2014-03-03 13:17:59

ሓለዋ ጾመ ኣርብዓ - 2014 “ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ፣ ወንትፋቀር በበይናቲነ”


RealAudioMP3 ብኸዩ፣ኣቱም ኣገልገልቲ መሠውዒ ዋይዋይ በሉ፦ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፣ ንዑ፦ ከሊ (ወጮ) ተኸዲንኩም ኣብ ቤት መቕደስ ኅደሩ፣ ጾም ኣውጁ፣ ኣኼባ ጸውዑ።” (ትንቢት ኢዩኤል፡1፡13-14)፣
ክቡራትን ፍቁራትን ሕዝበ ክርስቲያን፤ነዚ ብነቢያትን ብሓዋርያትን ዝተነግረ፦ ሎሚ’ውን ብቤተክርስቲያን ዝድገመልናን ዚእወጀልናን ዘሎ፡ ኅሩይን ቅዱስን ወርሓት ጾመ ኣርብዓ፤ ኣእዛን ልብና ከፊትና ጽን ኢልና ንስምዓዮ። ሓዋርያ፡ “ብምሽእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ…እንሆ እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፤ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ” ከም ዝበለ (1ቆሮ.6፡ 2)፣ እንሆ እቲ ንድኅነትና እንሰርሓሉን፣ ጸጋ ድኅነት እንሓፍሰሉን፤ ጊዜ ጾመን፣ ጸሎትን፣ ጊዜ ሠናይ ተግባርን ምጽዋትን፣ ጊዜ ንስሓን ምሕረትን፣ ጊዜ ዕርቅን ሰላምን ዝኾነ፤ ቅዱስ ጾመ ኣርብዓ ይውሃበና ኣሎ።
ብሓጐስ ንቀበሎ። “ንሱ ብግርማ ኺግለጽ ከሎ ኣዝዩ ባህ ኪብለኩም እዩ እሞ ኣብ ሥቓይ ክረስቶስ ክትካፈሉ ከሎኹም ተሓጐሱ፣” (1ጴጥ.4፡13)። ትርጉም ጾመ ኣርብዓ፣ካብ ፍትወታትን ምድራዊ ባህግታትን ደስታታትን፡ንስጋኻ ብጾም እናገታእካ፤ኣብ ጸሎትን፣ ሠናይ ተግባርን ተጸሚድካ፤ኣብ ሕማማት ክርስቶስ እናተሳተፍካ፤ ናይ ትንሣኤ ክብርን ታሕጓስን ምጽባይን ምክፋልን እዩ።
“ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ረዓድን ታሕጓስን ተገዝእዎ፣ንሱ ምሕረቱ ንዘለዓለም፡ ጽድቁ ኸኣ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዚነብር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ብምስጋና፣ ኣብ ውሽጢ መቕደሱ ድማ ብኽብርን ስብሓትን ወድስዎ። ጾም ንጹም ብጾትና ድማ ነፍቅር፣ንሓድሕድና ኸኣ ንፋቐር።ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ፣ስሙ ድማ ጸውዑ፣ንዅሎም ኣሕዛብ ከኣ ሠናይ ተግባራቱ ኣዘንትዉ። ሰንበት ኣኽብሩ፡ ጽድቂ ድማ ግበሩ።መዝገብኩም ኣብ ሰማያት ጻጸን ቁንቁነን (ባልዕ) ኣብ ዘይበልዖ፣ ሰራቒውን ኣብ ዘይረኽቦ ኣንብሩ። ኵሉ ሓሳብኩምን ድላይኩምን ከኣ ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ፡ ኣብ ሰማይ ይኹን። (መጽሓፈ ድጓ፤ መዝሙር ዘቅድስት)።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ንምትግባር፤ ብንቕሓትን ትግሃትን ኣብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ብምስታፍ፣ ሥጋሁ ወደሙ እናተመገብና፣ ጸሎት መቚጸሪያ እናደገምና፣ ብፍላይ ከኣ ፍኖተ መስቀል እናዘውተርና፤ነቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትናን ስራሕናን ዚገጥመና ስቓይን መስቀልን፣ ንሕማማት ክርስቶስ እናዘከርና፡ብትዕግስቲ ክንጾሮን፤ንኻሕሳ ሓጢኣትና ክነወፍዮን፤ ከምኡውን ንዘጥረናዮ ሕማቕ ልማዳትን ጕድልነታትን ክንኣልን፣ኣብ ምስጢረ ንስሓ ክንጐዪን ይግባእ።
