2014-04-05 19:06:09

ሰንበት ዘኒቀዲሞስ 2006 ዓ.ም. መጋቢት 28 2006 ዓ.ም. (April 6 2014)


መንግሥቲ አምላኽ ርኢኻ ምኽአል
መዝሙር ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ. . . . . . . . ።
“ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።
ንባባት ሮሜ 71-14፥ 1ዮሓ 41-10፥ ግ.ሓ.534-ፍ፥ ዮሓ 31-21
ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው። “ንልበይ ተዓዘብካዮ ብለይቲ በጻሕካዮ፥ መርሚርካንስ ገለ ክፉእ አይረኸብካን፥ ብአፈይ ከም ካልኦት ሰባት ክፉእ አይዛረብን እየ” መዝ. 17፡3።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘኒቆዲሞስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኒቆዲሞስ ሓደ ካብቶም ምሁራት ብሕግን ስርዓትን አይሁድ ብጊዜ ኢየሱስ ዝነበሩ እዩ። ንሱ አብ ትምህርትን ግብርን ኢየሱስ ናይ አምላኽ ነገር ርእዩ ዝኸአለ ሰብ እዩ ነሩ። ነዚ ዝአመኖ ከረጋግጽ ብለይቲ አብ ኢየሱስ መጺኡ ይብለና ወንጌል። ኒቆዲሞስ በቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝሰምዖ ዝነበረ ተደኒቑ ነበረ ንኢየሱስ ክረኽቦ ብዙሕ ጊዜ ይደሊ ነበረ እንተ ኾነ አባላ ናይ ቤት ምኽሪ እሞ ሕፉር ስለ ዝነበረ ንኢየሱስ ብግልጺ ብቐትሪ ክረኽቦ ይደሊ አይነበረን። ለይቲ ተሓቢኡ አብ ጽምዋ ክረኽቦ ደልዩ። አብ ኢየሱስ ቀሪቡ እምብአር ንሓቂ ክፈልጥ ክሓትት ጀሚሩ ኢየሱስ ካብቲ ዝበሎ ሓደ፡ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአምን ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳብ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ፥ ምኽንያቱ አምላኽ ንወዱ አብ ዓለም ዝልአኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኺድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ አይኮነን” እናበለ ናቱ አብ ዓለም ምምጻእን ደቂ ሰብ ዝተዋህቦም ጸጋ ርእዮም ክኽእሉ እንከለዉ አብ ሓዲስ ሕይወት ከምዝአትዉ ገሊጽሉ።
ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ አብ ዝገለጸሉ አምላኽ ንኹልና ደቂ ሰብ ከምዘፍቅር ገሊጽሉ። አብ ቀንዲ ትምህርቲ ወንጌል እንተ ርኤና ርክብ አምላኽ ምስ ፍጥረቱ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። ብዙሓት ከምዝሓስብዎ ወይ ዝአምንዎ አብ ጥርጠራ ወይ አብ ምዃናን ዝተመስረተ አይኮነን። ንዓለም ዋጋ ከምዝህልዎ ዝገብር እቲ ዘይልወጥ ፍቕሪ አምላኽ እዩ። ንነፍስወከፍና እቲ ሓቀኛ መንነት ወይ እንታይነት ከም እንለብስ ዝገብረና አብ ፍቕሪ አምላኽ ዝተመስረተ እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ኩሉ ግሉጽ እዩ ምኽንያቱ አብና ዘሎ ኃጢአትን ኩሉ ጉድለታትን ክፍአትን ርእዩ እንከሎ የፍቅረና። እዚ ፍቕሪ አምላኽ ሓጢአት ብምግባርና ካባና ዝርሕቕ ወይ ዝፍለ አይኮነን፥ አብቲ መጠን ሕይወት ዝተሓዋወሰ ዝኾነሉ አብኡ ብዝያዳ ፍቕሪ ይርአ።
