ መልኡ ደቂ እግዚአብሔር አብ ኮይኖም። ከም ብሓዲስ ከም ደቂ አምላኽ ተወሊዶም እሞ አሕዋት ኢየሱስ ይብሃሉ (ዮሓ3፡5)፥
ማርያምን ኩሎም ካልኦት ሓዋርያትን እቲ ቅድሚ ስቕለት ዝነበረ ኢየሱስን እዚ ሕጂ ተንሢኡ ዘሎ ኢየሱስን ንበይኑ ከምዝኾነ ክፈልጡ ይግብኦም። ነቲ ቀዳማይ ኢየሱስ ክኸይድ ክሓድግዎ አለዎም ምስ እዚ ናይ ዝትንሥኤ ኢየሱስ ከመይ ገሮም ከምዝራኸቡ ክፈልጡ አለዎም።
ንማርያም ዝተባህለ ነፍስወከፍ ክርስትያን ክግብሮ ዘለዎ እዩ። ከይዳ ነቲ ዝረአየቶን ዝሰምዓቶን ነቶም ካልኦት ሓዋርያት ክትነግር ተላኢኻ። ነቲ ዝረአየቶ ንኻልኦት ነጊራ “ንጎይታ ርእየዮ”። ንሳ ዓምዲ እምነት አይኮነትን እተመሓላልፍ ነራ ነቲ ዝረኸበቶ ተመክሮ እያ እተካፍል ነራ። እዚ እዩ ኩልና ክንገብሮ ተጸዊዕናሉ ዘሎና። ቅድስና ዘልኦ ሕይወት እንተ ነበርና ካልኦት ንተመክሮና ርእዮም አብ ኢየሱስ ክምለሱ እዮም። ምናልባት ከሰክፈና ዘለዎ ሰባት አባይ እንታይ ይርእዩ አለዉ ዝተንሥኤ ኢየሱስዶ ወይስ ካልእ (ሃብተይ፥ ፍልጠተይ፥ ጉብዝናይ፥ መልክዐይ. . . . ) ንአይ ክርእዩ ፍቕሪ ምሕረት ሕድገትዶ ይርእዩ እንታይ ይርእዩ አለዉ?። መልክዕ ኢየሱስ አባይ እንተ ተራእየ ሰቢኸዮ መስኪረዮ አሎኹ ማለት እዩ።
አብዚ ሓደ ፍሉይ ነገር እንተሎ አብ ወንጌል ዮውሓንስ እተን ነመጀመርያ ንትንሣኤ ሰበሰራ ደቂ አንስትዮ እየን፥ ንሰን እየ ንመጀመርያ ምስቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ ዝተዛረባ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ብፍርሒ ከንቀጥቕቱ እንከለዉ ክክሕዱ እንከለዉ ክሃድሙ እንከለዉ እተን አንስቲ አብ ጊዜ ሕማማቱ አብ ጎኑ ነረን አብ ስቕለቱን ሞቱን ከአ ከይፈርሓ ምስኡ ደው ኢለን ነርን፥ ሕጂ ድሕሪ ትንሣኤኡ ከአ ነቲ ሰናይ ብስራት ዘበሰራ ንሰን እየን። እዚ ጥራሕ አይ ኮነን ምናልባት እታ አብ ሉቃ 8፡2 ተጠቒሳ ዘለ ኃጢአተኛ ሰበይቲ ካብአ ሸውዓተ አጋንንቲ ዘውጽአላ ንሳ እዛ እንዛረበላ ዘሎና ሰብ እንተ ኾይና ፍልጥቲ ኃጢአተኛ እያ ነራ እንተ ኾነ ምስ አመነትን ሓንሳብ ንኢየሱስ ምስ አለልየትን ካብኡ አይተፈልየትን። ብዙሕ ጊዜ እቶም ብዝያዳ ናብ አምላኽ ዝቐርቡ እቶም ኃጢአተኛታት ነሮም ዝተመልሱ እዮም። ቅ. አጎስጢኖስ ቅ. እግናጽዮስ ብዓል ሎዮላ መስራቲ ማኅበር ኢየሱሳውያን ዝሓለፈ ሕይወቶም ዳሕራይ ምስተመልሱን ዘርአይዎ ክጥቀሱ ይክአል። አብ ሉቃ 7፡35-50 ዘላ ኃጢአተኛ ሰበይቲ አብ ገዛ ስምኦን ፈሪሳዊ ነዚ የዘኻኽረና። ብዛዕብአ ኢየሱስ ዝበሎ “ብዙኅ ስለ ዘፍቀረት ንአኣ ብዙሕ ኅጢአት ተኃዲጉላ” (ሉቃ 7፡49) ይብል።
ማርያም ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ከምቶም ካልኦት ሓዋርያት ሓዲገሞ ዝሃደሙ ዘይኮነት ክሳብ መጨረሻ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ምስኡ ነራ። እዚ ዝገበረቶ ዓስባ ንመጀመርያ ነቲ ዝተንሥአ ክርስቶስ ከምትርኢ ገርዋ። ንሳ ናይ ብሓቂ እታ ዝተፈትወት ሓዋርያ እያ።