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ እዩ... ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኮነስ ብቕድስና ክነብር እዩ ጸዊዕና፣” (1ተሰ.4፡37)። “ጾም ትፌውስ ቊስለ ሥጋ ወነፍ፤” ጾም ቊስሊ ሥጋን ነፍስን ትፍውስ። “ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ ከም ዝጾምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር ንሰብ ምእንቲ ኸይተርኢ ርእስኻ ቅባእ፣ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ።” (ማቴ.6፡17-18)። ጾምና እግዚኣብሔር ዚፈልጦን ዚርእዮን ጥራሕ ኪኸውን ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ።ሰብ ዝረኣዮ በነነ፣ እግዚኣብሔር ዝረኣዮ ሰሰነ። ጾምና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተቐባልነት ዚረክብ፤ምእንቲ እግዚኣብሔርን ንእግዚኣብሔርን ኢልና ብስዉር እንተገበርናዮ ጥራይ እዩ። ሰብ ኪፈልጠልና፣ ካብ ሰብ ናእዳን ውዳሴ ከንቱን ንጽበ እንተ ደኣ ኮይና፤ ዓስብና ሕሉፍ እዩ። ድሮ ተቐቢልናዮ ኢና፣ ካልእ እንጽበዮ የብልናን።
እዚ ክብል ከሎኹ ግን ኣይትጹሙ ማለት ዘይኮነስ፤ሰብ ክርእየኒ ሰብ ኪፈልጠለይ ኢልካ
ኣይትጹም ማለት እዩ። ጾምናኸስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ምእንቲ ኪኸውን፥ ከምቲ ብኣፍ ሳይያስ ነቢይ ገቢሩ፤ “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዚስዕብ እዩ። ንማእሰር እከይ ምፍታሕ፤ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፤ ንጥቁዓት ምውጻእ ሕራ፤ኣርዑት ባፍርነት ዘበለ ኩሉ ምስባር፤ እጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል፤ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል፤ ዕሩቕ እንተ ርኤኹም ምኽዳን፤ ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእ እዩ።...ንዕቀት ምውጥዋጥ ኣጻብዕን፣ ንሕማቕ ዘረባን ካብ ማእከልኩም እንተ ኣርሓቕኩም፣ ብርሃነይ ከም ፀሓይ ንግሆ ኾይኑ ኼብርሃልኩም፤ ምሕዋይኩም ቀልጢፉ ኪመጽእ፤ ጽድቀይ ቀቅድሜኹም ኪኸይድ፤ ክብረይ ድማ ደጀንኩም ኪኸውን እዩ፣ ሽዑ ኽትጽውዑኒ፤ ኣነ ኸኣ ኽምልሰልኩም፤ ከተእውዩ፤ ኣነ ድማ እኔኹ ክብለኩም እየ፤” (ኢሳ.59፡6-9)፣ ንዚብለና እንተ ሰማዕናን እንተገበርናን ጥራይ እዩ።
