2014-03-27 11:54:04

ጽምአት ክርስቶስ


ንባባት፡ ዘፅ 17፡3-7፥ ሮሜ 5፡1-8፥ ዮሓ 4፡5-42
አብ ሕይወት ዘለዎም ፍጡራት ማይ ሓደ ካብቲ ቀንዲ አድላዪ ነገር እዩ። ሰውነት ደቂ ሰብ ዝበዝሐ ክፋሉ ማይ እዩ። ብዘይ ማይ ነውሕ ክጸንሕ ዝኽእል የለን። ጽምኢ ማይ ዝበርትዐ እዩ። አብ ታሪኽ ሰባት ማይ ምኽንያት ባእሲ ከምዝነበረ ነንብብ። ውልቀሰባት፥ አህዛብ ዓለታት ምእንቲ ማይ ተዋጊኦም። ስልጣኔ ብፍላይ ናይ ማይ ተክነሎጂ ካብ ጥንቲ አብ መሰጶጣምያ፥ ፔርስያ፥ ግብጺ ወዘተ ከምዝጀመረ ታሪኽ ይነግረና።
አብ ብሉይ ኪዳን ማይ ቀንዲ ሕይወት ሰብ ከምዝነበረ ይነግረና። አብ ውግእ ቀዳማይ ዝሕዝዎ ስፍራ ማይ እዩ ነሩ (2ዘነገ 20፡20) ሕዝቅያስ ንጉሥ እስራኤል ሰናኪሩብ ንጉሥ አሶር ከየጥቅዖ መጀመርያ ዝአከቦ ማይ እዩ። አብ ታሪኽ ጉዕዞ ምድረበዳ እቲ ዝበርትዐ ጽምኢ ማይ እዩ ነሩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጽ ምስ ወጹ ብዙሕ ጊዜ አብ ልዕሊ ሙሴ ዘግረምረሙሉ ብጽምኢ ማይ እዩ። “ስለምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘውጻእካና ኢሎም ንሙሴ አጕረምሪሞምሉ” (ዘፅ 17፡3)።
ጥቕሚ ማይ አብ ሕይወት ደቂ ሰብን ኩሎም ሕይወት ዘልኦም ፍጡራትን ንኹሉ ብሩህ እዩ። አብዚ ዘሎናዮ እዋን እውን ማይ ካብቲ ቀንዲ አድላዪ ነገራት ሓደ እዩ። ብ1985 ቡጥሮስ ቡጥሮስ ቃሊ ናይ ግብጺ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ዝነበረ ድሓር ናይ ሕ.መ. ዋና ጸሓፊ ዝኾነ አብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ድሕሪ ሕጂ ዝመጽእ ውግእ አብ ማእከላይ ምስራቕ አብ ማይ እምበር አብ ፖሎቲካዊ ነገራት አይኮነን ኢሉ ተዛሪቡ ነሩ። እዚ ዘረባ ሓቂ እናኾነ ይመጽእ አሎ አብ መንጎ እስራኤልን ጎረባብታን አብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ከምኡ አብ ሃገርና እንተ ረኤና ስእነት ማይ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዘሎ ብሰንኪ ስእነት ማይ ውግእ ከይልዓል ዘፍርሕ እዩ። አብ ገሊኤን ሃገራት ብዝሒ ህዝቢ የስግኤን ስለ ዘሎ አጠቓቕማ ማይ ሓደ ካብቲ ዘሰክፈን ነገራት እዩ ስለዚ ሰባት ብጽቡቕ ንማይ ክጥቀሙሉ ይነግራ አለዋ።
አብ ዓድና ዋሕዲ ማይ ብርሁ እናኾነ ይመጽእ አሎ፥ ሩባታት ነጹፉ ዔላታት ነጺፉ ይርአ አሎ። ንሓደ በርሚል ማይ ዳርጋ 200 ናቕፋ ይሽየጥ አሎ። ንብዙሓት ዓድታት ካብ ቦትኦም ክለቁ ይሕተት አሎ። ስለዚ ጥቕሚ ማይ ካብኩሉ ንዓና ይርአየና እዩ።
እዚ ኹሉ አብቲ መንፈሳዊ ጽምኢ ክሕግዘና ንማለት እየ ዝብሎ ዘሎኹ። አብ መዝ 42፡1፥ 62፥1 ዘሎ እንተ ርአና “ኢራብ ንዓይኒ ማይ ከም እትናፍቕ አነ ኸአ ኦ አምላኽ ንአኻ እናፍቕ አሎኹ. . . . ምድኃነይ ካብ አምላኽ እዩ ዝመጽእ እሞ ንእኡ ጥራይ ሃዲአ እጽበ አሎኹ. . . . . . ። ዝብል ነንብብ እዚ ኸአ ጽምአት አምላኽ ብርቱዕ ከምዝኾነ እሞ ክሳብ ንእኡ እንረክብ ዝኾነ ዕረፍቲ ከምዘየለ ይነግረና። ቅ. አጎስጢኖስ አብቲ ኑዛዜ ዝብሎ ጽሑፉ ከም ዘስፈሮ “ኦ ጎይታ ልብና ንአኻ ክሳብ ዘይረኸበት ዕረፍት የብላን” ይብል።