አብ ብሉይ ኪዳን ሙሴ ምስ አምላኽ አብ ዝገብሮ ዝነበረ ዝርርብ ከም ዝገልጾ ደቂ እስራኤል ደጋጊሞም ክኃጥኡ እንከለዉ አምላኽ ግን አይሓደጎምን። እቲ ዝተደጋገመ ውድቀቶም ንፍቕሪ አምላኽ ክቕይሮ አይከአለን። ዝገበሩ ይግበሩ አምላኽ ፍቕሩ አይጕደለን። እዚ አብ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ ፍቕሪ ብዓቢኡ በቲ ሓደ ወዱ ገሊጽልና። ሓንቲ ዝገበርናዮ ዘይብልና እንከሎና አምላኽ ፍቕሩ ገሊጹ ደቂ ድኅነት ገሩና። ንወትሩ ናቱ ኮና ክነብር ፍቕሩ ገሊጹልና። እዚ እዩ ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ዘስተምሃሮ። አብቲ ዝርእዮ አሚኑ ክነብር አፍደገ ከፊትሉ።
ሎሚ እንነብሮ ሕይወት ብዘየገድስ አምላኽ ከም ዘፍቅረና ክንፈልጥ እሞ አብ ሕጉን መገዱን ክንምለስ ይድለየና አሎ። አምላኽ አየፍቅረንን እዩ አምላኽ አይሰምዓንን እዩ ኢልና ተስፋ ከይንቇርጽ ከምኡ ዛሕሊ መንፈስ ወሪሱና አብ ጸልማት ከይንነብር ካብ ዘሎናዮ ጽልግልግ መንፈስ ወጺእና አብ ፍቕሪ አምላኽ ክንምለስ ኒቆዲሞስ አብነትና እዩ።
ፍቕሪ አምላኽ ኩሉ ጊዜ አሎ፡
ሓደ ካብቲ ምስጢር አምላኽ ኩሉ ጊዜ አብ ፍቕሩን አብ ተአማንነቱን ጽኑዕ ምዃኑ እዩ። ዓለም አብ እከይ እናነበርት እንከላ አምላኽ ካብ ምፍቃራ አየቋረጸን። ብርድኢት ሰብ ናይ አምላኽ ፍቕሪ ከመይ እዩ ስለምንታይ የፍቅር ክትርድኦ ከቢድ እዩ። ወላ አብቶም ዘየፍቅርዎ ፍቕሩ ይቕጽል። ዝዓበየ ዘየቋርጽ ፍቕሪ አምላኽ ንዓለም ዝተራእየሉ አብቲ ንሓደ ወዱ ክልእኽ እንከሎ እዩ። ወልድ ዘርአዮ ዓቢ ፍቕሪ አብቲ ዝለዓለ ፍቕሩ ዝጎደሎ ዘርአዮ ፍቕሪ እዩ ተገሊጹ። በቶም ዘፍቅሮም ንሞት ተፈሪዱ። ፍቕሪ አምላኽ ንሞት ወዱ ሕይወት አልቢስዎ ንሱ ካብ ሞት አተንሢኡ መንፈስ ቅዱስ ልኢኹ እዚ ኸአ አብቲ ቀንዲ ሕይወት አምላኽ ክፍሊ ምእንቲ ክንረክብ ዝኾነ እዩ። እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ።
ፍቕሪ አምላኽ አብ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ መሰረቱ ንኹሉ ጊዜ ህያው እዩ ምስ ኩነታት አይቅየርን እዩ። ብተመክሮ ከም እንርእዮ ሓደ አብ ሕይወትና ዝበዝሐ እንሳቐዮ ነገር እንተሎ ጉድለት ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ናይ ኩሉ ቅሳነትን አብ ሕይወትና ርግአት ዋሕስ ዝህበና ፍቕሪ ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ። ፍቕሪ ካብ ኩሉ ዝዓበየት ዝገብራ ንሳ ልዕሊ ጽልእን ቂምን እያ አምላኽ ዝምሕረና ይቕረ ዝብለና ወላ እውን ዘይምሓር ነገር ገርና እንተ ኾና ስለ ዝፍቅር ጥራሕ እዩ። ንሕና ሰባት ንፍቕሪ ብምልአት አብ ሕይወትና ክንለብሳ አይንኽእልን ኢና፥ ግን ሕይወትና አብአ ጥራሕ እዩ ምልአትን ዕግበትን ዝለብስ። ቅ.