2014-04-12 19:11:22

ሰንበት ዘሆሣዕና ሚያዝያ 4 2006 ዓ.ም. (4/13/2014)


ይባእ ንጉሠ ስብሓት፥ ይባእ አምላከ ምሕረት።
መዝሙር፡ ወእንዘ ሰሙን በዓለ ፋሲካ ቀርቡ አርዳኢሁ. . . . . . . . ።
ንባባት፡ ፊሊጵ 2፡6-11፥ ፩ጴጥ 4፡1-12፥ ግ.ሓ. 18፡12-ፍ፥ ማቴ 21፡1-19።
ምስባክ፡ብሩክ ዘይመጽእ ብስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እምቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔ እግዚእ አስተርአየ ለነ” “ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፤ አብ መቕደስ እግዚአብሔር ኮና ንባርኸኩም አሎና፤ እግዚአብሔር ጎይታ ተገሊጹና እዩ” መዝ. 117፡26~27።
መዝሙር፡ ንብዓል ፋሲካ ሶምን ተሪፍዎ ከሎ አርድእቲ ናብቲ አምላኽ ጽድቂ ናብ ደብረ ዘይቲ ናብታ ከተማ እግዚአብሔር እተውርድ ዐቐብ ቀረቡ እሞ ብዙሕ ሕዝቢ አረገውትን ቆልዑትን ጨናፍር ስየ ኂዞም ፡አብ ሰማየ ሰማያት ሆሣዕና” እናበሉ ተቐበልዎ። ንሱ አድጊ ተወጢሑ ብታሕጓስን ብደስታን ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም አተወ፥ ኃይልን ሥልጣንን ይህቦም” ይብል።
ብዓለ ሆሣዕና ነብዕል አሎና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ነፍሲ ወከፍና ኢሉ ዝተጓነፎ ስቓይን ውርደትን ስቕለትን ሞትን ትንሣኤን ንምዝካር። ሶሙነ ሕማማት ንብሎ አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ “Holy Week” ይብልዎ፥ ቅዱስ ሶምን ይብልዎ ምኽንያቱ ኩሉ ኢየሱስ ምእንታና ዝገበሮ ቅዱስ ተግባርን ንቅድስና ዘእቱን ዘበለ ኩሉ ስለ ዝነግር። እዚ እንጅምሮ ዘሎና ሶምን እምብአር ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ዝኸፈሎ መስዋዕቲ ዝኸፈሎ ዝዝክር ስለ ዝነ ንሕና ሰብ ዕድኡ ንክርስቶስ ኮና አብ መአዲ ድሕነት ተሳተፍቲ ኮና ክንርከብ ንዕደም አሎና። ሆሣዕና እንብሎ ምስቲ አብ ዘመን ኢየሱስ ዝነበረ አዛሚድና ክንርእዮ ከሎና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል ነሩ።
አብ ጊዜ ኢየሱስ አብ ዓውደ ኲናት ዝተዓወቱ ነጋውስን ነገስታትን አብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ ዓቢ ተቕባልን ተሰሪዕካ ንኪሎመተራት ምዕጃቦም ልሙድ እዩ ነሩ። አብ ሮማውያን ነቲ ዝሰዓረ ጀነራል ወይ ንጉሥ ህዝባዊ ብዓልን ነቲ ሰራዊት ዓቢ ክብሪ ይግበረሉ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይንግረና። አብቲ መዓልቲ ተቕባል እቲ ጀነራል ወይ ንጉሥ ናይ ክብሪ ካባ ይኽደን፥ አብ ሰረገላ ተጻዒኑ አብ ጎደናታት ሮማ ይሓልፍ እሞ አብቲ ሓፍ ዝበለ ኮሮብታ ምስ በጽሐ ንጁፒተር ዝተባህለ አምላኾም መስዋዕቲ የዕርግ ነበረ ህዝቢ ኸአ ብኽብሪ ይዕጅቦ ነበረ።