ኢየሱስ ወንጌል ከበሥርን፤ ቃል ሃይማኖት ኬስተምህርን፤ ድላይ እግዚኣብሔር ኪገልጽን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፤ ካብ መሥዋዕትስ ምጽዋት ክተቕርቡለይ ደስ ይብለኒ፤ ቢሉ ተዛረበ፣ መሥዋዕትን ምጽዋትን ደቂ ሰባት ንእግዚእብሔር ዜቕርብዎ፦ክቡርን፣ ምስጉንን፣ ልዑልን ህያብ እዩ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ክልቲኡ ጽቡቕ ክነሱ፣ካብ ክልቲኡ ሓደ ይመርጽ እሞ፡ምጽዋት ይሕሸኒ ይብል። ምጽዋት እንታይ እዩ፧ መሥዋዕቲኸ እንታይ እዩ፧
ምጽዋት እንብሎ፤ እቲ ንኀውናን ንኀብትናን እንልግሶ ግዙፍን መንፈሳውን ዘጠቓለለ፤ ኩሉ ግብረ ሠናይ ዘበለ እዩ። ወንጌል ነዚ ኣመልኪቱ፤ “ከምኡ ኸኣ ነቲ ሠናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” (ማቴ.5፡16) እናበለ፣ ናይ ምጽዋት ብልጫን፡ ክብርን፡ ኣድላይነትን ይገልጸልና፣ መሥዋዕት እንብሎ ኸኣ እቲ ካብ ፍርያት ምድርን ካብ ሕሩድን ብቐጥታ ንእግዚኣብሔር እነቕርቦን፤እቲ ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ብጸሎትን፣ በስተንትኖን፣ ብጾምን… ንእግዚኣብሔር እነቕርቦን ነገራት የመልክት።
እግዚኣብሔር ካብ መሥዋዕቲ ክተቕርቡለይ ምጽዋት ክተቕርቡለይ ይሕሸኒ ኪብል እከሎ፤ ካብቲ ብቐጥታ ንኣኡ እንገብሮ፤ንሓደ ኀውና ወይ ንሓንቲ ኃብትና ብእንገብሮ ሠናይ ህያብ ኣዝዩ ይሕጐስ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ፤ “እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣኅዋተይ ዝገበርኩምዎ፤ንኣይ ከም ዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ.25።40)፣ እናበለ፣ ነቶም ዘይብሎም ምክፋል፣ ንእኡ ምሃብ ከምዃኑ፤ ኣብሪሁ ዚገልጸልና፣
ጀሚርናዮ ዘሎና ቅዱስ ጾመ ኣርብዓ። በዘን ሠለስተ መንፈሳውያን ኃይላት፤ ማለት ብጾምን፣ ጸሎትን፣ ምጽዋት ምምጽዋትን ኣወሃሂድና ክንጸውም፤ ቤተክርስቲያን ትእዝዘናን ተተባብዓናን ኣላ። ካብ ምንታይን፡ ብኸመይን ክንጸውም ከምዘሎና፣ ትርጉም ጾምን ኣፈጻጽማኡን ኣቕድም ኣቢልና ገሊጽናዮ። ካብኡ ዘይፍለ፣ ምስኡ ተኣሳሲሩን ሓቢሩን ዚኸይድ መቛርንቲ ጾም፡ ጸሎት እዩ።
ጸሎት፡ ልብኻን ኣእምሮኻን ኣልዒልካ፣ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኻ እግዚኣብሔር ምዝራብ ማለት እዩ።ነዚ ኸኣ፡ ወይ ብግሊ ማዕጾ ገዛና ዓጺና፣ ወይ ድማ ብሓደ ልብን ሓሳብን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና፣ ብምስጋናን ብኣምልኾን ንገልጾ።እወ ጸሎት ምስ ሓደ ኣካል ምዝራብ እዩ እንድሕሪ ኢልና፤ ኣብ ዘረባ ኵሉ ሳዕ ምዝራብን ምስማዕን ኣሎ፤ ሓደ ኪዛረብ እንከሎ፣ እቲ ሓደ ይሰምዕ፣ እቲ ሓደ ኪሰምዕ እንከሎ ኸኣ እቲ ሓደ ይምልስ። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ኣብሮዝዮስ፤ “ንሕና ክንጽሊ እንከሎና፣ እግዚኣብሔር ኣቦና ጽን ኢሉ ይሰምዓና፣ ንሕና ቃሉ ክነንብብ እንከሎና ኸኣ፣ ንሱ ይዛረበና ንሕና ኸኣ ጽን ኢልና ንሰምዖ፣” ዚብለና። ምእንትዚ ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን፤ በዚ ክቡር ጊዜ ጸም ኣርብዓ ኣብ ንባብ ቃል እግዚኣብሔር ብዕቱብ ንጸመድ። ቃሉ ነንብብ። ብቓሉ ንመገብ። ከምይ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ቃል እምበር፣ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ።” (ማቴ.4፡4)። ነቲ “መንገድን፡ ሓቅን፡ሒይወትን” ዝኾነ ኢየሱስ ክንፈልጦ እንተ ደሊና፣ የግዲ ቃሉ ክነንብብ ኣሎና። ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጅሮም ዝብሎ፤ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጥ፣ ንክርስቶስ ኣይፈልጦን እዩ።” እምበኣር በዚ ኽልቲ መልክዕ ንጸሊ፤ እናጸለና ምስኡ ንዛረብ፣ ቃሉ እናንበብና ኸኣ ጽን ኢልና ንስማዓዮ።
እዚ ዘይፈላለ ኽልተ መቛርንቲ፣ ጾምን ጸሎትን ድሕሪ ርኢና፤ ሕጂ ኸኣ እቲ ምስኡ ሓቢሩ ዚኸይድ፣ ትርጉም ዚህቦን፣ ጨውን ቅመምን ኮይኑ ዜመቅሮን ዜጥዕሞን ብዛዕባ ምጽዋት ክነስተንትን። “ከምቲ ገሃጽ ንዚብል ሓዊ፡ ማይ ዜጥፍኦ፤ንድኻ ምምጽዋት ኸኣ፡ ንኃጢኣት የጥፍኦ። ምጽዋት ብምሃብ፡ ሠናይ ግብሪ ኣብ መዝገብካ ኣክብ፤ ካብ ኵሉ ዓይነት ጥፍኣት ድማ ኬድኅነካ እዩ፣” (ሲራ.3፡30፤29፡12)። “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቕድሚ ኹሉ ንሓድሕድኩም ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ” (1ጴጥ.4፡8)። ኃጢኣትና ክድምሰሰልናን፤ ነቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ሰላም ረኸብና፡ ኣእምሮና ኪዓርፍን፣ ልብና ኪሃድእን፤ካብቲ ዘሎና ነቶም ዘይብሎም ኣኅዋትናን ኣኃትናን ነካፍል። “ኃው ወይ ኃብቲ እንተ ዓረቑ፤ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፤ እሞ ሓደ ካባኻትኩም ንሥጋኦም ዜድሊ ከይሃበ “ብሰላም ኪዱ፤ ሙቑ፤ ጽገቡ፤ እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም፧” ከምኡ ድማ። “እምነት ምግባር እንተ ዘይብላስ ንርእሳ ምውትቲ እያ፣” (ያዕ.2፡15-17)። “ግናኸ ዝኮነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘአዎ እሞ፣ ኃዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ፤ ከመይ ኢሉ ደኣ ንኣምላኽ ኣፍቅር እየ ኺብል ይኽእል፧ ኣቱም ደቀየ፤ ብግብርን ብሓቅን እምበር፤ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።” (1ዮሓ.3፡17-18)። ነዚ ዘይልወጥ ቃል ሓቂ ብምስትውዓል ሰሚዕና፤ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዓልናዮ፤ ነቲ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፤ እቲ ዓለም ኪፍጠር ከሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ኽትወርሱ ንዑ፣ ምኽንያቱ ኸኣ ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፤ ጸሚአ ኣስቲኹምኒ፤ ጋሻ ኾይነ መጺአ ተቐቢልኩምኒ፣ዓሪቐ ከዲንኩምኒ…፣” ዚብል ናይ ዓወት ቃል ክንሰምዕ ኢና።