አብ ወንጌል ኢየሱስ ክልተ ጊዜ ጸሚአ ክብል ንሰምዖ ነዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ከም ዝጸምአ ማይ ክሰቲ ሓቲትዋ፥ አብ ዕፀ መስቀል ተንጠልጢሉ እንከሎ ጸሚአ ኢሉ በቲ ዝወረዶ ግፍዕን መከራን ሰውነቱ ቆሲሉ ዝስተ ማይ ደልዩ ጸሚአ ኢሉ እንተ ኾነ እቲ ዝዓበይ ጽምኡ ግን ናይ እቶም አብ ሞት ዘብጽሕዎን አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ በብእዋኑ ካብ አምላኽ ርሒቆም ናይ ዝንነብሩ ጽምአት እዩ። ሎሚ እውን ንብዙሓት ክንምለሶ ኢሉ ጽምአትኩም በርቲዑኒ አሎ ቅረቡኒ ይብለና አሎ። ጽምኢ ኩልና ከምእንፈልጦ ከቢድ እዩ ከምቲ ጽምኢ ማይ ንሰውነትና ዘሳቕዮ መንፈሳዊ ጽምኢ ኸአ ንነፍስና የሸግራ የሳቕያ እዩ። በዚ ጾም ፵ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንኹልና ነዘሎና መንፈሳዊ ጽምኢ ክነርዊ አብቲ ማይ ሕይወት ዝህብ ክርስቶስ ክንመጽእ ትዕድመና አላ። ንኹሉ ባህላዊ ዕንቅፋታት ከምኡ ባዕልና እንፈጥሮ መኸላእታታት ሰጊርና አብ ቅድሚ ክርስቶስ ክንቀርብ ንሕተት አሎና።
አስተንትኖና ነቲ አብ ዮሓ 4 እነንብቦ ብዛዕባ ሓንቲ ሳምራዊ ሰበይቲ ኢየሱስ ማይ አስትይኒ ዝበላ መሰረት ገርና ክንጅምሮ።
ኢየሱስ ካብ ምድረ ገሊላ ንይሁዳ ገጹ ክኸይድ እንከሎ ብምድረ ሳምራውያን ሓሊፉ። ካብ ይሁዳ ንገሊላ ብኽልተ መገዲ እዩ ክኽየድ ዝክአል ዝነበረ ሓደ ብሰማርያ አቢልካ እቲ ካልአይ ከአ በቲ ካልእ ጎኒ ዮርዳኖስ እዩ። እቲ ብሰማርያ ዝሓልፍ ዝሓጸረን ጸገም ዘይብሉን እዩ ነሩ። ሳምራውያን አብ ጊዜ ስደት ባቢሎን አብ እስራኤል ዝተረፉ ብአሶራውያን ተማርኾም ምስኦም ብባህልን ብኻልእ ስርዓትን እምነትን ዝተደባለቑ እዮም በዚ ምኽንያት ድሕሪ ምምላስ ካብ ባቢሎን ምስቶም ዝተመልሱ አይሁድ ክሰማምዑ አይከአሉን ምስ አረማዊ ዓሌታት ስለ ዝተዋሰቡን ካልእ ባህሊ ስለ ዝሓዙን ከም አረማውያን እዮም ዝርአዩ ነሮም። አብ ጊዜ ኢየሱስ እዚ ፍልልይ እዚ ነርዎም አይሁድን ሳምራውያንን አይቃረቡን እዮም ነሮም። እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ነዚ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት እያ ኢየሱስ ክዛረባ ምስ ጀመረ ዝገረማ።