አብ ርእስና ክንምለስ ሎሚ ትንሥኤ ክርስቶስ ክንዝክር እንከሎና ብእምነት ክንምልስ እምነትና ክነብሮ ከምዘሎና ዘኪርና ሓዲስ ሕይወትን መንፈስን ክንለብስ አሎና። አብ ገለ እዋን በቲ ረኺቡና ዘሎ ወይ እንነብሮ ሕይወት ንኢየሱስ ከይንርኢ ክኽውለና ይኽእል እዩ። ማርያም ዝነበራ ጓሂ ንብዓት ንኢየሱስ ከይትርኢ ከዊልዋ፥ ተዛሪብዋ እንከሎ ግን ጌና ክትርእዮ ክተለልዮ ጸጊምዋ ብስማ ምስ ጸውዓ እዩ ድሕሪኡ ክትርእዮ ክተለልዮ ዝኸአለት። ምሰ አለለየቶ አብ መምህራ አብ ጎይትአ አብ ዓርካ ዝኾነ ኢየሱስ ቀሪባ ክትንክፎ ደልያ። አለልያ ስለ ዝኽአለት ናብ ሓዋርያቱ ክትከይድ ልኢኽዋ ኪዲ ንገርዮም አበስርዮም ኢልዋ። መልእኽቲ ትንሣኤ ክተብጽሕ ተላኢኻ።
ኩልና ነዚ መልእኽቲ ክነበስር ዝተለአኽና ኢና። ኢየሱስ ንነፍስወከፍና ክንልአኾ ይደሊ አሎ። ግን ክንልአኾ ክንፈልጦ ክነለልዮ አሎና። እሞ ኢየሱስ ጠፊኡና ከይህሉ እሞ ዘይነለልዮ ኮና እንተ አሎና ሎሚ እዋኑ እዩ ክነለልዮ። ማርያም መግደላዊት ሰናይ ዜና ሒዛ እያ መጺአ ንሓዋርያት ነቶም ተስፋ ቆሪጾም ብፍርሒ ርዒዶም ዝነበሩ ዘሓጉስ መልእኽቲ ሒዛ መጺአ፥ ሎሚ አነን ንሱኹምን ነቶም ኩሉ ጸልሚትዎም ናብራ ሓሲምዎም ከምኡ ሰይጣን ተዓዊትሎም አብ ፍርሕን ተስፋ ቁርጸትን ዘለዉ ሰናይ ዜና ሒዝና እንቐርቦም ንሕና ኢና። ከምቲ ማርያም መግደላዊት ሰባኺት ወንጌል ኮይና ሰናይ ዜና አብቶም ሓዋርያት ዘምጽአት ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን ንሕተት አሎና።
አብ ቅድሚ ኢየሱስ ሰብአይ የብሉ ሰበይቲ ኩልና ንስብከተ ወንጌል ሕሩያት ኢና። አብዚ ብንጹር እንርእዮ ኢየሱስ ምባልባት ንሓደ ካብቶም ተኸተልቱ 12 ሓዋርያት ንሓደ ምተራእየ ነሩ እንተ ኾነ አብ ስብከተ ወንጌል ፍልልይ ከምዘየሎ ከርእየና ኢሉ መጀመርያ ንማርያም መግደላዊት እዩ ተራእዩ። ደቂ አንስትዮ አብ ሕይወት ኢየሱስን አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ካብ መጀመርያ ዝተጻወትኦ ተራ ወሰን የብሉን ሎሚ እውን ብዝተሓደሰ መንፈስ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ክሰብካን ክምስክራን ሎሚ ከም ትማሊ የድሊ አሎ።
ከምቲ አብ ግ.ሓ. ንሎሚ ዘንበብናዮ ስብከተ ወንጌል ንስሓ ጣዕሳ ኃጢአት ክኽተሎ እንከሎ ጸጋ አምላኽ እዩ ዘብዝሓልና እሞ ብኃጢአትና ተአሚና ነቲ ካብ ሞት ተንሢኡ አብ ብርሃን ዝሓወሰና ኢየሱስ ሎሚ እውን ከምቲ ንሓዋርያትካ ድኅሪ ትንሣኤ ዘሰነኻዮም ሎሚ እውን አብ መንጎና ኮንካ ነዞም ብእምነትና ሰንከልከል እንብል ዘሎና ሓግዘና ንኣኻ ርኢና ክንክእል እሞ አብ መገዲ ሓቅን ቅድስናን ክንጉዓዝ መንፈስካን ጸጋኻን አውርደልና ንበሎ።
ብሩኽ ዘመነ ትንሣኤ
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.