2014-04-12 16:16:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሕይወት ዝተባርከን ዘይገሃስን ክብሪ እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 11 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ ሕይወት ሓልዮ ምንቅስቃስ ኣባላት ተቀቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እቲ ምንቅስቃስ ኣብ ሓልዮ ሕይወትን ዕቃበን ክንክን ሕይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ክረጋገጽ ብትብዓትን ብፍቕርን ዝህቦ ኣገልግሎት ከምዘመስገኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ሕይወት ከም ሓደ በራሲ ንብረት እንተድኣ ዝሕሰብ ኰይኑ ውዒሉ ሓዲሩ ንምንጻል ጽንሲ ሓደጋ ብቐሊሉ ክቃላዕ ከምዝኽእል ገሊጾም፣ ሓቀይና ትርጉም ሕይወት ማለት ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣንተድኣ ተስተውዒሉ እዚ ዓይቢ ብሉጽን ክጭበጥ ዘይከኣል ልዑል ክብሪ ዘለዎ ሕይውት ኣብ ኵሉ መዳይ ብዅሉ መጋበርያ ምክንኻኑ ርዱእ ከምዝኸውን ዘተሓሳስቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ወንጌላዊ ሓጐስ ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፦ “ሕይወት ሰብ ዝተባርከን ዘይገሃስን ክብሪ እዩ፣ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ሰብኣዊ መሰልን ግቡእን ኣብቲ ሕይወት ዝተባርከን ዘይገሃስን ክብሪ እዩ ኣብ ዝብል መሰረት ዝተሰርተ እዩ፣ ሰለዚህ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ምንጻልን ሌላን ጉሌላን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ኤኮኖሚያዊ ውገዳን ኣድልዎን ዓመጽን ኣይፋል ክንብል ትሑዛት ኢና፣ እዚ ዓይነት እዋናዊ ኤኮኖሚ ዝቐትል እዩ፣ ስለምታይ ሕይወት በቲ ኣብ ውሽጡ ብዝተነብሮ ክብሪ ዘይኰነስ ክሃልኽ ዘለዎ ንብረት ተገይሩ ሰል ዝሕሰብን፣ ከም ግኡዝ ንብረት ሃልኪ ዝሕሰብ ምስ ዝኸውን ድማ ተጠቂሚካ ምድርባይ ንዝብል እዋናዊ ጉጉይ ኣመለኻኽታ ይቃላዕ። ወገዳን ግሉልነትን ብምትእትታው ድማ ናይ ምብራስን ምጉሓፍን ባህሊ ብምስፋሕ ዝገደደ ድማ እዚ ባህሊ’ዚ ጐስጓስ ዝክግበረሉ ኰይኑ ክርከብ እንከሎ ሕይወት ከም ተረፍን ተጓሓፍን ኰይኑ ንሓደጋ ይቃላዕ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኤኮኖምን ግብረ ገብን ብሓደ ተመዓራዮም ክኸዱ ዝግብኦም ከነሶም ተፋቲሖም ኤኮኖሚ ናብቲ ብሓድሽ ኢደ ጥበብ ዝተራቀ ግዚያዊ ዕዳጋ እናዘምበለ ካብ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን እናርሓቐ ብምዃዱ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ባህርን እናተዘንግዔ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ንኽቃዕ ይድርኽ ከምዘሎ እንከረድኡ፦ “ብዝኾነ ይዅን መገድን ውሳኔን ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍጽመ ዝኾነ ይኹን ቀጥተይና ፈተነ ጽኑዕ ተቓውሞ የድልዮ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ንጹሓን ትሕቲ ዕድመን ዕሸላትን ገና ንርእሰ ምክልኻል ዘይበቕዑ እቲ ኣብ ማሕጸን ኣዲኡ ዘሎ ክውለድ ዝጽበ ብባህርዩ ትርጉም ንጽሕና ዝኾነ ሕይወት ብልዑል ጥንቃቔን ክንክንን ክሕሎን ክዕቀብን ኣለዎ፣ ጽንሲ ምንጻልን ቅትለት ናጽላን ብሓቂ ዘስካሕክሕን ዘፈንፍንን ገበን እዩ” ቢሎም ኣብ መወዳእታ፦ “ብትብዓትን ብፍቕርን ሕይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታቱ ተኸላኸሉ ተኸናኸኑን ዓቅቡን፣ ወትሩ እዚ ልዑልን ሰናይን ተግባር ክተነቓቕሑን ከተስፍሑን ድማ እላበው፣ ብፍላይ ብኣነባብራኹምን ብዕለታዊ ሕይወትኩምን ንብጻይ ከም ገዛእ ርእስኻ ብምፍቃርን እቲ ተገዲዱ ኣብ ዝተነጸለ ሕይወት ዝንበር ዝተፈቕረ ምዃኑ ንኽረጋግጽ ብዘብቅዖ ተግባር ንበርዎ፣ እወ ብዛዕባ ሕፃናት ብዙሕ ተዛሪብና ብዛዕባ ኣረጋውያንን ኣቦ ዓብይን ኣደ ዓባይን ክንዝንግዕ የብልናን፣ ትሕቲ ዕድመን ዕሸላትን ኣረጋውያንን ተስፋን ጥበብን ሕዝቢ እያቶም” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.