ጳውሎስ ከምዝብሎ “ብፍቕሪ ንበሩ እሞ ጎይታ ፍቕሪን ሰላም ዝኾነ አምላኽ ምሳኹም ክነብር እዩ”(ሮሜ 8፡14-18) ይብለና።
አብ ስላሴ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እንርእዮ ርክብ፥ ርክብ ፍቕሪ እዩ። አብኦም ምልአት ፍቕሪ አምላኽ ንርኢ። እዚ አብቶም ጸጋ አምላኽ ዝለበሱ ሰባት ክረኽቡና ከዕልሉና እንከለዉ እውን ብቐሊል ክንርእዮ ክንምከሮ ንኽእል። መንፈሱ/ሳ ርዝነቱ/ታ ዘረብኡ/አ ክፍተወካ እናበልና ፍቕርና ሓጎስና አብኦም ንገልጽ። ኩሉ ንመጀመርያ ጊዜ ዝተመከርናሉ አብ ወለድና እዩ ንሶም ዘርአዩና ንነፍስወከፍና መሰረት ናይ ሕይወትና እዩ። ዘርኢ ፍቕሪ መጀመርያ አብቲ ወለድና ዘርአዩና ዝሃቡና እያ እትጅምር። እሞ ሎሚ ንደቅና እቲ ዘድልዮም ፍቕሪዶ ንህቦም ነውርሶም አሎና። እዚ ንክርስትያናዊ ሓላፍነትና ብቐሊል ክንሓስበሉ የዘኻኽረና።
ዝወረስካዮ ምርሳዕ፡
እዋና ሓደ ካብቲ መለልይኡ ነቲ ወለድና ዘውረሱና ሰናይ ፍቕርን ባህልን ስነስርዓትን ዘንጊዕናዮ ንርከብ። ብዙሓት ነቲ ካብ ወለዶም ዝወረስዎ እምነት ከምኡ ስነ ስርዓት ከም ድሑርን ግጉይን ጌሮም ወሲዶም ሎሚ እየ ንሓቂ ረኺበያ እናብሉ ዝዛረቡ ውሑዳት አይኮኑን። ዝገደደ ንእምነቶም አብ ዕዳጋ አውሪዶም ዝርከቡ ብዙሓት እዮም። ጓይላ ጥዑም እዩ እቲ ጸገም ግን ጓይላ ንግዚኡ የዘናግዓካ ቀጺሉ ግን ሓጎስ አይህበካን እዩ እዚ ናይ ዘመና ፈተናታት አብ ዛሕሊ እምነት ከምኡ ንእምነት ከም ዝደልየካ ገርካ እና ተርጎምካ ዝርአ ዘሎ ንሓቀኛ ፍቕሪ አምላኽ ከምኡ ንሓቀኛ መገዲ አምላኽ ዝሰሓተ ልቢ ዝፈጥሮ እዩ።
አብ ኢየሱስ ንመለስ፡
ኒቆዲሞስ ንሓቂ ክረክብ ነቲ ሓቀኛ እምነት ክረክብ አብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበሮ ድንቍርና ከጥፍእ ኢሉ ብእምነት ሓቲቱ። ኢየሱስ ካልእ አይበሎን ክመብሓዲሽ ተወለድ ኢልዎ። ንዝነበረካ ሓዲግካ አብቲ ሓቂ ተመለስ። ኒቆዲሎስ እምነት ነርዎ ብዓቕሙ ምሁር እዩ ነሩ እንተ ኾነ ንሓቂ ክረኽባ አይከአለን ነሩ በዚ እዩ አብ ኢየሱስ መጺኡ ጸገሙ ዝገለጸ። ሎሚ አብ ሕይወትና አቲና ጸገምና ነለሊ እሞ አብ ኢየሱስ መጺእና ንሕተቶ። ንሱ ካብ ዘሎኽምዎ ሕይወት ከም ብሓዲስ ተወለዱ ብሓጢአትኩም ተአሚንኩም ሕይወትኩም ቀይሩ ክብለና እዩ።
