2014-04-05 16:07:56

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ወንጌል ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክንበብን ክንበርን


RealAudioMP3 ዕለት 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝሳተፍሉ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎትን መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ወንጌል ተግባር ኢየሱስ ክንበብን ክስትንተንን ክንበርን መላእ ምእመናን ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ክተግህ መታን ሓድሽ ኪዳን ክዕድሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ወንጌል ወትሩ ክንበብ ሓደራ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዘቐርብ ምዕዳን ምዃኑ እንክዝከር፣ እዚ ዘቕረብዎ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓገዝ ድማ ብፍቓዶም ወንጌል ድሕሪ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎትን መልኣከ እግዚኣብሔርን ከም ህያብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናጻ ክዕደል ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ዝዕድለ ወንጌል ንእሽቶን ኣብ ጅባኻ ክትሕዞ ብቐሊሉ ዝከኣልን እዚ ድማ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትካ ካባኻ ከይፈለኻ ክትሕዞን ከተንብቦን ከትስተንትኖን ዘተባብዕ ምዃኑ የመልክት።
እቲ ዝዕድለ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመን ብዘይ መሸጣ ዋጋ ዝዕድለ ዝብል ሓበሬታ ዝተነብሮን ኣርባዕተ ወንጌላውያንን ግብረ ሓዋርያትን ዘጠቓለለን ከም መኽፈቲ ቃል ድማ ካብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተወስደ፦ “ወንጌላዊ ሓሴት ምስ ኢየሱስ ንዝራኸቡ ምልኣት ልብን ምልኣት መላእ ህላዌን እዩ” ዝብል ጥቕሲ ዝሰፈሮን ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ገበር ድማ ናይ መድሃኔ ዓለም ቅዱስ ምስሊ እቲ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ዘካልኩታ ንኣባላት ማሕበራ ደናግል ትላበዎ ዝነበረት ናይ ካርዲናል ብፁዕ ሄንሪ ነውማን ጥቕሲ፦ “ፍቱው ኢየሱስ…” ብዝብል ቃል ዝጅምር ጸሎት ዝተነብሮ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.