ኢየሱስ ቀትሪ ምድሪ ፀሓይ በርቲዑ እንከሎ አብ ሲካር ያዕቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዝሃባ ዔላ ምስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ክትህቦ ሓቲትዋ፥ (ብዙሕ ጊዜ ቀጥሪ ዝንቀሳቐሱ ከም ርድኢት ምስራቓውያን አጋንንቲ ከምኡ ገለ ጸገም ዘልኦም እዮም። ሩባ ዝወርዱ ወይ ንጋሆ ወይ ምሸት እዮም ዝወርዱ፥ ካብ ህዝቢ ዝሕብኡ እሞ ጸገም ዘልኦም ጥራሕ እዮም ቀትሪ ብቀትሩ ዝወርዱ)። ኢየሱስ ንዝኾነ ማሕበራዊ ወይ ባህላዊ ጸገማት አብ ግምት ከየእተወ ነዛ ብዙሕ ጸገም ዘለዋ ሰበይቲ ማይ አስትይኒ ኢልዋ። ንሓዋርያቱ መግቢ ክገዝኡ ንከተማ እዩ ልኢኽዎም ሓደ ካብኦም ምስኡ አይተረፈን ንበይኑ እዩ ረኺብዋ። ጉዳዩ ነዛ መስኪን ፍጥረት ክረክብ ጥራሕ እዩ ነሩ። ንሳ እውን ምስቲ ዝነበራ ጸገማት አብዚ ጊዜ ጥራሕ እዩ ዝጥዕማ ዝነበረ ደቂ ሲካር ከምሓንቲ ዝርግቲ ድኽምቲ ይሓስብዋ ስለ ዝነበሩ ካልእ ዕድል አይነበራን።
ኢየሱስ አብቲ ዘሎናዮ ይመጽአና፡
ኢየሱስ ንበይና ምስቲ ዘለዋ ጸገም ክረኽባ ይመጽአ ንነፍስወከፍና ምስቲ ዘሎና ኃጢአት ክረኽበና ይደሊ አብቲ ተሓቢእናሉ ዘሎና መጺኡ ከዕልለና በቲ ዘሎና ጸገም ተአሚና ክንረኽቦ ይሓተና። ምናልባት ሰባት ብድኽመትና አጓኒዮምና እንተለዉ ወይ እውን እንነብሮ ሕይወት ምስ ሰባት ክንሕወስ ዝኸብደና እንተሎ ሎሚ ኢየሱስ ክረኽበና ይደሊ አሎ።
ኢየሱስ ነዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስረኻብ እንርእዮ ክልተ ነገር አሎ፥ ኢየሱስ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ እሞ ሳምራዊት ክዛረብ ንርእዮ። እዚ ንሓዋርያቱን ንኻልኦት ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ነሩ። ካልእ ቀትሪ አብ ጽምዋ ንበይና አብቲ ዘላቶ ይመጽአ፥ ኢየሱስ እዩ አብቲ ዘላቶ መጺእዋ እሞ ክዛረባ ዝጀመረ እዚ ብሓቂ ገሪምዋ ንሱ ክቐርባ እንከሎ ከም ሓደ ዝደኸመ ዝጠመየን ዝጸምአን ኮይኑ ቀሪብዋ፥ አብዚ ኢየሱስ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ከማና ከምዝኾነ ንርኢ። ይደክም ይጸምእ ይጠሚ። ክረኽበና ኢሉ በቲ እንደልዮ ወይ ዝርድአና ገሩ ክቐርበና ይደሊ። ነዚአ ሰበይቲ በቲ ዘልአ ጸገም እዩ ቀሪብዋ። አብዚ ንኹሎም ኃጢአተኛታት አምላኽ ከምዝደልዮም ንርኢ።
አብ ወንጌል ኢየሱስ ንኃጥአተኛታት ክረክብ ኢሉ አብ ኩሉ ይኸይድ ከምዝነበረ ነንብብ። ንሌዊ ዝተባህለ ኃጢአተኛ አኽፋል ቀረጽ አብ ገዝኡ ከይዱ ምስኡ ተመጊቡ (ማር 2፡13-17) ረኺብዎ። ነታ ኃጢአተኛ ሰበይቲ እግሩ ክትቀብኦ አፍቂዱላ፥ ንጳውሎስ አብ መገዲ ደማስቆስ ረኺብዎ። አብ ብሉይ ኪዳን እንተ ረአና እውን እግዚአብሔር ኃጢአተኛታት አብኡ ክምለሱ ከምዝደሊ አብ ብዙሕ ንርኢ አቦና አዳም ምስ ኃጥአ አምላኽ እዩ አናድይዎ አበሎኻ እናበለ፥ ዳዊት ንጉሥ ምስ አኃጥአ ንናታን ነቢይ ልኢኽሉ፥ ነብያት ኩሉ ንህዝቢ አብ አምላኽ ክመልሱ እዮም ተላኢኾም፥ ንቀንዱ እቲ መስሕ ምስ አምላኽ ክዓርቆም ነጻ ከውጽኦም ከምዝመጽእ ይጽበይዎ ነሮም። ስለዚ አምላኽ ክንምለሶ ኢሉ ልኡኻቱ ይሰደልና። ሎሚ እውን ኃጢአተኛታት ክንምለሶ ኢሉ ይደልየና አሎ። አብ ሕይወትና ይመጽእ፥ አብ ስድራና አብ ስራሕና አብ ቤተክርስትያን ንረኽቦ፥ መልእኽቱ ግሉጽ እዩ ካብ ክፍአት ተመለሱ እሞ ጽቡቕ ግበሩ ዝብል እዩ።

ማይ አስትይኒ?
ኢየሱስ ደኺሙ ጸሚኡ ስለ ዝነበረ ናብታ ሰበይቲ ቀሪቡ ማይ ግዳ አስትይኒ ኢልዋ። አብ ብሉይ ኪዳን ነዚ አበሃህላ ዝመሳሰል ንረክብ አገልጋሊ ይስሓቕ ንርብቃ ማይ ክተስትዮ ይሓታ (ዘፍጥ 24፡10-19፥ ዘፅ 2፡15-21)። አብ ምጅማር ዕላሎም ኢየሱስ መን ምዃኑ ገሊጹላ እዚ ዝሓተኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጢ ንስኺ ተመሊስኪ ምለምንክዮ ንሱ ኸአ ካብቲ ዘይነጽፍ ማዩ ምሃበኪ እናበለ ዕሙቕ ዝበለ ሕቶ አቕሪብላ። እሞ ደጊመ አብዚ ከይምለስ ካብዚ እትብሎ ማይ እንዶ ግዳ ሃበኒ ትብሎ ስለዚ አይፈለጠትን እምበር ዝጸምአቶ ማይ እውን ነርዋ እዩ። ማይ አስትይኒ ክብላ እንከሎ ክትርድኦ ክትቅበሎ ዘይክአል ነገር አይሁዳዊ እሞ ሰብአይ ማይ አስትይኒ ክብላ አይተቐበለቶን ምኽንያቱ አይሁድን ሳምራውያንን ስለዘይቃደዉ ከምኡ ሰበይቲ ስለ ዝኾነት። ኢየሱስ ነዚ ዝዘንግዐ መሲልዋ ክትነግሮ ፈቲና እንተኾነ ንሱ ነቲ ናይ እዋኑ ባህልን ጽልዋታትን ሓዲጉ አብ ድሕነት ናይ እታ ሰበይቲ እዩ ዘተኩር ነሩ። ንሱ ጸሚእዎ ዝነበረ ሓቀኛ ጽምኢ እምነታን ድሕነታን እዩ። አብ እምነት ክትመጽእ ይዕድማ አብ መጨረሽታ ኸአ መድሓኒ ምዃኑ ትፈልጥን ትአምኖን። ቅ. ጳውሎስ አብ ሮሜ 5 እምነት ተስፋ ፍቕሪ ህያባት አምላኽ ከምዝኾና ይነግረና። ኩልና ሕሩያት ሕዝበ እግዚአብሔር ጽሩይ ሕይወት ክነብር ዝተጸዋዕና፥ ፍቕሪ አምላኽ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበልና ኢና እናበለ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብን ተስፋን ይገልጽ።
አምላኽ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጽምኢ አልኦ፥ እዛ ሰበይቲ ከምቲ ኢየሱስ ጸሚእዎ ዝነበረ ንሳ እውን ጽምአት ነርዋ እዩ፥ ከምኡ ስለ ዝነበረት እያ ኸአ አብዚ ዔላ ዝወረደት። ከም ሓቂ ግን እቲ ጸሚአቶ ዝነበረት ኢየሱስ ጥራሕ ዝርእዮ ዝነበረ ካልእ ጽምኢ እዩ። ንሳ ብሰንኪ ዝነበራ ጸገማት ንሰላምን ቅሳነትን ጸሚአተን ነራ። ካብቲ እትነብሮ ዝነበረት ሕይወት ምሕረትን ካብኡ ወጺአ ሓዲስ ሕይወት ክትለብስ ጽምአት ነርዋ። ንሳ ሓቀኛ ፍቕሪ ትደሊ ነራ ሓምሽተ ጊዜ ንፍቕሪ እንተ ረኸበት ኢላ ተመርዕያ ፈቲና እንተ ኾነ ንሓቀኛ ፍቕሪ አይረኸበታን፥ ነዚ ሓቀኛ ፍቕሪ አበይ ክረኽቦ ኢላ ሃሰስ ትብል ነራ። ቅሱን ዘይነበረ ሕይወታ ካብ ሰብ ከምእትፍለ ገሪዋ ብቐትሩ ክትሕባእ ትፍትን ነራ። ንሳ ሓደ ብልባ እትአምኖን ምስኡ ክትነብር ትደሊ ነራ፥ መድሓኒ መስሕ ትደሊ ነራ።
