2014-03-29 17:14:59

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሀርቲ ካህናት ሐዋርያዊ ሚስጢረ ንስሐ ቃለ ምዕዳን አስሚዖም ፡


አብ ቫቲካን ተልእኮ ትምህርቲ ሐዋርያዊ ሚስጢረ ይካየ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብዚ ትምህርቲ”ዚ ንዝሳተፉ ዘለዉ ካህናት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰባት ክትኮኑ ተጸዊዕኩም አለኹም ናይ ዕርቀ/ንስሐ አውራ ተዋሳኢ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነ አዘኻኺሮም።
ሐዋርያዊ ሥርዓተ ንስሐ ዝፍጽሙ አናዘዝቲ ካህናት ብመጀመርያ ጥልቃዊ ሚስጢረ ሥርዓተ ንስሐ ብግቡእ ክርድኡን ንፉዓትን ምቅሉላትን ክኾኑ ነዚ ሥርዓተ ንስሐ”ዚ ብዝግባእ ክፍጽምዎ ከም ሐደራ ኢሎም።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብ ቫቲካን ተልእኾ ትምህርቲ ሚስጢረ ንስሐ ዝምሀሩ ዘለዉ ካህናት አተሐሒዞም ዘናዝዝ ካህን ፡ ፈራዲ ዘይኮነስ ነቲ ብዝገበሮ ሐጢአት ተጸጺቱ ክናዘዝ ዝቀረበ ሰብ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ክቀርቦ ከም ዝግባእ እቲ ዘናዝዝ ንገዛእ ርእሰኡ መንፈሳዊ ንጹሕ ክኸውን ይግባእ ብማለት ክአ አተሐሳሲቦም። አናዘዝቲ ካህናት ፡ ናይቲ ንወዲ ሰብ ካብ ሐጢአቱ ከናግፍ ተገሪፉ ተሰቂሉ ዝሞተን አብ መበል ሳልሳይ መዓልቱ ዝተንስኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስክር ከም ዝኾኑ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ክአ አተሐሒዞም አገንዚቦም። ልቢ ሐደ ካህን ጥልቃዊ ምሕረት ኢየሱስ ክርስቶስ ተመርኲሱ ሐሲቡ ኢዩ ከናዝዝ ዘለዎ እምበር ስምዒታዊ ከኸውን ከም ዘይብሉ ክአ አመልኪቶም።
ሚስጢረ ንስሐ ሚስጢረ ምሕረት እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘናዝዝን ዝናዘዝን ክርድኡ ከም ዝግብኦም ክአ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብሪሆም። ሐደ ሐኪም ንሰብ ሐኪሙ አካላዊ ይኹን ውሽጣዊ ጥዕና ይመልስ ሐደ ካህን ክአ ነቲ ዝተናዘዘ ጥልቃዊ ምሕረት እግዚአብሔር የተሐላልፍ ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ ሚስጢረ ንስሐ ክህቡ ዝተጸውዑ ካህናት ነቲ ሚስጢር ብዝግባእ ክርድኡዎ ክግንዘዎ ከም ዝግባእ ልዕሊ ኩሉ ክአ ካህናት መንፈሳውያንን ምቅሉላትን ክኾኑ ከም ዝግባእ ነቶም ተልእኮ ሐዋርያዊ ሚስጢረ ንስሐ ዝምሀሩ ዘለዉ ካህናት ሐደራ ከም ዝበሉ ተፈሊጡ አሎ ። ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፍጥረት ሰብ ከይጠፍእ ስለ ዘይደለየ ሚስጢረ ንስሐ ሰሪዑ ንሰብ ካብ ሐጢአቱ ካብ ጌግኡ ንክናገፍ ብመንፈስ ቅዱስ ምሕረቱ ይህብ ስለዚ አባት ነፍሲ ዝኾነ ካህን ነዚ ብግቡእን ብጥልቅን ክርዳእ ከም ዘለዎ ክአ አመልኪቶም። ሕምብርቲ ቅዱስ መጽሐፍ ምሕረተ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከም ዘለዎን አባት ነፍሳት ካህናት እዚ ሚስጢር”ዚ ንምእመናን ከገልጹ ክምህሩ ከረድኡ ከብርሁ ትሑዛት ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብዛዕባ ሐዋርያዊ ሚስጢረ ንስሐ ዝምሀሩ ዘለዉ ካህናት መጊሮሞም። ሚስጢረ ንስሐ ማለት ክናዘዝ ዝደሊ ምእመን ሐጢአቱ ንካልእ ሰብ ማለት ንሐደ ካህን ክነግር ከም ዝኸብዶ ብምርዳእ ዘናዝዙ ካህናት ነዚ አብ ግምት ብምእታው ሐዋርያዊ አገልግሎተ ሚስጢረ ንስሐ ሐላፍነቱ ከቢድን ሚስጢራውን ከም ዝኾነ ክርድኡ አተሐሳሲቦም። ሚስጢረ ንስሐ ምፍጻም ማለት ምንዛዝ ቤት ፍርዲ ምቅራብ ማለት ዘይኮነስ ምሕረትካብ እግዚአብሔር እንቅበለሉ ሚስጢር ከም ዝኾነ ክዝንጋዕ አይግባእን እሞ ወትሩ ጥንቁቃትን መንፈሳውያንን ክትኮኑ ይግብእ ብማለት ነቶም አቦ ነፍሳት ክኾንይ ሚስጢረ ንስሐን ዓሚቅ ሚስጢሩን ዝምሀሩ ዘለዉ ካህናት ከም ዝመኸርዎም ዝምዓድዎምን መግለጺ ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.