2014-03-29 16:00:52

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ሚዛናዊ ጸብጻብ ናይ እግዚኣብሔር ልክዕ ከም ናይ ሓደ ትካል ጸብጻብ ኣይኰነን፣ እቲ ስሉጥ ፍቕሪ እዩ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 28 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ ከምቲ ልሙድ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም
እግዚኣብሔር ናፍቖትና ኣለዎ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ትንቢት ሆሰእ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ኣደጊፎም፣ ርህራሄን ለውሃትን እግዚኣብሔር ንኽንልወጥ ዝዕድመና ከምዝኾነን፣ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ዝተመልአ ናፍቖትና ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ቃልን ተመለስ ንዓ ናብ ቤትካ ተመለስ ዝብል ጻውዒት ፍቕሪ ዘቓልሕ ሓቂ ከምዝኾነ እንክገልጹ፦ “ናይቲ ኣቦ እግዚኣብሔር ልቢ ኣብ ምጽባይናን ኣማዕድዎናን ዘይደክም ዘይስልክይ፣ ንዘመናት ሕዝቢ ክሕደት እምነት እውን ዘርኣየ እንተዀነ ምምላስና ዝጽበይ ጐይታ እዩ። ብኸይዶም ይትረፉ ዝሓድግ ጐይታ ኣይኰነን፣ ኣዳም ከብ ገነት ብመቕጻዕቲ እንክወጽእ ጥራሕ ኢዱ ኣይኰነን ዝወጸ እንታይ ደኣ ብእግዚኣብሔር ተመሊሱ ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን እውን ተዓዲሉ እዩ ወጺኡ፣ ስለምታይ እግዚኣብሔር ሓጢኣትናን ጉድለትንን ዘይድርቶ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን እሙን ስለ ዝኾነን፣ ስለምንታይ ገዛእ ርእሱ ክኽሕድ ዘይከኣሎ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ንምምላስና ወትሩ ዘማዕድውን ዝጽበይን ጐይታ እዩ” ቢሎም ካብዚ ተበጊሶም ድማ ናብቲ ወንጌል ሉቃስ ዘዘንትዎ ታሪኽ ጥፉኡ ወዲ ምልስ ቢሎም ጐይታ ነቲ ካብኡ ዝረሓቐን ደሓን ኵሉ ብገዛእ ርእሰይ ክመሓደርን ክነብርን ኢየ ቢሉ ዳርጋ ንኣቡኡ ኣይተድልየንን ኢኻ እንክብል ዝተሰናበተን ውላድ ካብ ምጽባይን ምምዕዳውን ዓዲ ከምዘውዕል በቢ ዕለቱ ዘማዕድውን ዝጽበይን ከምዝኾነ እንከመልክቱ፦ “እወ ንሱ እቲ ወትሩ ዝጽበየና ኣቦ እዩ። ኣነ ብሓጢኣት ዝተኣለኩ እየ ንብል ንኽውን እቲ ዘገድስ ናብቲ መሓርን ፍቕርን ኣቦ ምምላስ እዩ። እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውሉድ ናብ ወላዲኡ ምስ ተመልሰ ብዙሕ ክዛረብ ከም እተጠዓሰ ክገልጽ ይደልይ ኔሩ እዩ፣ ኣቲ ኣቦ ግና እቲ ምምላሱ ጥራሕ ስለ ዘገድሶ ክሳብ ከይዛረብ ዝዓብሶ ኣብ ሕቝፎኡ ይንብሮ። ብሕቝፎኡ ዳርጋ ትም የብሎ፣ ዝጽበይ እግዚኣብሔር መሓሪ እዩ። ብምሕረቱን ፍቕሩን ዘማዕድወናን ቀቂድመና ዝኸይድ ኣቦ እዩ። እዚ ምስ ሓደ ትካል ከነመሳስሎ እንከለና ኣሉታዊ ጸብጻብ ማለት እቲ ወጻኢ ካብቲ ኣታዊ ይዛይድ፣ ኣብ ምጽብጻብ ጐይታ ግን ወትሩ ሚዛኑ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ እቲ ስልጡ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ሰዓሪ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ “እቲ ቀዳማይ ትእዛዝ ፍቕሪ ብቐዳምነት ዝትግብር ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ብጀካ ምፍቃር ካልእ ኣኽእሎት የብሉን። እቲ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ተኣምራት፣ ሎሚ እውን ኣባና ዝፍጽም ዘሎ፣ ተንስእ እሞ ኪድ ዝብል ናይ ምምላስ ጸጋ ዝዕድል ተኣምር እዩ፣ ብምምላስና እግዚኣብሔር ዓቢይ በዓል ይገብር፣ ዓቢይን ሃብታምን መኣዲ የሰናድው፣ ንስኻ ክትጥጥዕ ክትዕምብብ ቃል ኪዳን ኣትዩ እዩ። ዘርእኻ ይበዝሕ ናይ ሊባኖስ ጥዑም ሸቶ መኣዛን ናይ ኣውሊዕ ጽባቐን የንብረልካ፣ እቲ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስ ዝደልን ዝብገስን ሰብ፣ ናይ እግዚኣብሔር በዓል ዝህቦ ሓጐስ የስተማቕርን ይነብርን፣ እግዚኣብሔር ዝጽበየናን ዝምሕረናን ዘፍቅረናን ኣቦ እዩ። ምሕረቱን ፍቕሩን ቀቅድመና እዩ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.