እናአዕለሉ ከለዉ ኢየሱስ ነቲ ዝነበራ ጽምኢ ከምዝፈልጥ ምልክት ሂብዋ። እቲ ብልመና ማይ ዝጀመረ ዕላሎም አብ ማይ ሕይወት ምሕታት ሰጊሩ። ማይ ሕይወት ዝርከቦ አብ ዔላ አብ ዝተአከበ ዘይኮነ አብ ዝዛሪ እዩ ዝርከብ። እዚ ማይ ሕይወት ዝብል ዕላል አብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት አሰጋጊርዎም። እታ ሰበይቲ አብ ኢየሱስ ዝነበራ ርድኢት መጠን ዝቐጸልዎ እናዓበየ መጺኡ። መጀመርያ ንስኻ አይሁዳዊ (ዮሓ 4፡9) ትብሎ፥ ድሕሪኡ ጎይታይ (ዮሓ 4፡11፥15) ትብሎ፥ ድሕሪኡ ነብይ ትብሎ (ዮሓ 4፡19)፥ አብ መጨረሻ ከም ክርስቶስ፥ ከም መስሕ ትርእዮ (ዮሓ 4፡29)። ብእምነት ክንዓቢ ዕለት ዕለት መንፈሳዊ ልምምድ የድልየና፥ ብሃንደበት ትአምራት ክንርኢ አይክአልን እዩ። ሓዋርያት ብርእሶም እንታይነት ክርስቶስ ክርድኦም ጊዜ ወሲድሎም፥ አብዚ ጾም ፵ ነዚ መንፈሳዊ ልምምድ ክንዓብየሉ እዋኑ እዩ።
ኩሉ ዕላላ ንሓቀኛ ርክብን ፍቕርን ጽምአት ከምዝነበራ ይገልጽ። ወላ አብ መንጎ እቶም ድቂ ካልእ ዓለት ዝኾኑ ሳምራውያን ንሳ ከም ካልአይቲ ዜጋ እያ ትርአ ነራ። ሕማቕ ታሪኽ ሕይወት ዝነበራ ሰብ እያ ነራ። ኩሎም ደቂ ዓዳ ዝሓለፈ ሕይወታ ይፈልጡ ነሮም። ሓሚሽተ ሰብኡት አትዮማ ነሮም ሕጂ ዘሎ እውን ካልእ እዩ አብ ኃጢአት እያ እትነብር ነራ። ዘእተዋ ይሓድጋ ነሩ። ብሓቂ ሕማቕ ሕይወት ተስፋ ዘይብሉ ትነብር ነራ እንተ ኾነ አብቲ ዕላላ ከምንዕዘቦ ምጽአት መስሕ ትጽበ ነራ ንሱ ሓራ ከውጽአና እዩ፥ ንኹሉ ክነግረና እዩ እናበለት ዝነበራ ጩራ ተስፋ ትትንብህ። ኢየሱስ መጠን ዝተዛረባ ነቲ ብርሃን ትርኢ ነራ ነቢ ኢኻ ክርስቶስ ኢኻ እናበለት አብ እምነት ትዓቢ ነራ።
ጽምአት አምላኽ እውን ነርዋ እዩ። ንሳ ኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ አይሁዳዊ ምዃኑ ምስፈለጠት ክትሓቶ ጀሚራ። ሕቶአ ብሕጽር ዝበለ ንአምላኽ አበይ ክረኽቦ እኽእል እዩ ነሩ። አቦታታ አብ ኢየሩሳሌም ምስጋድ ሓዲጎም አብ ሓደ እምባ ክሰግዱ ዝጀመሩ እዮም ስለዚ አበይ እዩ እቲ ሓቀኛ ስግደት ዝግባእ እናበለት አብ አምላኽ ዘልአ ሓቀኛ እምነት አብ ምድላይ ጽምአታ ገሊጻ።
ጽምአት ስለ ዝነበራ ንኢየሱስ “ጎይታይ ኸይጸምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይመጽእሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ” እናበለት ሕቶ አቕሪባ። ኢየሱስ ከአ ንዘቕረበትሉ ማይ ሕይወት ማይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህባ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጽላ። ኢየሱስ እቲ ንአአ ዘድላያ ነገራት ዘይውዳእ ምንጪ ዘልኦ እዩ፥ ስለዚ ነቲ ዘድላያ ዝነበረ ክልተ ነገራት ቀሪብላ። ንሱ ከምዝፈልጣ ከምትፈልጥ ገርዋ ከም ዝግደሰላ እውን ገሊጽላ። ወላ እኳ ንሳ ብዙሕ አይትፍተዎ ንኹሉ ብዛዕብአ ዝፈልጦ ቀኒዑ እዩ ገሊጹላ። አብቲ ዝገለጸላ ነገራት ከአ አይሁድ ብዛዕባ አበይ መስዋዕቲ ከምዝዓርግ መሰል ይሃልዎም እምበር አብ ነውሕ ጉዕዞ እቲ ዘገድስ አበይ ከምትሰግድ ዘይኮነ ልብኻ አበይ ከምዘሎ እዩ። እዚ ዘገድስ ጆግራፊካዎ ቦታ ዘይኮነ እቲ ብመንፈስን ብሓቅን እተምልኾ እዩ ኢልዋ። ቦታታት አይኮኑን ቅዱሳት እቶም ዝጥቀሙሎም ሰባት እዮም ቅዱሳት።
እዛ ሰበይቲ ካብ ማንም ኃጢአተኛ አብ ዓባይ ተሎጋዊት ተቐይራ አምላኽ አበይ ከምእትረኽቦ ከምኡ እቲ መስሕ ከምዝመጽእ ከም እትአምን ነጊራቶ፥ ኢየሱስ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ማለት ልባ ድለታ ስለ ዝገለጸት ንሱ መን ምዃኑ ገሊጹላ። አምላኽ ነቶም ብልቦም ዝቕበልዎ ክቐርቦም ድላዩ እዩ። ነዛ ማንም ሰበይቲ ንሱ መን ምዃኑ ገሊጽላ ምኽንያቱ ንሱ ጥራሕ እዩ ዘድልያ ነሩ። ንሓኪም ዝደልይዎ ሕሙማት ጥራሕ እዮም። ንኢየሱስ መን ምዃኑ ምስ ፈለጠት ነቲ ዝአመነቶ ንኻልእ ክትነግር ክትሰብኽ ከይዳ።
ንአምላኽ ምስ ረኸብናዮ ቀጺሉ ዝመጽእ ጸጋ ካብ ክፍአትካ ምምላስ እዩ። እዚአ ሳምራዊት ሰበይቲ ብደቂ ዓዳ ፍንፍንቲ እያ ነራ። በቲ ዝነበራ ሕይወት ኩሎም ይጸልእዋ ካብኦም ውጽእቲ ዳርጋ ስቕቕቲ እያ ነራ። ኢየሱስ ምስ እዚአ ሰበይቲ ወላ ሓደ ካብ ደቂ ዓደ ክቐርባ ወይ ክረኽባ ዘይደሊ እንከሎ ንሱ ግን ፈሊጡ ደይመደይ ኢሉ ምስአ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ፥ አብአ ጽምአት አምላኽ ከምዘሎ ርእዩ ቀሪብዋ። ንሳ እውን እዚ አብ ቅድሚአ ዘሎ ሰብአይ አይሁዳዊ ክትዛረቦ ክትቀርቦ አይከበዳን በቲ ዘርአያ ፍቕርን ክብርን ክትቀርቦ አይፈርሓትን፥ ካብቶም መቕርባ ትፈርሕ ትሕባእን ትሃድምን ዝነበረት ነዚ ጓና ግን ክትቀርቦ ወላ ሓንቲ አይተሰመዓን። ንሳ ዘፍቅራ ዘኽብራ ትደሊ ነራ፥ ንሕይወታ ክትዕሪ ጽምአት ነርዋ። እዚ እዩ ናይ ሓደ ተነሳሒ ጉዕዞ ሕይወት ልብኻ ንአምላኽ ክፉት ምግባር። አብ አምላኽ እንተ ቐረብና አባና ተአምራት ይፍጸም፥ ንአና ዝረኸበ ኸአ ንአምላኽ ይረክብ። ሰባት ክረኽቡና ከለዉ መን እዮም ዝረኽቡ አምላኽዶ ወይስ ናይ ባዕለይ ጠባያትን ኩነታትን። ንሕና ካልኦት