2014-03-22 16:03:04

ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ፦ ናይ ሓባር ናይ ካቶካውያንን ኦርቶዶክስን ዓውደ መጽናዕቲ


RealAudioMP3 ዕለት 21 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ሕንጻ ማሕበርሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብ ናይ ዝስውዕ ፍቕሪ ጎዳና ዝግበር ምትሕብባር ንምሕያልን እቲ ምትሕብባር ብዑምቀት ንምርዳእ ዝድግፍ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ ሓቢረን።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ሞስኮን ኪየቭን ዝተዋጽኡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ፓትሪያርካትን ከምእተሳተፉ ራጎስታ ገሊጸን፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቁስጥንጥንያ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ መላእ ዓለም ናይ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ንምክያድ ኣብ እትቀራረበሉ እዋን ኣብዚ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕቲ ምስታፈን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ከምዝኾነ እክምልከት፣ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብ ጎዳና ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምትሕብባር ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመርኵይዞም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ጁቨናሊጅ ኣብ ሞስኮ ፓትሪያርክ፦ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ማለት ሰናይ ተግባር ኣብ ሊጡርጊያ ዝተሰረተን ክርስትያናዊ ሊጡርጊያ ምሉእ ዝገብር እዩ። ስለዚህ እዚ ግብረ ሰናይ ኣብ ኤኮኖምን ሕብረሰብን ክሰርጽ ናይ ክርስቲያን ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ምስክርነት ዝስዋዕ ፍቅሪ ኣገዳሲ እዩ” ዝብል ደጋጊሞም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ሓሳብ ከምዘስመርሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራጎስታ ሓቢረን።
ናይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ መስራቲ ኣድረያ ሪካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ወንጌላውን ክርስቲያናውን ፍቅሪ ደጋጊሞ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝበልዎ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ኣብቲ ዝተናዕቁን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ኣብ ዝነብሩ ዜጋታትን ኣብ ናይ ህላዌ ደጋዊ ክፍሊ ብቓልን ሕይወትን ዝምስከር ክኸውን ከምዘለዎን ብዝተፈላለየ ጸገም መከራን ተገዲዱ ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሉ ዝነብር ቀረባ ምዃን ወሳኒ እዩ፣ ተረሲዑ ዝነብር ዜጋ ክህሉ እንከሎ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረሰብ ከምዝሓመመ እዩ ዘመልክት፣ ነዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ነቶም ተረሲዖም ዝነብሩ ቀረባ ንዅን ዝብሉን። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያን ብሓባር ናይ ሕይወት ማእከል ተቛማት ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ክፍለ ህላዌን ብምቛም እቲ ዘይፍሉጥን ተረሲዑን ዝነብር ዜጋ ካብቲ ምርሳዕን ዘይፍሉጥነትን ክናገፍ ዝድግፍ ምዃኑን ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምትሕብባር ዘእምን ወንጌል ምስባኽ ማለት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሮማ ከተማ ፍሮዚኖነ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮጆ ሰፕረኣፊኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ድኻታትን ትሑታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓለፋ ዘለዎም ዜጋታት ምዃኖም ተነጺሩ እዩ። ነዚ ሓቂ ምቕያር ዘይከኣል እዩ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድኻታት ሓላፋ ዘለዎም ጥራሕ ዘይኮኑስ እቲ ፍጥረት ሰብ ከድሕን ቢሉ ዝተሰብኤ እግዚኣብሔር ድኻ ምዃን ዝመረጸን ብድኽነት ዝመጸን ፍጹም ድኽነት ለቢሱ ከምዝመጸ እዩ ዝግለጽ፣ ስለዝ ባዕሉ ብፍጹም ድኽነት ብኢየሱስ ተገሊጹ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ድኻ ከምዝኾነን ድሕነት ከምዘድልዮን ይገልጽ፣ እቲ ዝገደደን ዝኸፍኤን ድኽነት ናይ ገዛእ ርእስኻ መድሕን ገርካ ገዛእ ርእስኻ ምሕሳብ እዩ። ምድሓን ከምዘድልየናን ብኢየሱስ ዝደሓንና ምዃንና እንምስክሮ ሓቂ ነቶም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሰም መከራ ንዝርከቡን ቀረባ ብምዃን እዩ፣ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ድማ ነዚ እዩ ዘስመረሉ ኢሎም።
ኣብ ሞስኮ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ኦረኮቮ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፓንታለዥሞን ብወገኖም ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ምሕረት መንፈሳዊ መሠረታዊ መርገጺ የድልዮ። ስለዚህ ምዃን ደላይ ምሕረት ባህርይ ሰብ እዩ፣ እዚ ደላይ ምሕረት ባህርይ መንፈሳዊ መረገጺ እንተድኣ ዘይረኸበ ነቲ ምሕረት ኣብ ዘይግቡኡ ቦታን ኣብ ዘይርከበሉ ስፍራ ምድላይ እዩ ዝኸውን፣ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ድህረ ክርስትና እዩ፣ ክርስቶስ ግን ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ ክርስትና ድማ ነዚ ሓቂ እዩ ክምስክር ዘለዎ ቢሎም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ሓሳብ’ዚ እውን ከምዘቃልሔ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.