አብ ግሪኻውያን እውን ፕሉታርክ ዝተባህለ ጸሓፋይ ከምዝትርኾ ሓደ ሮማዊ ጀነራል አብ አይሚሊዩስ ፓውሉስ ዝተባህለ አብ ሓደ ወሳኒ ውግእ ምስ መቀዶናውያን አብ ዝተገብረ ምስ ሰዓረ ዝተገብረሉ አቀባብላ ይትርኽ። አብቲ ዝተገብረ ስርዓት ዝተፈላለየ አገባብ ከምዝነበረ በብሓደ ይነግር። ህዝቢ ብዓጀባ ይቕበሎ ንሱ ካባ ዓወት ልቢሱ አብ ሰረገላ ተወጢሑ ይዘውር ነቲ ዝሰዓሮ ንጉሥ ብሕይወቱ አሲሩ ሕፍረት አልቢሱ የዙሮ አብ መወዳእታ መስዋዕቲ ንአምላኾም አዕሪጎም ናይ ሓባር ብዓል ይብዓል። ኢየሱስ አብ ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ እምብአር እቶም ህዝቢ ናይ ንጉሥ ምቕባል አፍልጦ ነርዎም እዩ፥ እንተ ኾነ እቲ ናይ ኢየሱስ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ተራእይዎም።
ኢየሱስ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ምንም እኳ ብዓጀባ እንተ አተወ ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት ነርዎ እዩ። ከምቶም ጀነራላት አብ ሰረገላ ክብሪ ዘይኮነ አብ አድጊ ተወጢሑ እዩ አትዩ። ዘካርያስ ነብይ እቲ መስሓ ንጉሥ ናይ ነገስታት ብዓቢ ሰረገላ ተጻዒኑ ከምዘይአቱ አቐዲሙ ነጊሩ ነሩ እዩ። ቅ. ማቴዎስ አብሪሁ ኢየሱስ ከምይ ኢሉ አብ ኢየሩሳሌም ከምዝአተወ በብሓደ ገሊጹ ይነግረና። እቶም ዝዕጅብዎ ዝነበሩ ንክልተ ማይልስ ምስኡ ተጓዕዞም ካብ ደብረ ዘይት ንኢየሩሳሌም። አብቲ ጊዜ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ንብዓል ፋስካ አይሁድ ከብዕሉ አብ ኢየሩሳሌም ዝመጽኡ ነጋድያን ነሮም በዚ እዩ ኸአ “ወተ ቀበልዎ ህዝቢ ብዙኃን” ዝብል። ኢየሱስ ነቲ ቅድሚ ዘመናት ብዘካርያስን ብሲፍንያ ነብይን ተነጊሩ ዝነበረ ክፍጽም ብዓቢ ዓጀባ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም አብታ ከተማ ነጋውስ አተወ (ዘካር 9፡9፥ ሶፈንያ 3፡16-19)። ሮማውያን ነጋውስ ወይ ጀነራላት ዓወቶም አብ ልዕሊ አብቶም ካብኦም ዝደኽሙ ወይ ዝሓምቁ እዩ ዝግለጽ ነሩ፥ ነቶም ዝሰዓርዎም ከአ ብሕሱም ይቐትልዎም የዋርድዎም ባሮት ይገብርዎም ነበሩ። ናይ ኢየሱስ ዓወት ግን ፍሉይ እዩ። ዓወቱ አብ ልዕሊ ሓይልታት ጽልመት እዩ። ዓወት አብ ልዕሊ ኃጢአትን ሞትን እዩ። እቶም ነጋውስ ነቶም ዝሰዓርዎም ብዘመኖም ዝነበረ መጋበሪ ውግእ ተጠቒሞም እዮም ስዒሮሞም፥ ኢየሱስ ዝሰዓሮ ግን ብጾምን ብጸሎትን እዩ። ነጋውስ ብሓይሊ ሴፍ እዮም ስዒሮም፥ ኢየሱስ ንህዝቢ ዝሰዓሮ ብሓይሊ ፍቕርን ሓልዮትን እዩ። ነጋውስ ነቶም ዝሰዓርዎም አብቲ ንኽብሮም ዝግበር ዑደት ብሓይሊ የዙርዎም ነሮም ፥ ንኢየሱስ ዝዕጅቡ ዝነበሩ ግን በቲ አብኡ ዝረአይዎ ሓይሊ አምላኽን እንታይነቱን ብምርአይ እዮም ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ዝነበሩ።