ክርስቶስ ክንከውን እዩ ዝድለ ዘሎ። ዓለምና ጽምአት ክርስቶስ በርቲዕዋ ምድረበዳ መንፈስን እምነትን እናበርትዐ ከይዱ ብዙሓት ብጽምኢ መገዲ አምላኽን ሓቁን ይሳቐዩ አለዉ፥ ንሕና ዘርዊ ማይ ሓቂ ክነስትዮም ድላይ አምላኽ እዩ። እታ ሰበይቲ ንኢየሱስ ምስ ረኸበቶ እሞ ምስ አመነት ዝገበረቶ ንደቂ ዓዳ ካብቲ ንሳ ዝሰተየቶ ክተስቲ ንዓዲ እናጎየየት ከይዳ።
አብ ዓዳ ዝነበር ጽምኢ ልዕሊ ኹሉ ትፈልጦ ነራ እያ። ንኢየሱስ መን ምዃኑ ምስ ፈለጠት ተቐላጢፋ እያ ንደቂ ዓዳ ክትነግር ዝተጓየየት። እቲ ዘገርም ነገር እዞም ሰባት እቶም ዘዋርድዋን ዘወግናዋን ዝነበሩ እዮም፥ ገሊኦም ተመርዕዮማ ዝነበሩ ገሊኦም ከአ ብዝኾነ አብ ዘይጥዑይ ሕይወት ዝተራኸብዋ ክኾኑ ይክአል እዩ። ዝነበራ ርክብ ብዘየገድስ እቲ ቅቡእ አምላኽ ከምዝመጸ ክትነግር ተጓይያ። ካብኦም ቁሩባት ነቲ ዝበለቶ አሚኖም ነቲ ሰብአይ ክርእዩ መጺኦም። አብ ኢየሱስ ዝመጽኡ ንሳቶም እውን ጽምአት ነርዎም። ንአምላኽ ክፈልጡ ጽምአት ነርዎም። ማይ ሕይወት ከሰትዩ አብኡ መጽኡ እሞ ካብ ጽምኦም ከአ ረወዩ። ንሶም እውን ብአይሁድ ዝተገፍዑን ዝተናዕቁን ስለ ዝነበሩ እቲ መስሕ ክመጽእ እዩ ዝብል ዓቢ ተስፋ እዩ ነሩዎም። ዝዓበየ ነገር ክአ አብ ዔልኦም አብ ዓዶም እዩ መጺእዎም። ካብቲ እሙናት ዘይምዃኖም እቲ ጽምኦም ይዓቢ ነሩ። አብ መጨረሽታ ዝበልዎ ከአ “ንሕና ደጊምስ ባዕላትና ሰሚዕና ደአ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ክርስቶስ መድኅን ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር ብዘረባኺ አይኮናን እንአምን ዘሎና” ኢሎም እዚ ኸአ በቲ ጊዜ አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ ዝነበረ ግጉይ ርድኢት እዩ ዝገልጽ። ነዚ ዝመስል ኢየሱስ ካብ ሞት ምስ ተንሥአ መጀመርያ ዝርአየቶ ማርያም መግደላዊት እያ ሓዋርያት ምስ ነገረቶም አይአመኑን ነገር ሰበይቲ ኮይንዎም። አብ ቅድሚ አምላኽ ግን ሰብአይን ሰበይትን ሓደ እዮም። ድሕነት ንኹልና እዩ ዘድልየና።
አብዚ ብብሩህ እንርእዮ እዛ ሓጢአተኛ ብኹሉ ዘይትፍቶ ዝነበረት ሰበይቲ ንደቂ ዓዳ ንክርስቶስ ከምዝረኽቡ ገራቶም። እቲ ንሳ ዝረኽበቶ ተመክሮ ዓቢ ተመክሮ እዩ ነሩ። እቲ ዓቢ ተምክሮአ ዓቢ ምስክርነት ከምእትህብ ገቢርዋ። ነቶም ህዝቢ አብ ኢየሱስ አብጺሓቶም ካብኡ ብዛዕብአ አይንፈልጥን እዚ ኸአ ተልእኮአ ፈጺማ እያ ንሰባት አብ ኢየሱስ ካብ ምብጻሕ ዝዓቢ የለን።