ኣብቲ “ዓይኒ ዘይረኣየቶ፣ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፣ ልቢሰብ ዘይሓለኖ፣ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዜዳለዎ” (1ቆሮ.2፡9)፣ መንግሥቱ ኸኣ ንዘለዓለም ክንሕጐስን ክንዝምርን ኢና። ሰሚዕና እንተ ዘይፈጸምናዮ ኸኣ፤ “ኣንቱም ርጉማት፤ ካባይ ርሒቕኩም ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ ኺዱ፣ ምኽንያቱ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን፤ጸሚኤ ኣየሰተኹምንን፤ጋሻ ኮይነ ኣይተቐበልኩምንን፤ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን…፣” (ማቴ. 25።41-43) ዚብል እግባይ ዘይብሃለሉ፤ ናይ ተስፋ ቁርጸት ቃል ክንሰምዕ ኢና። እዚ ኸይኸውን፣ ሕጂ ጊዜ እንከሎና፣ ብፍላይ በዚ ወርሓት ጾመ ኣርብዓ፤ ሓዋርያ ጳውሎስ፤ “ንኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መሥዋዕቲ እዩ ዜሓጕሶ እሞ ሠናይ ምግባርን ዘሎኩም ምስ ካልኦት ምምቓልን ኣይትርረስዑ።” (ዕብ.13፡16) ንዚብል ማዕዳ ብምስትውዓል ጽን ኢልና ንስማዕን ንተግብርን። ምጽዋት ክንብል እንከሎና ብገርሂ ዝመጸና ሓሳባት፤ ሓደ ዚውሃብ ዝግዙፍ ነገር እዩ። ምጽዋት እንብሎ ብሰፊሑ ኪርአ እንከሎ፤ንብጻይና ዚጠቅምን ዚሓጉስን ዘበለ፤ብነጻ እንልግሶ ኩሉ መንፈሳውን ንዋታውን ዜጠቓልል፤ ጊዜና፣ ጒልበትና፣ ፍቕርና፣ እምነትና፣ ይቕሬታና፣ ትዕግስትና…ወዘተ እዩ። ጴጥሮስ፡ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ግናኸ እቲ ዘሎኒ ክህበካ፥ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተንሥእ” (ግሓ.3፡6)። እቲ ንዓመታት መልቢሱ ዝተዀረመየ ሰብኣይ፣ ብዘን ቃላት እዚኣተን ተፈዊሱ፡ ተንሢኡ ብእግሩ ከይዱ። ጴጥሮስ ወርቅን ብሩርን ኣይነበሮን፣ ግን እቲ ካብ ወርቅን ብሩርን ዚበልጽ እምነቱ ሂቡ። ኢየሱስ እቲ ኩሉ ዘለዎን ዚኾኖን፣ እታ ክብርቲ ሕይወቱ ከይበቐቐ፡ ንደቂ ሰባት ኣወፍዩዋ መጽዊትዋ፣ በዚ ኸኣ እቲ ዝለዓለ ክብሪ ጨቢጡ፤ ንሰማያዊ ኣቡኡ ኣኽቢሩ፣ ንደቂ ሰባት ከኣ ኣድኂኑ።
ንሕና ነቲ ዘሎና ምስቶም ዘይብሎም ክንካፈል እንከሎና፤ ካብዚ ሓሊፍናውን፤ ንርእስና ምእንቲ ካልኦት ክነወፊ እንከሎና፤ ሽዑ ጥራይ ኢና እንሕጐስን እንዓግብን፣ ጣዕሚ ናይ ሕይወትውን እነስተማቕርን። ከመይ ታሕጓስ ምሥጢር ክርስትና ኣብ ምሃብን ኣብ ምውፋይን እዩ ዚርከብ፣ በዚ ኸኣ እዩ፡ ቅዱስ መጽሓፍ “ካብቲ ዚቕበል፣ እቲ ዚህብ ኣዝዩ ይሕጐስ ዚብለና።” (ግሓ.20፡35)። ሰማያዊ ኣቦና ኩሉ ዘለዎን፣ ኩሉ ዚህብን ለጋስን መሓርን እዩሞ፤ ንሕና ደቁውን ለጋሳት ንኹን ኩሉ ኸኣ ኪህበና እዩ።
አባ ሙሴ ተስፋዮውሐንስ ሲታዊ








All the contents on this site are copyrighted ©.