2014-03-11 17:32:18

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ናብ ደቡብ ኮርያ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት 14 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ናብ ደቡብ ኮርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝገብሩን አብ ዝሓለፈ ዘመን ብሰማዕትነት ናይ ዝሞቱ ክርስትያን ሥር ዓተ ብፅ ዕና ከምዝፍጽሙን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣ እዚ አጋጣሚ እዚ ናይ አህጉር ኤሽያ ናይ መንእሰያት ዕለት ንሻድሻይ ግዜኡ አብ ሰብኻ ዳየጆን ዝዝከረሉ እውን ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ፣
ቅዱስነቶም ነዙይ አህጉር እዚ ብፍሉይ ከምዝጥምትዎን ክበጽሕዎ ብርቱዕ ሃረርታ ከምዝነበሮምን አብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዓለም ለኸ ዕለተ መን እሰያት አብ ብራዚል አኽቢሮም እንክምለሱ ንጋዜጠኛታት “ናብ አህጉር ኤስያ ግድን ክኽ የድ አሎዎ፣ ምኽንያት ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ክኸዱ ነርዎም ግን ግዜ አይረኸቡን፣ እዚ አድላዪ ኢዩ” እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ፣ ሽሕ’ኳ እዚ ድፍ ኢት እዚ ካብቲ ናብ ወሰን ንዝርከብ ክጓስዩ ዘለዎም ድላይ ዝነቅል እንተኾነ ናይ ሎሚ 15 ዓመት ይኸውን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብቲ ቤተ ክርስትያን አብ ኤስያ ዝብል ሓዋርያዊ ምዕዳኖም “ናይ ቀዳማይ ሚለንየም ወይ ቀዳሞት ዓሰርተ ዘመናት መስቀል አብ ኤውሮጳ ከማኡውን አብ ካል አይ ሚለየም አብ አመሪካን አፍሪቃን ተተኺሉ ብዙሕ ፍረ ዝፈረየ አብ ሳልሳይ ሚለንየም ከአ አብዚ ሰፊሕን ፉሕፉሕ ዝብልን አህጉር እዚ ተተኺሉ ብዙህ ምህርቲ እምነት ከምዝሕፈስ ብ ዓል ዓቢ ተስፋ ኢየ” ቢሎም ነሮም፣ እዞም አብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቃን ናይ ዘሎ ግዜ ቅድስናኦም ንም እዋጅ ንሸባሸብ ዘሎና ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አብ ወርሒ ሚያዝያ 1984 ከማኡ እውን አብ ወርሒ ጥቅምቲ 1989 ናብ አህጉር ኤስያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ፣ ስለዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይቲ ናይ ቅድሚ 25 ዓመት አሰር ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምኽታል ኢዮም ነዙይ ንዝመጽ እ ወርሒ ነሓሰ ክገብርዎ ሓሲቦሞ ዘለው ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገብሩ ዘሎው፣
ዕለት 13 ጥሪ 2014 ዓም ንቅድስት መንበር ናይ ዝተመዘዙ አካላት ዲፕሎማሲ ረኺቦም አብ ዘዘራረቡሉ አብ መንጎ ቅድስት መንበርን ኮርያን ንዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ አመልኪቶም ከምዚ ቢሎም ነሮም፣
“ምስ ሪፓብሊክ ኮርያ ናይ ዘሎና ዲፕሎማስያዊ ርክብ መበል 50 ዓመት እንክዝክር እግዚአብሔር ነዛ ደሴት እዚአ መንፈስ ዕርቂ ክልግሰላ እልምን ንሠናይ ናይ ኩሎም ኮርያውያን ከአ ኩሎም ወገና መራኸቢ ነጥብታት ብምንዳይን ዝከአል ዘበለ መፍትሒታት ብምርካብን ከይሰልከዩ ዝተኻእሎም ከበርክቱ ንክጽ ዕሩ እምንሕጸን፣ ከምሓቁ እኳ አህጉር ኤስያ አብ መንጎ እቶም አቍሞማ ዘለው ዝተፈላለዩ ሲቭላውን ኤትኒካውን ሃይማኖታውን ተቅዋማት ብሰላም ናይ ምንባር ነዊሕ ታሪኽ አለዋ ቢሎም ነሮም፣
ስለዚ ነዛ ን50 ዓመት አብ ዝሑል ኵናት ተጸሚዳ ትርከብ ዘላ ሃገር እንክበጽሑ ነቲ ናይ አህጉሩ ዓለምለኸ ዕለተ መን እሰያት ክሳተፉን እንክኸውን ናይቶም አብ መንጎ 1791ን 1888 ብጽልኢ እምነት ሰማዕትነት ዝተቀበሉ አገልጋሊ እግዚአብሔር ፓውሎ ዩን ጂ ቹንግን 123 ብጾቱን ከአ ሥር ዓተ ብፅ ዕና ክፍጽሙሎም እዮም፣ ነቲ አዋጅ ናይ ብፅ ዕናኦም ወርሒ ይገብር ባዕሎም ፈሪሞሞ፣ እዚ ዜና እዚ ምስ ተሰም ኤ ናይ ሰውል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንድሪው ዮም ሱ ጁንግ ቡኡ ንቡኡ ናይ ምስጋና ደብዳቤ ከምዝጸሓፉን “ንመ ን እሰያት ኤስያ ከማኡ እውን ንም እመናን ኤስያ ብምዝካሮምን ነዙይ ክንድዙይ ነዊሕ ጕዕዞ ክገብሩ ብምውሳንኩምን ብልቢ አመስግን” እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹ እውን ተመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.