2014-03-22 16:00:25

ሱታፌ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ ዋዜማ ምእንቲ ዝኽሪ ግዳይ ናይ ገበን ጉጅለታት


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ካብ 1996 ዓ.ም. ንነጀው ኣትሒዙ እቲ “Libera-ሓርር” እተሰምየ ብኣባል ማሕበር ኰምቦናውያን ኣባ ቾቲ ዝተመስረተ ሕዝቢ ኣብ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ውሳኔ ክጸንዕን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ናይ ገበን ጉጅለታት ክቃወም ዝሓንጽን መንግሥታት እውን ኣብ ውሳኔ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ጸኒዖም ከገልግሉ ዘተባብዕ ናጻ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዘበገሶ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ዝኽሪ ግዳይ ናይ ገበን ጉጅለታት ናይ ጸሎት ዋዜማ መደብ መሰረት ዕለት 21 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ናይ ለብዘበን ስነ ስርዓት ጸሎት ዋዜማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መበል 19 መደብ ጸሎት ዋዜማ ዕለት 21 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ቍምስና ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ሻብዓይ ድሕር ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ካብ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ጀሚሩ ከምእተኻየደን ኣብ ኢጣሊያ ብኢድ ማፊያ ብዝተፈጸመ ቅትለት ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ከምእተተንከፉን እቲ መበል 19 ዝኽሪ ግዳይ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ላቲና በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ መላእ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ መንእሰያትን ብኢድ ማፊያ ደቃቶምን ክቡራቶም የዕሩኽቶምን ኣዝማዶምን ብቐረባ ዝፈልጥዎምን ዝሰኣኑን ተራ ዜጋታት ብዝሳተፍሉ መደብ ጸሎትን ዓውደ ምጽናዕትን ጸረ ናይ ገበን ጉጅለ ምርኢትን ሕግን ሕጋውነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ መደባት እውን ከምእተኻየደ ነቲ ኣብ ላቲና ዝተኻየደ መደብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ሓቢሮም።
ናይ ማሕበር ሊበራ መስራትን ሊቀ መንበርን ኣባ ልዊጂ ቾቲ ድሕሪ እት ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ዋዜማ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ናይ ዋዜማ ጸሎት ምእንቲ ዝኽሪ ግዳያት ማፍያን ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣብ ናይ ጽሞና ጸሎትን ኣስተንትኖን ዘማእከለ ኰይኑ ኣብ ወቕቲ ኣየት ክካይድ ዝምረጸሉ ድማ ሓድሽ ተስፋን ሓድሽ ሕይወትን ሓድሽ ጽድያ ንምትስፋውን እዩ። ስለዚህ ጽድያ ኣብ ህዳሴን ጽድያ ኣብ ምልዋጥን ጽድያ ሕጋውነትን ሕጊ ኣብ ምኽባርን ዜጋታት ንምንቕቓሕን እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ድማ ክልወጡን ሕይወቶም ክሕድሱን ኣብ ጽድያ ወቕቲ ህላዌ ከምርሑ ዝብልን ከምኡ እውን እቶም ብገበን ጉጅለታትን ማፍያን ወለዶምን ብጻዮምን ውሉዶምን ዘመድን ሓውን ሓፍትን ዝሰኣኑ ስድራ ኣባይቲ ብሓባር ተራኺቦም ክጸናንዑን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ናይ ጸሎት ዋዜማ ክሳተፉ ምስ ዓደምናዮም ሕራይ እዮም ዝበሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ገና ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉን ሎሚ እውን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ እውን ኣብ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታትን መደባት ዝሳተፉን ኵሉ ክልወጥን ምእንቲ ድኻታትን ሕዙናትን ዝተናዕቁን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ንዝነብሩን ኣገልግሎት ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ክፍጸም ብምትብባዕ ባዕሎም ቀዳማይ ዝስርዑ ኣገልጋሊ ምዃኖም እንርእዮ እዩ፣ ሕሊን ኵሉ ክነቓቓሕን ወንጌል ቃል ኣምላኽ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለ ከምዝዀነ ንምቅላሕን ኩሉ ክልወጥ ኣብ ፍቕሪ ክኣምን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሓንጹ እዮም።
ናይ ገበን ጉጅለታትን ማፍያን ናይ ሞት ባህል ዘስፍሑን ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ዘተኣታትዉን ክብሪ ናይ ሕይወት ዝግህሱን እያቶም ስለዚህ እቲ ተግባሮም ብባህርይኡ ጸረ ወንጌል እዩ። ነቲ ናይ ጸረ ወንጌል ተግባሮም ብወንጌላዊ ሕይወት ምቅዋም ቀዳማይ ሓይሊ እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ክምስክሩን ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ጸረ ሕይወት ተግባር አደዳ ዝኾኑ ስድራ ኣባይቲ ሕዙናት ዘጸናንዕ ኣብ እምነት ዘጽንዕ ጽልኢ ዘይኰነ ናይ ሕይወት ባህልን ወንጌላዊ ሓጐስን ምዃኑ ክምስከር ከምዘለዎ ኣብ እምነት ከጽንዑ እዮም ተረኺቦም ቢሎም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.