2014-04-05 16:13:08

ራብዓይ ሰንበት ስብከት ዘመነ ጾመ ኣርብዓ፦ ኢየሱስ ህያው ኣካል እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ተሓባበርቶም ናይ መላእ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ እካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ዘሳተፈ ናይ ዘመነ ጾም ኣርብዓ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መድሃኔ ዓለም ብሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ዝወሃብ በቢ ዕለተ ሰንበት ዝቐርብ ስብከትን ኣስተንትኖ መሰረት ናይ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ዓቢይ ጾም ስብከትን ኣስተንትኖን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ኣባ ካንታላሜሳ “ኢየሱስ እኽብካብ ወይ ድማ ጥርናፈ ናይ ዘይሕከኽ ዓንቀጸ እምነት ማለት እኽብካብ ሃሜን ዘይኰነስ ህያው ኣካል እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ከምዘቕረቡ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰብአ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን፣ ኣብኡ መለኰታውን ሰብኣውን ባህርይ ከይተደባለቑን ከይተደናገሩን ነፍሲ ወከፍ ባህርይ ናይ ገዛእ ርእሱ ዋንነት ወይ ድማ ጠባይ ዓቂቡ ብሁባሬ ዝነብሩ ከምዝኾኑን እቲ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ መስቀል ዝተሸንከረን ዝተቐብረን ካብ ሰማየ ሰማያት ዝመጸን ዝብሉ ነጥብታት ሓቂ ዘጠቐለሉ ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ኣመርኵይዞም ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ትውፊትን ኣብ ናይ ስነ መጽናዕቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ዝተደገፈ ስነ ክርስቶሳዊ መረጋገጺ ብምትንታን፣ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ሊዮነ ዓቢይ ንፈለማ ጊዜ እቲ ናይ ምዕራብን ምስራቕን ቲዮሎጊያዊ ባህሊ ዝጥርንፍ ዘመሓላለፍዎ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ብፍላይ ድማ እምነት ክርስትና ዝጸንዓሉ መረጋገጺ ቲዮሎጊያዊ መርትዖ ስነ ክርስቶሳዊ መጽናዕቲ ብደገፍ ቅዱስ መንፈስ ዘለለዩ ምዃኖም ዝነጽርን እዚ ድማ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኣካል (ባህርይ) ኢየሱስ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም፦ “እቲ ዘሕዝን ኢየሱስ ንቡዙሓት ውሩይ ሰብ ኰይኑ ዝተርፍ ወይ ከኣ ናይ ዘይሕከኽ ዓንቀጸ እምነት ሃሜናትን እኽብካብ ከም ሓደ ስልጣን ተገይሩ ዝሕሰብ ምዃን እዩ፣ ኢየሱስ ግን ሕያው ኣካልን ህልው እዩ። ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል እዚ እዩ ክቃላሕ ዘለዎ፣ ኢየሱስ ከም ዓርኪ ክህልወካ እንተድኣ ኰይኑ ትንሳኤ ማለት ካብ ሞት ስለ ዝተንስኤን ህያው ስለ ዝኾነን እዩ፣ ዋላ’ኳ ብመንፈሳውነት ዝሕሰብ ሓቂ እውን እንተኾነ ህላዌኡን ህልውናኡን ፍጹም ጭቡጥ እዩ፣ ካብ ሓደ ውሱን ድሩት ኣካላዊ ርእየታዊ ህልውና ንላዕሊ ኢተእላው ጭቡጥነት እዩ” ኣብዚ ኩሉ ሓቂ’ዚ ንምብጻሕ እቲ ናይ ታሪኽ ኢየሱስን ናይ ዓነቀጸ እምነት ክርስቶስን ክገማማዕ ከምዘይብሉ ተንቲኖም ካብቲ ናይ እምነት ክርስቶስ ዝተነጸለ ስነ ምርምራዊ መጽናዕቲ ስነ ኢየሱሳዊ ጌጋ እዩ፣ እቲ ኣብ ወንጌል ዝተደገፈ መጽናዕቲ ስነ ክርስቶሳውን ስነ ኢየሱሳውን ከምዘረጋግጾ ናይ ስነ ታሪኽ መጽናዕቲ ብገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ኢየሱስ ክለልይ ዘይከኣሎ እዩ፣ ስለዚህ ኢየሱስ ካብ ሞት ከምዝተንስኤ ኣብ ቅድመይ ከምዝሎን እምነታዊ ምስትውዓል እንተዘይብለው ንሱ ኣታ ቢሉ ከምዝዛረበንን ኣነ እውን እታ ቢለ ዝዛረቦ በዓል ቤት ከምዝኾነ ከም ህሉው ኣካል ንምርኣይ ኣሸጋሪ ይኸውን። ምእንቲ’ዚ ስነ ታሪኻዊ መጽናዕቲ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፣ ከም ሓደ ናይ ስነ ቀመማዊ ቀመር ኣኰነን፣ ማይ ብኦክስጅንን ብሃይድሮጅንን ዝቖመ እዩ ማይ ክንሰቲ እንከለና ግን እቲ ኦክስጅን ኮነ ወይ ድማ እቲ ሃይድሮጅን ኣይንርእዮንን ኢና፣ ስለዚህ ኢየሱስ ከም ሓደ ቀመር ገርካ ምቕራብ እቲ ቐመር ንኢየሱስ ኣየርእየካን እዩ፦ “ብዙሕ ጊዜ ኢየሱስ ከም ዓርኪ ጌርካ ምርኣይ የጸግም፣ ስለምታይ ትሕተንቕሓታዊ ወይ ድማ ትሕተግንዛቤኣዊ ስለ ዝዕብልል ኢዩ፣ ኢየሱስ ከም ሓደ ሓሳብ ጌርካ ናብ ምርኣይ የዘንብል፣ ድሕሪ ስቕለትን ትንሳኤን ኣብ ሰማይ ዕረገቱን ብመለኰታዊ ክብሩ ዳግም ክምለስ እዩ ቢልካ ምድጋሙ ቀሊል ብምዃኑ ኅልው ከምዝኾነን ኣብ መንጐና ከምዘሎን ምሳና ርክብ ክህልዎ ዝደልይ ምዃኑ ህልውነቱ ምርግጋጽን ምስትውዓል ከበድ ዘብሎ” ኢሎም ወንጌላዊ ዮሓንስ ኢየሱስ ባዕሉ ዝበሎ፦ “ደጊመ ጊላዎት ኣይብለኩምን እየ፣ ጊልያስ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ፣ ኣነ ግና እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኵም ስለ ዘፍለጥኩኹም ኣዕሩኸይ ኢኹም እብለኩም ኣሎኹ። (ምዕ.15.15)” ጠቒሶም ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.