2014-04-08 16:18:38

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቁምስና ቅዱስ ጐርጐርዮስ ዓቢይ


RealAudioMP3 ዝሓለፈ ሰንበተ ዕለት 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከተማ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ጎርጎሪዮዎስ ዓቢይ ሓውጸተ ኖልዎ ከምዝፈጸሙ እንክምልከት፣ ቅዱስነቶም ኣብታ ቁምስና በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ኢየሱስ ነልኣዛር ካብ ሞት ኣተንሲእዎ ዝብል ቃል ሓቂ ኣመርኪይዞም፣ ብዙሓት ኣብ ልባትና ኢህያውነት ኩነት ሒዝና ከምእንነብርን እዋኑ ዝሞተ መንፈሳዊ መንሽሮ ዓይነት ሕማም ዝለኸፎ ተመሲሉ ዝንበር ምዃኑን ስለዚህ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ካብዚ ዓይነት ኣብ ልባትና ተነቢሩ ዘሎ ዞባ ሞት መቓብርን ሓጢኣትን ከተንስኣና ዝኽእል ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሮምን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ኵላትና ሓጢኣተይናታት ኢና፣ ኵላትና ብጽሞና ጽን ቢልና ኣብ ውሽጠይ ዝሞተ ኵነት እንታይ እዩ፣ ኣብ መንፈሰይ ሙት ኵይኑ ዝስመዓኒ ዘሎ እንታይ እዩ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዘባ መቓብር ነናድይ፣ ንሕሰብ፣ ናይ ሓፍረት ማዕጾ እምኒ ንኸምብሎ ናይቲ ብህላዌኡ ካብቲ ዞባ መቓብር ተንስእ ነዓ ውጻእ ካብቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ መቓብር ተንስእ ዝብለና ቃል ሓይሊ ኢየሱስ ክንሰምዕ ኢና” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተሳተፉ ንእሽቶይ ኣብ ጅባ ክተሓዝ ዝኽእል ሓዲሽ ኪዳን ክዕድሉ ምዃኖም ገሊጾም፦ “እዚ ህያብ ቃል ኣምላኽ ክትቕበሉን፣ እቲ ካብቲ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዞባን ኵነትን መቓብር ንኸተንስኣና ነዓ ተንስእ ናይ ዝብለና ቃል ኢየሱስ መታን ክንሰምዕ ዝነቓቕሕ እዩ፣ ለይቲ ፋሲካ ከሰናድወልና እዩ፣ ተስፋ ስለምታይ ጸጋ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ኣይደናግርን ኣየዐሽውን፣ ኣንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ተስፋ እግዚኣብሔር ኣባና መታን ክኣትው ልባትና ምኽፋት እዩ። ብመስቀል ኢየሱስ ዝደሓንና ኢና፣ ናይ መስቀል ጸላም ከጓንፈና እንከሎ ንናይ ኢየሱስ መስቀል ንጠምት ንኢየሱስ ንመስል” ምስ በሉ ቀጺሎም፦ “ድሕሪ ምቕባል ጸጋ ጥምቀት ምስ ቁምስና ርክብ ክጸንዕ ኣለዎ፣ ስለምታይ እቲ ቁምስና ከም ማኅበረሰብ ስድራ መታን ክዓብይን ክተሓሳሰብን ክደጋገፍን” ነቶም ኣብታ ቍምስና ዝተሳተፉ ካብ ቤት ማሕቡስ ናይ ፍርድ ማእሰርቶም ፈጺሞም ዝወጹ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰላም ተጸንቢሮም ሕይወቶም ክመርሑ ዝድግፍ ኣባላት ማሕበር ፖሮራ ጠቒሶም፦ “ኣብ ሕይወትና እቲ ምስ ኢየሱስ እንራኸበሉ ዝበለጸን ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ ድማ ድኻምነትና እዩ። ኢየሱስ ብትኽክል ኣብ ሓጢኣትናን ኣብ ድኻምነትናን ኣብ ጌጋታትናን ንረኽቦ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.