ነዚ ወንጌል ጊዜ ሂብና ክነስተንትኖ ከሎና ብዙሕ መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ። አብ ዘጽአት 17 እነንብቦ ከምኡ ኢየሱስን እዛ ሳምራዊት ሰበይትን ኩሎም ከምዝጸምኡ ንርኢ። አብ ዓለምና ብዙሓት ዝጸምኡ ሰባት አለዉ። ከምታ ሳምራዊት ሰበይቲ ጽምአት አምላኽ በርቲዕዎም “አበይ እየ ንአምላኽ ዝረኽቦ እናበሉ ይሓቱ አለዉ። ከምዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ነፍስወከፍና አብ ሕይወትና ንጠምት እሞ አብ ሓዲስ ሕይወት ምስ ኢየሱስ ክንጅምር እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ንሕሰብ። አምላኽ አብዚ እዋን ጾም ክንሕደስ ሓዲስ ሕይወት ክንጅምር አብቲ ዘሎናዮ መጺእና አሎ። ክነዕልሎ ጸገምና ክነካፍሎ እሞ መገዲ ድሕነትን ተሓድሶን ክሕብረና ንቕረቦ።
ከም እስራኤላውያንን እታ ሳምራዊት ሰበይትን ጽምአት አሎና። እንታይ እዩ ግን እቲ ጸሚእናዮ ዘሎና። አብ መዓልቲ ጥምቀትና እምነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ተዓዲልና ኢና፥ ግን ነዚ ዝተዓደልናዮ ክነብሮ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ወሲድና ኢልና ሕልናና ንመርምር። ጽምአትና አብ ምውናን ነገራት፥ አብ ሥጋዊ ምቾት ወይ አብ ስልጣን ድዩ ዘሎ? ከመይ እንተ ገበርና እዩ እዚ ኢየሱስ ዝህቦ ናይ ሕይወት ማይ ንጽምአትና ዘርውዮ? ኢየሱስ ምንጪ ናይ ማይ ሕይወት እዩ፥ አብኡ ንቕረብ እሞ፥ ክንሕደስ ምልአት ሕይወት ክንረክብ ኢና።
አብዚ እዋን ጾም ፵ እምብአር አብቲ ዔላ ሕይወትና ንውረድ እሞ ንኢየሱስ ንርከቦ። ንሱ ኸአ ነቲ ማይ ሕይወት ዘይውዳእ ምንጪ ክህበና እዩ። ንሱ ዘይውዳእ ምንጪ አልኦ ምኽንያቱ ካብ ውሽጢ ስለ ዝፍልፍል እሞ ነቲ ጽምእና ጨሪሹ ዘርዊ ክህበና እዩ።
ካልእ አብዚ እዋን ካባና ዝድለ ዘሎ ትብዓት ለቢስና መጀመርያ ንኢየሱስ ክንረኽቦ ድሕሪኡ ብትብዓት ብዛዕባ ክርስቶስ ብሕይወትና ክንምስክር። ፍርሒ ምጥርጣር ካልእ ሰብአዊ ነገራት ክዓግተና አይግባእን። ምእንቲ ሓቅን ርትዕን ኢልና ዕለት ዕለት ደው ክንብል አሎና። ሰብ ሕይወቱ ሓቀኛ ትርጉም ዝለብስ ንመንፈስ ክርስቶስ ምስ ረኽበ ጥራሕ እዩ ንሕና እውን መንፈስ ክርስቶስ ክንረክብ ንጽዓር ምስ ረኸብናዮ ኸአ ብዘይ ስግአት ንመስክሮ።
ንሳምራዊት ሰበይቲ ረኺቡ ሕይወታ ዝቐየረ አምላኽ ሕይወትና እንቕይረሉ ጸግኡን በረኸቱን ይዓድለና።
“ነፍሰይ ጽምአት አምላኽ፥ ነቲ ሕያው አምላኽ አልአ”
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.