ኢየሱስ ንክፉእ ክሓድጉ ንጽቡቕ ክስዕቡ ነጊሩ። ነቶም ግቡዛት አጋሊጽዎም ነቶም ትሑታት ግን ተቐቢልዎም። ነቶም ንቤተ መቕደስ አምላኽ አብ በዓቲ ጎሓሉን ቤት ሸቐጥን ምስ ገበርዎ ብድፍረት አውጺኡ ገኒሕዎም። ሎሚ ንሕና ነዚ ናይ ኢየሱስ ብዓወት አብ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ከአቱ ዝተገብረሉ ዓጀባ ክንዝክር እንከሎና ሓደ ዓይነት ከምቲ ንሱ ዝደለዮ ክንገብር ኢና እንሕተት ዘሎና። ንኽፍአት አርሒቕና ንርትዒ ደው ክንብል። ነዚ ክንገብር እንከሎና ንበይንና አይኮናን። ብዙሓት ሰማዕታትን ቅዱሳትን ዝሓለፍዎ መገዲ ኢና እንሓልፍ ንሶም ምሳና አለዉ። ታሪኽ ቅዱስ ቶማስ ሞር ዝብሃል እንተ አንበብና ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንጉስ ሄንሪ ፯ይ ካብ ሕጊ አምላኽ ወጺኡ ንሱ ባዕሉ ንቦታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ክትክእ ምስ ረአዮ ንግስነቱን ስልጣኑን ከይፈርሐ ብድፍረት ነቲ ዝገበሮ ተቛዊሙ በዚ ምኽንያት ከአ ብ1535 ተቐቲሉ። ብዙሓት አብ ታሪኽ ምእንቲ ሓቅን መሰልን ኢሎም ሕይወቶም ዝሃቡ አለዉ። ነዚ ሓቂ ሎሚ ክንለብሶ አብ ግብሪ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ዓው ኢልና ክንዛረብ የድሊ። ሰብ እናጠፍአ እና ተገፍዐ ሱቕ ምባል ናይ ሓደ ክርስትያን እምነት አይኮነን። ክርስቶስ መድኃኒና ምእንቲ ሓቂ እዩ ተሰዊዑ ንሕና እውን ምእንቲ ሓቂ ክንስዋዕ ትሑዛት ኢና።
መዓልቲ ሆሣዕና ምዓልቲ ትሕትና እያ።
ኢየሱስ ንጉሥና ሓደ ትሑት ኮይኑ አብ አድጊ ተወጢሑ እዩ ንከተማ ኢየሩሳሌም አትዩ። መብዝሕትኦም ነጋውስ ዓለም ብኹርዓቶም ብጭካኔኦምን ሕሱም ተግባሮምን እዮም ዝፍለጡ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ሮማውያን አብ ዓለም ዝለዓለ ሓይሊ ነርዎም ንምድረ አይሁድ እውን ይገዝኡ ነሮም፥ ጀነራላት ሮማ ብጭካኔኦም ፍሉጣት ዝደለይዎ ክገብሩ ድሕር ዘይብሉ ንህዝቢ አብ ዝደልይዎ እዋን ከምዝደለይዎ ክገብሩ ዘይጽግሞም እዮም ነሮም። ነቶም ናይ ሮማ ነጋውስ ከም አማልኽቲ እናሰገዱ ክግዝኡ ናይ እውኑ ዓቢ ጸገም እዩ ነሩ። አብ ከምዚ ኩነት ዝነብሩ ዝነበሩ ነቲ ናይ ኢየሱስ አብ ከተማ ክአቱ እንከሎ ዝረአዩ ዝዓበየ ነገር ዝተዓዘብዎ እንተሎ ትሕትና እዩ። ኢየሱስ ንጉሥ እንከሎ አብ ትሕትና ዝተመስረት ንግስነት ሒዙ መጺእዎም እዚ ምስቲ እዋኑ ዝነበሩ ነገስታት ክርእይዎ እንከለዉ ክአምንዎ ከቢድዎም። ኢየሱስ ትሕትና ለቢሱ እዩ አብ ደቂ ሰብ ቀሪቡ። ትሕትና እታ ዝዓበየት መጋበሪ ሕይወት እያ። ኢየሱስ ብሕይወቱ ዝመሃረና ኢሚንቲ ኮና ሕይወትና ክነብር እምበር ብዓለማዊ ስልጣን ወይ ሃብቲ ተመሊኽና ግፍዒ ዓመጽ አብ ልዕሊ ካልኦት ከይንገብር እዩ። ሶቅራጠስ ዝተባህለ ዓቢ ግሪኻዊ ፍላስፋ ብዛዕባ ፍልጠቱ ካበይ ከምዝረኸቦ ምስተሓት አብ ዝሃቦ መልሲ “አነ ዝፈልጥ አነ ከምዘይፈልጥ እየ” ኢሉ ይብሃል። አብ ሕይወት ከምዘይትፈልጥ ምፍላጥ ዝዓበየ ነገር እዩ። ሎሚ ኩሉ ፈላጥ ኮይኑ አብዝርአየሉ ኢና ዘሎና። አይፈልጥን ተጋግየ መሲሉኒ ዝብል የለን፥ ኩሉ አነ እፈልጥ አነ ለባም እናበለ አብ ጸልማት ድርንቍርና ዝነብር ውሑድ አይኮነን ሶቅራጠስ ነዚ ክእርም ኢሉ እዩ ነዚ ዝበለ።
ነዚ ዝመስል አብ ፍልስፍና ቻይናውያን ማይ አምሳል ትሕትና ከምዝኾነ ይገልጹ። ማይ ከም ውሒዝ ከም ዝዛሪ ኮይኑ አብ ዝተሓተ ገጹ ይዛሪ እሞ አብ ሓደ ዓቢ ሩባ ወይ ቀላይ ይቕየር። ላኦ ጹ “Lao Tzu” ዝተባህለ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፡ ዓበይቲ ወሓይዝን ከምኡ ባሕርታትን ከምዚ ኢሎም እዮም ምልክነቶም ዘረጋግጹ ይብል፥ ካብ ኩሎም አብ ትሑት ቦታ ብምዃን እዮም ንኹሎም አብ ትሕቲኦም ዝገብሩ ይብል እዚ ማለት ንአሽቲ ወሓይዝን ዛራታትን አብ ትሑት ቦታ ገጾም እዮም ዝዛርዩ ሽዑ አብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ይአትዉ፥ አብ ትሑት ቦታ ዘሎ በዚ እዩ ዝምሰል። አብ ኩሉ ትሑት ዝኾነ ሰብ ክቡር እዩ። Tomas A Kempis ዝተባህለ ናይ ማእከላይ ዘመን ክርስትያናዊ ጸሓፋይ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፥ “ብኹሉ ፍሉጥ ከኸውን ዝደሊ መጀመርያ ብድላዩ አብ ዝተሓተ ቦታ ክኸውን አለዎ፥ ሱቕ ክብል ዘይ ክእል አብ ዘረብኡ ዋሕስ ዘለዎ ክኸውን አይክእልን እዩ፥ ክእዘዝ ዘይክእል ከአ ብዘይ ጸገም ክእዝዝ አይክእልን እዩ” ይብል እዚ መሰረት ናይ ክሉ ልቦና እዩ።
ነዚ አብ ልብና ገርና ነዚ እነብዕሎ ዘሎና እንተ ዘከርና ፍረ ክህልዎ እዩ። ኢየሱስ ካብ ነፍስወከፍና ዝደልዮ ዝሓቶ ነገር አሎ ሰብ ዕዳ ኢና ዕዳና ክንከፍል ትሕትና ለቢስና ንቕረቦ። ልብና ብትዕቢትን ክፍአትን መሊኡ እንከሎ ግን ንኢየሱስ ክንቅበሎ ምስኡ ክንአቱ አብ ቦታ ክብሪ አይንኽእልን ኢና።
ሎሚ አብ ዝለዓለ ጥርዚ ጾም ፵ን ብዓለ ምስጢረ ትንሣኤ፥ ከምኡ ዝዓበየ ብዓል አብ ስርዓት አምልኾናን ኢና ዘሎና ስለዚ ፍሉይ ነገር አብ ሕይወትና አብ ርክባትና አብ ኩሉ ክርአ ግቡእ እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ሎሚ ተዓወት ክንብሃሃል እሞ አብ ልብና ዘሎ ዝኾነ ካብ አምላኽን ሰብን ፈልዩና ዘሎ ቀንጢጥና ክንክእል አሎና።
