2014-04-03 15:44:02

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘይሕለል ኣብሳሪ ቃል እግዚኣብሔርን ሓቅን ሰናይን


RealAudioMP3 ዕለት 2 ሚያዝያ 214 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፣ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሚያዝያ 2 ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለዱላ ዕለት ዝኽሪ ታሽዓይ ዓመት ምዃኑ እውን ዘኪሮም ነቶም ካብታ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወለዱላ ሃገረ ፖላንድ ዝመጹ ምእመናን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅድስና ንኽትእውጀሎም እትቀራረበሉ እዋን መንፈሳውን ኣብቲ ሓዲጐሙልና ዝሓለፉ ውርሻ እምነትን እተስተንትነሉ ቅዱስ እዋን ምዃኑ ሓቢሮም፦ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኽርስቶስ ብምምሳል ንመላእ ዓለም ቃለ እግዚኣብሔርን ሓቅን ሰናይን ከይተሓለሉ ዘበሰሩን እቲ ብዕድመ ምድፋእን ሕማምን ኣጋጢምዎም ዝነበረ ስቓይ ሰናይ ገይሮም ዝነበሩ እዮም። እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ብቓልን ሕይወትን ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፣ ሕዝበ እግዚኣብሔር ነቲ ትምህርቲ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፍቕርን ብኣድናቖትን ተረኪብዎ እዩ። ኣማላድነቶም ኣባና እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘበርትዕ እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎዳና ሕሳሴ ዘእተዉን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዘማዕደወ ርክብን ዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክብን ዘተን ዘነቓቕሑን ሰብኣውነት ስቓይ ፍጥረት ሰብ ብቐረባ ዝፈልጡን ባዕሎም እውን ዝነበርዎ ተመክሮ ከምዝኾነ ኣብቲ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ካብ ዝተሳተፉ ምእመናን ምእመን ቨሮኒካ ጃኮመቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.