ዝኾነ ሕፃን ክዓቢ ፍቕሪ ወለዲ አብ ሕይወቱ ቀንድን መሰረታውን እዩ። ፍቕሪ ወለዲ ዘይተፈልዮ ሕፃን አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ዝኾነ ጸገም ወይ ፈተና እንተ ተጓነፎ ከምዝስዕሮ ርግጽ እዩ። ንሕና ኩልና ደቂ አምላኽ ኢና ፍቕሪ አብ ቀጻሊ ዕብየት አብ ቅድስና ርእስናን ወሳኒ እዩ። አብዚ ግን ንሕና እውን ክንጻወቶ ዝግብአና ተራ አሎና። ሓደ ካባና ካብቲ ንስድራቤትናን ንማሕበርና ቦታ ፍቕሪ አምላኽ አብኦም ከምዝርአ ካብ ዝዓግቶም ነገራት ደው ካብ ምባል ክንደክም የብልናን። በብዓቕምና ፍቕሪ አምላኽ ብዝርኢ ግብርና ክዓብን ክስስንን ክንሕግዝ አሎና። ቅ.ጳውሎስ ነቶም አብ መንግኦም ፍልልይ ፈጢሮም ንዝነበሩ ሰብ ቀሮንጦስ ክጽሕፈሎም እንከሎ “ብሓድነት ንበሩ፥ ብሰላም ንበሩ አምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከአ ምሳኹም ክኸውን እዩ” ይብሎም።
አምላኽ ካብ ምፍቃርና ደኺሙ አይፈልጥን፥ ፍቕሩ ዘለዓለማውን ዘይውዳእን እዩ። ከም ደቂ ሓደ አምላኽ መጠን ካብ ፍቕሩ ምዳላይ ወላ ሓንቲ መዓልቲ አቋሪጽና አይንፈልጥን ምኽንያቱ ፍቕሩ ምሳና እንተ ዘየሎ ሕይወት የብልናን። ነዚ ኩሉ ጊዜ ዘፍቅረና አምላኽ ፍቕርና እንገልጸሉ ንኸማና ዝበለ ሰብ ክነፍቅር እንከሎና ጥራሕ እዩ።
አብዚ እዋን ጾም ፵ ዝዓበየ መልእኽቲ አብ ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ አሕዋትን/አሓትን ክንምለስ እዩ። ዘየፍቅር አምላኽ አብእዩ የለን ይብለና ቅ. ዮውሓንስ። አምላኽ ምሳና ክህሉ እምብአር ንፍቕሪ ሃሰስ ክንብላ ይግባእ። ሓውና ሓፍትና ተባኢሶምና እንከለዉ ፀሓይ ከይትዓርበና ንጠንቀቅ። ምስ ኒቆዲሞስ ኮና ንመምህር ፍቕሪ ዝኾነ ክርስቶስ አምላኽና አብ ገዝኡ አብ አሕዋትና አብ ቍምስናና ክንረኽቦ ንጽዓር። ሰብ ንኸምኡ ዝበለ ሰብ ከየፍቀረ ክነብር እንከሎ ቅሱን ሕይወት የብሉን።
ፍቕሪ ክብሃል እንከሎ ንግዳማዊ ውቃቤ ወይ ሰናይ ነገር ጥራሕ ዝርኢ ዘይኮነ ነቲ ብውሽጥና ዝግለጽ ፍሉይ ርክብ እዩ ዘስምዕ። ሰብ ንዝኾነ ካልእ ፍጡር ዘርእዮ ፍቕሪ አሎ፥ ንኸምኡ ዝመስል ሰብ ዘርእዮ ፍቕሪ አሎ፥ ንአምላኽ ዘርእዮ ፍቕሪ አልኦ። ፍቕሪ አምላኽ ብግሪኽ አጋፐ ይብሃል እቲ ካልእ ፍቕርታት ፊሊይ ኣሃብ ዝብል ስም ይውሃቦ። አብ ቋንቋና ንኹሉ ፍቕሪ ንብሎ እዚ ግን ዘጋጊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ብዝያዳ ክነተኩሮሉ ዝድለ ዘሎ ፍቕሪ አምላኽ አቐዲምና ክንክእል። ንአምላኽ አብ ሕይወትና ቦታ እንተ ዘይሃብናዮ ሕይወትና ቅሱኣን አይክኸውንን እዩ። ስለዚ አብ አምላኽ እንምለሰሉ መገዲ ነናዲ።
ንርእስና ጊዜ ንሃባ እሞ ሕይወትና ንገምግም። ከመሎኹ ምስ ሰባት ከመሎኹ፥ እንታይ ዓይነት ሕይወት እመርሕ አሎኹ። ብሕይወተይ ዝዕንቀፉ አለዉዶ? ኢልና ንርእስና ክንሓትት ጽቡቕ እዩ። እንጉዓዞ ዘሎና መገዲ ከይፈለጥና መጭረሽታና ክንፈልጥ አይንኽእልን ኢና። ዘስተውዕል ሰብ ክርኢ አይከብዶን እዩ። እምብአር ከም ኒቆዲሞስ ኢየሱስ ንጸልማት ቀንጢጡ ሓዲስ ብርሃን ከልብሰና መጺእና ከብርሃልና ንለምኖ።
አብ ኩሉ ጉዕዞ ጾምና ብርሃኑ ልኢኹ ድኽመትና ኃጢአትና ርኢና እንኽእለሉ እሞ እንንስሓሉ ጸጋ ይዓድለና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.