2014-04-05 19:15:22

ሥልጣን ዝሓዘ ንነቢያት ሱቍ ከብል ይደሊ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ግን ክትአስሮ አይከአልን ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ፣
ወንጌል ክትሰብኽ ክትብገስ እንከሎኻ ስደት ከምዘሎ ርግጽ ኢዩ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ካብቲ አብ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስደት ክርስትና ዝብርትዕ ስደት ስለዘሎ ካብቶም ቤተ ክርስትያን ክትጅምር እንከላ ዝነበሩ ሰማዕታት ዝበዝሑ ደሞምን ሕይወቶምን ንስብከተ ወንጌል የወፍዩ አለው፣ ስለዚ ዘይርዳእን ስደትን እንተአጋጠመና ክንፈርህ የብልናን ቢሎም፣ ናይ ዕለቱ ንባባት ካብ ጥበበ ሰሎሞን 2፡12 “ንዑ ነቲ ጻድቅ መፈንጠራ ነዳልወሉ፣ ንሱ አብ መንገድና ደው ዝበለ ዓንቃፊና እዩ፣ ንተግባርና ተቃዋሚ ኢዩ መፍረስቲ ሕጊ ሙሴ! ገሃስቲ ትውፊት አቦታቶም! እናበለ ዚጸርፈና ንሱ ኢዩ፣ ን አምላኽ እፈልጦ እየ እዩ ዚብል ንገዛእ ር እሱ ኸአ ወዲ እግዚአብሔር ኢሉ ይጽው ዕ፣ ንሱ ንሓሳባትና ብምሉኡ እዩ ዚቃወሞ፣ ምር አዩ ጥራይ ን አና ስቃይ ኢዩ” ዝብል ብዛዕባ ጐ.ኢ.ክ ክርስቶስ ዝምልከት ትንቢትን ካብ ወንጌል ዮሐንስ ሻብ ዓይን ዓሥራይን ም ዕራፋት ዝተወስደ ብዛዕባ ፈሪሳውያንን ሊቃነ ካህናትን ን ኢየሱስ ሒዞም ክ አስርዎ ዓቀይቲ ምስዳዶም ኮይኑ ግን ሰዓቱ ስለዘይበጽሔ ክሕዝዎ ዘይምኽ አሎም ዘዘንቱ ክፍሊ ነበረ፣
ነዙይ መሠረት ብምግባር ቅዱስነቶም ነቲ አብ ጥበበ ሰሎሞን ዘሎ ክፉ አት ሰባት ልቦም ካብ እግዚአብሔር ስለዝረሓቀ ጐይቶት ሃይማኖት ክኾኑ ይደልዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ን ኢየሱስ ክጻወርዎ ስለዘይከአሉ ናይ ጸለመ መጻወድያ የሰናድው፣ ኢየሱስ ከአ ንኩሉ ክፍ አቶም እናገለጸ ንነቢያት ከምዘሳደዱ ምኽንያቱ ከአ ተጋጊኹም አሎኹም ናብ መንገዲ አምላኽ ተመልሱ ቢሎም ስለዝገንሕዎም እዚ ነቶም ሰበሥልጣን ከምዘይወሓጠሎም ይነግሮም ነበረ፣
“ናይ ሎሚ ወንጌል ንጹር ኢዩ፣ አብዘን መወዳእታ ዕለታት ኢየሱስ ክሕባእ ንር እዮ ምኽንያቱ ገና ሰዓቱ አይበጽሐን ነሩ ኮይኑ ግን መወዳእታኡ ከመይን አየናይን ከምዝኾነ አጸቢቁ ይፈልጥ ነይሩ፣ ኢየሱስ ውልድ ካብ ዝብል ጀሚሩ ተሰዲዱ ኢዩ፣ አብ ዓዱ ምስ ተመልሰ አብ ቤት ጸሎታቶም ክሰብኽ ምስ ጀመረ መጀመርያ የድንቅዎ ጽንሕ ቢሎም ግን እዚ ደአ እቲ እንፈልጦ ዶ አይኮነን ንክምህር መን ሥልጣን ሂብዎ አበይከ ተማሂሩ፣ እዚ ካበይ ከምዝኾነ ንፈልጦ ኢያ ክርስቶስ ክመጽ እ እንከሎ ግን ካበይ ከምዝኾነ አይፍለጥን እናበለ የነአ እስዎ ነበሩ፣ በዚ ከአ ነቲ ነቢይ ካብ ሥልጣኑ ንምእላይን ንምጽላምን ተዓጥቁ፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኢየሱስ ካብቲ ዝነበረ ዓንኬል ፈሪሳዊ እምነት ወጺኡ ን አ አቶም ከአ ካብዚ መጻወድያ እዚ ክወጹ ይምሕጸኖም ስለዝነበረ ኢዩ፣ እዚ ቃልሲ እዚ ገድሊ ተጻይ እቶም ንመንፈስ ቅዱስ አብ መጻወድያ ሒዞም ዝድቅሱ ኢዩ፣ ከምቲ ንኩሎም ነቢያት ዘጋጠመ ከአ ን ኢየሱስ አጋጢምዎ፣ ብሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ እውን አየብቀዔን ገና አብ ቤተ ክርስትያን አብ ውሽጣ ይኹን ብደገ እቶም ንጹሓት ስደትን መከራን ይቅበሉ አለዎ፣ ሕይወት ቅዱሳን እንተንቢብና ክንደይ ዘይምርዳእ ክንደይ ስደት ተቀቢሎም ምኽንያቱ ነቢያት ስለዝነበሩ፣
“አብ ቤተ ክርስትያንና ብጽሑፋቶምን ብአስተንትኖ ብዙሕ አበርክቶ ዝገበሩ እውን ከይተረፉ ተሰዲዶም፣ አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ጽሑፋት ዘበርከተ ካባና ብዙሕ ርሑቅ አብ ዘይኮነ ጊዜ ዝነበረ ሓደ ትሑት በዓል ሠናይ ድላይን ናይ ብሓቂ ነቢይን ዝነበረ ንቤተ ክርስትያን ካብ መንገዲ ጐይታ ትዝምብል አላ ቢሉ ምስ ገንሐ ተጸዊዑ ኩሉ መጻሕፍቱ ተሳሒቡ ከይንበብ ተኸልኪሉ ካብ ናይ ምምሃር ስልጣኑ አውሪዶም ብኸምዚ ከአ ሕይወቱ ተፈጺሙ፣ ጊዜ ምስ ሓለፈ ግን ሎሚ ሓደ ካብቶም ናይ ቤተ ክርስትያንና ብፁዓን ኮይኑ አሎ፣ ኮይኑ ግን ከመይ ቢሉ ትማሊ መናፍቅ ተባሂሉስ ሎሚ ተመሊስካ ብፁዕ ትብሎ? እቶም ትማሊ ሥልጣን ዝነበሮም እቲ ንሱ ዝብሎ ዝነበረ ስለዝኸበዶም ሱቍ ከብልዎ ጽ ዒሮም፣ ሎሚ እግዚአብሔር ይመስገን መንገዲ ንስሓ ሒዛ ዘላ ቤተ ክርስትያን አይፋል እቲ ሰብ እቲ ብፁዕ ኢዩ ትብል አላ፣ ቅዱስ ክትብሎ እውን ትሸባሸብ፣ ስለዚኸስ ኩሎም መንፈስ ቅዱስ ንሕዝበ እግዚአብሔር ሓቂ ክምህሩ ዝመርጾም ሰባት ኩሎም ስደት ይቅበሉ፣ አብነቶምን መራሒኦምን ከአ ኢየሱስ ኢዩ፣ ጐይታ ኢየሱስ ንኩሉ ናይ ሕዝቡ ስደትን መከራን አብ ርእሱ ተሸኪምዎ ኢዩ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ክርስትያን ይስደዱ አለው ካብቶም አብ ቀዳማይ ዘመን ስደት ቤተ ክርስትያን ደሞም ዘፍሰሱ ሰማዕታት ናይ ሎሚ ይበዝሑ ክብል እውን እደፍር በዚ ግን ክንደሃልን ክንፈርህን የብልናን ከማይ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ማንም ክ አስሮ አይክ እልን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅዱስነቶም በቲ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙኃን “ምስ ኢየሱስ ሕይወት ምል አት ትረክብ፣ ምሳኡ ኰንካ ናይ ኩሉ ትርጉም ምርካብ ቀሊል ኢዩ” እንክብሉ ብትሽዓተ ቋንቋታት ናብቶም በዚ መርበብ እዚ ዝከታተልዎም ሓጺር መልእኽቲ ከም ዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.