ናይ ሎሚ ንባባትና ዘመሓላልፍዎ መልእኽትን ትርጉም ብዓልና ንጹር እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ኢሉ ዘሕለፎ ኩሉ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ንነፍሲ ወከፍና ዝገልጽ እዩ። ነፍሲወከፍና አብዚ ምስጢር እዚ ብምውህሃድና አብቲ ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ብምስታፍ አብ ሕይወትና ዝዓበየ ነጻነት፥ ከምኡ ካብ ዝተፈላለዩ ኃጢአትና አብ ትንሣኤ ሰጊርን አብ ሓጎስን ነጻነትን ዝዓዘዞ ሕይወት ክንአቱ ከም ዝግብአና ዘዘኻኽር ፍሉይ ዕለት እዩ። ብርግጽ ሶሙን ሕማማት ክንዝክር ከሎና ዝኽሪ ወይ ምስጋና ጥራሕ አይኮናን እንገብር ዘሎና ኩልና አብ ሓዲስ ልምምድ ሕይወት ንአቱ አሎና። ንጉዕዞ ቀራንዮ ክንተሓሓዞ እሞ ክንሕደስ ክንቅየር ሽዑ ብርሃን ትንሣኤ አባና ጎሊሑ ክርአ። እዚ ብሓቂ እምበር ንዝርአ ጥራሕ ወይ ንአምልኾ ንስርዓት ኢልና እንገብሮ ክኸውን የብሉን። ኩሉ ሎሚ እንገብሮ ስርዓታት ወይ ጸሎታት ንአምላኽ አብ ሕይወትና ክንህቦ ዝግብአና ቦታ ፈሊጥና ናትና ክንገብሮ ዘዘኻኽረና እዩ። “ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” “አርኅዉ ሆኃተ መካንንት” ክንብል እንከሎና ነፍስወከፍና ተቐበልቲ ክንከውን ከምኡ ማዓጹ ልብና ከፊትና ታቦቱ ክንገብሮ ዘዘኻኽረና እዋን እዩ።
ዓወትን ዘስቅቕ ነገርን፡
ናይ ሎሚ ስርዓተ አምላኾና ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ብሓደ የቕርበልና፥ እዚ ኸአ ዓወት ክርስቶስ አብ ምድሓን ደቂ ሰብን ብአንጻሩ ኸአ ኩሉ ዝተጓነፎ ሕማማትን ውርደትን ሞት አብ መስቀልን። ስየ ሆሳዕና ክንሕዝ ከሎና ናይ ሰማያዊ ንጉሥና ክርስቶስ ዓወት ንዝክር። “ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር እናበልና” ንሰማያዊ ንጉሥና ንቕበል። አልባሳትና ነዚ ዓወት ክርስቶስ እዮም ዘንጸባርቑ። አብዚ ሶምን በብመዓልቱ ዝንበብ ኩሉ ናብ ትንሣኤ ዘሰጋግር እዩ። አብዚ ሶምን ጥራሕ ኢና አብ ቅዳሴ ከም ስርዓትና ካብ ብሉይ ኪዳን እነንብብ። ጎ.ኢ.ክ. አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብዓጀብ አትዩ ብርግጽ ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ተመላሊሱ እዩ እንተ ኾነ እዚ ናይ ሎሚ ምእታው ፍሉይ እዩ ነሩ። ኩላ ኢየሩሳሌም ተቐቢላቶ ሽማገለታትን ሕፃናትን አሰብኡትን አንስትን ኩሎም ከምዝተቐበልዎ ንርኢ። ብባህጊ ከምኡ አብ ገለ እዋን ልብኻ ካልእ ተግባርካ ካልእ እንከሎ ንአምላኽ ክትቅበል ከሎኻ ክሳራ እዩ። ደቂ ኢየሩሳሌም ንመን ከም ዝቕበሉ ዘለዉ ዳርጋ አይፈለጡን እዮም። ዓቢ ንጉሥ መድሓኒ ከምዝመጽኦም ዘሎ ክርእዩ ክፈልጡ አይከአሉን። ዓይኖም ብናይ ፖሎቲካ ጸግም ተሸፊኑ ነሩ። ንሶም ካብ ግዝአት ሮማውያን ዘውጽእ እዮም ዝደልዩ ነሮም እዚ ኸአ ነቲ ትጽቢቶም ካልእ ትርጉም አልቢስዎ።
