2014-03-25 16:24:46

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዝረጋገጽ ሓድነት ንውጥረት የሰንፍ


#Netia_In#http://www.archivioradiovaticana.va/storico/ET2/2014/03/files/audio/ra/00419876.RM#Netia_Fn# እቲ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢይ ዕንቅፋ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምስላም ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገሮም ዘትዮም ስልጣናዊ መሪሕ ቃል ንምቕባል ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ጊኒ ኮናክሪ ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ መሪሕ ቃል ከምዘስመሩሉ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተላ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጊኒ ኮናርክርዪ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳቲ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤማኑኤል ፈለሙን ንኣባላት ብፁዓን ጳጳሳት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ እቲ ብናይ ኮናክርይ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ዝምራሕ ናይ ጳጳሳዊ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኣቢላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊኒ ኰናክሪ ዘሎ ድኽነት ንምብዳሕ እትፍጽሞ ምትሕብባር ጠቒሶም፣ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብዝተፈላለዩ ዓሌታውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ግርጭትን ምስሕሓባትን ይደምይ ከምዘሎን፣ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ማሕበረ ክርስቲያን እውነተይና ናይ ሕይወትን ዕርቅን መጋበርያ ኰይኑ ክርከብ ዝተጸውዔ ከምዝኾነን ገሊጾም ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ውጥረትን ፍልልይን ምስሕሓብን ክኽሰት እንከሎ እቲ ዝኸፍኤ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መሰናኽል ኰይኑ ከምዝርከብን ሓድነት ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ ሓቅነት ወንጌል ንምምስካር ዝከኣል ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን፣ ቅዱስ ኣቦና ሓድነት ንግጭትን ውጥረትን በዳሂ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።
ኣብ ጊኒ ኰናክሪ ዝካይድ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ብዙሕ መሰናኽላት ዘጓንፎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝካየድ ስሉጥ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘይከሓድ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ብፁዓን ጳጳሳት ጊኒ ኰናክሪ ንበይኖም ዘይኮኑስ፣ ኵሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር ልኡካነ ወንጌል ብምዃኑ ዝድገፍ እዩ፣ ስለዚህ ብፁዓን ጳጳሳትን ወሉደ ክህነትን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናን መሰኻኽር ወንጌላዊ ሓጐስ እያቶም። ህልውና ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብታ ሃገር ምስ ወንጌል ቅድው ክኸውንን ዝስበኽ ወንጌል ወንጌላዊ ሕይወት ዘንብር ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ምእመናንን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ልኡካነ ወንጌል ከምዝኾኑ ተኣሚኖም በዚ መንፈስ ማሕበረ ክርስቲያን ከነቓቕሑን ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ኰናክሪ ጉኒ ማሕበረ ክርስቲያን ድማ ኣብዚ ዓይነት ኣገልግሎት ተጸሚዱ ከምዝርከብ ዝተረጋገጸ እዩ፣ ዝወሃቦም መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ዓቢ ግደ ኣለዎ ከምዝበሉ ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ኣባይቲ ስድራ ክድገፉን ብፍላይ ድማ እቲ ከም ኣብነት ዝግለጽ ክርስቲያናዊ ስድራ፣ ብዘይ ላንጋላንጋ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝንብረሉ ክኸውን ኣለዎ፣ ቃልን ተግባርን ዘጣመረ ምስክርነት ጥራሕ እዩ ከእምን ዝኽእል። ዓለማውያን ምእመናንን መንእሰያትን ኣብ ሕብረተሰብ ብቓልን ሕይወትን ኣብሰርቲ ወንጌል ኰይኖም ክርከቡ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና፣ መጋበርያ ዕርቅን ሰላምን ኰይኖም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓበር ዘተ ከነቓቕሑን ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባን ብዙህነት ቅቡል ኰይኑ ኵሉ ኣብ ብዙህነቱ ናይ ርክብ ባህሊ ክነበር ዓቢይ ድገፍ ኰይኖም ክርከቡ እውን ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ስልጣናዊ መልእኽቶም ኣብ ኰናክሪ ጊኒ ዝርከቡ ገዳማውያን ካህናትን ደናግል ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ጸሎቶምን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ዘቕርብዎ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምስክርነት ብፍላይ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ጐድኒ ኰይኖም ዘቕርብዎ መደብ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዝነኣድ ከምዝኾነን፣ ዋሕዲ ካህናትን ደናግልን ከምዘሎን እዚ ድማ ነቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ዘደናጕይ ከምዝኾነን ገሊጾም ብፁዓን ጳጳሳት ኣቦታትን የዕሩኽ ካህናቶምን ደናግልን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኰይኖም ነቲ እሙን ወንጌል ተንበርኪዀም ተኣማንነቱ ብምምስካር መንፈሳዊ መስሕብ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ተመሪቑ ኣገልግሎቱ ዝጀመረ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሰምየ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ጠቒሶም እቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ከምቲ መጸውዒኡ ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ መንፈሳውነትን ስነ ባህልን ጸሎትን መንበረ ጥበብ ኰይኑ ከገልግል ሓደራ ቢሎም ቤተ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ንጽሕና ምንባር ዘለዎ ሓጐስ መሰኻኽር ኰይኖም ክርከቡን ዓለማውያን ህርፋን ስልጣንን ከቃወሙንን ካህናት ክህነታዊ ጸዋዕታ ናይ ስልጣን መሳልል ወይ ድማ መጋበርያ መዳይቦ ማሕበራዊ ከምዘይኰነ ተረዲኦም ምግልጋል ማለት ምዃኑን ነዚ ክነብሩን ዝተጸውዑ እያቶም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኰይላኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.