አብዚ ሶምን ሕምማማት እንዝክሮ እቲ ምእንታና ኢሉ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ዘስቅቕ ሕማማትን ስቕለትን ሞትን ኢና እንዝክር። እዚ ዝኸፍአ ውርደት ክንሓስብ እንከሎና ምእንትምንታይ እዩ እዚ ኹሉ እንተ በልና ምእንታና እዩ። አነን ንሱኹምን ደቂ መንግስተ ሰማይ ክንከውን። ንደም ክርስቶስ ዝግብኦ ትርጉም ሂብና ደቂ አምላኽ ኮና ክንርከብ። ነዚ ዘኪርና ክንሓዝን ክንስቀቕ ዘይኮነ ንዝአረገ ጠባይና አተሓሳስባና ክንቅይር እዩ ዝድለ ዘሎ። አብ ሕይወትና ሃደ ዘሰክሕ ነገር እንተ ገጠመና እንቋዕ ድአ ሎሚ ድሓንኩ እምበር ይአኽለኒ ኢልና አካይዳና ጠባይና እንቕይረሉ ብዙሕ አጋጣሚ ንረክብ ኢና፥ ናይ ሎሚ ስቓያት ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና ንኹሉ ኃጢአትና ሓዲግና አብ አምላኽ ክንምለስ እዩ። ካብ ጸጋም ንየምን ተመሊስና ብኽፍአትና ክንጥዓስ እሞ ደቂ ክርስቶስ ክንከውን።
ሎሚ ንመን ንጽበ አሎና ክርስቶስ አብ ሕይወትና አብ ኩሉ ዓለምና አብ ስድራና አብ ቍምስናና ከምኡ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ክአቱ ይመጽአና አሎ። ሓደ ካብቲ ናይ እዚ ብዓል መልእኽቲ ንኢየሱስ ብሓቂ ተቐቢልካ ምኽአል እዩ። ንስለ ብዓል እንተ ኾነ ተቕባልና ከሲርና አሎና፥ ስለዚ ኩልና ንኢየሱስ ክንቅበሎ ልብና ነጠጥሓሉ። ሽዑ መሪሑና አብ ጎቦ ቀራንዮ ምስኡ ክንመውት ክወስደና እዩ አብ ዓወቱ ምስኡ ክንሳተፍ ምእንቲ።
ጉዕዞ ሕማማት ክንዝክር እንከሎና እምብአር ዝያዳ ካባና ዝድለ መጀመርያ ምስ ክርስቶስ ክንጉዓዝ ምስኡ አብ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ክንአቱ ይዕድመና አሎ። ንጹሕ ሕልና መንፈስን ቅድስናን ሒዝና ነዚ ቅዱስ ሶምን ዝበቅዕ አብ ቅድሚ አምላኽ ሒዝና ንቕረብ።
ንሕማማት ሞትን ትንሣኤን ወዳ ብዝያዳ ዘስተማቐረት ማርያም ምስአ ኮና ምስጢር ወዳ ተቐቢልና እሙናት ክርስትያን ክንከውን ምሃርና ንበላ። ንመገዲ ቀራንዮ ብትብዓት ዝተጎዓዝኪ ኦ ማርያም አደና ንሰይጣንን ንኹሉ ተልእኮኡን አሸኒፍና ደቂ ትንሣኤን ሰበኽቱን ክንከውን ምሳና ኮንኪ ምሃርና ንበላ።
ሶሙነ ሕምማት ናይ ቅድስናን ሕድገት ኃጥአትን ገሩ ብሩኽ ትንሣኤ ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.