2014-02-27 19:06:08

መጽሓፈ ቀንዲል ንሕሙማት ኃይልን ተስፋን ስለዝህቦም ክንፈርሆ የልብናን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ብዛዕባ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ዝጀምርዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ብዛዕባ ምሥጢረ ቀንዲል “መጽሓፈ ቀንዲል ንሕሙማት ኃይልን ተስፋን ስለዝህቦም ክንፈርሆ የልብናን፣” እንክብሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያኑ ነቶም ብናይ ነፍስን ሥጋን ጸገም ዝሳቀዩ ክትረድእ ሥልጣን ከምዝሃባ አዘኻኺሮም፣ አብዚ ክንጥቀቀሉ ዘሎና ምሥጢራት ቤተ ክርስትያን ብኡ ንብኡ ተአምርን መስተንክርን ዝፍጸመሎም ተግባራት ቈጺርና ናይ ምሕዋይን ካልእ ተአምራትን ነገራት ከይንጽበ እንታይ ደአ ጐይታ ከም ፍቃዱ ብመንገዱ ከምዘሕውየናን ከምዘጸናንዓናን ኃይልን ተስፋን ከምዝህበናን አሚና ክንጐዓዝ ከምዘሎና አዘኻኺሮም፣ አብ መጨረሽታ ንኩሎም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት አብ ዘመስገሉ ጊዜ ከአ ነቶም ብርቂ ብዝኾኑ እንታይነቶም ዘይተፈልጠን ፈውሲ ዘይተረኽበሎምን ሕማማት ዘሳⷆም ሰባት ክንሓልየሎምን ወትሩ አብ ጐኖም ክንከውንን ሓደራ ቢሎም፣
ምሥጢረ መጽሓፈ ቀንዲል ንናይ እግዚአብሔር ርኅራኄ ከምነስተማቅር ዝገበር ምሥጢር ከምዝኾነን አብነቱ ከአ አብቲ አብ ወንጌል ተመልኪቱ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ከምእረኽቦ እዚ ከአ ነቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ሰብ አብ ቁስሉ ዘይትን ወይንን ብምፍሳስ ከምዝጀኖን ክሳብ ንሱ ዚምለስ ከአ አብ እንዳ መቀበል አጋይሽ አብጺሑ ንኩሉ ወጻኢታት ናቱ ከምዝሽፍን ብምርግጋጽ ንክከናኸኖ ነቲ ናይ መቀበል አጋይሽ ሓላፊ ሓደራ ዝብሎ ብምጥቃስ እዚ ሓላፊ መቀበል አጋይሽ መን ኮን ይኸውን እንብሉ ይሓቱ እሞ ከምዚ ቢሎም ከአ ይምልሹ፣
ሔዚ እምበአር እዚ ኃላፊ መቀበል አጋይሽ መን ኢዩ? ቤተ ክርስትያን ኢያ! ንሕና ማኅበረ ክርስትያን ኢና! ጐይታ ከአ ዕለት ዕለት ነቶም ብነፍስን ብሥጋን ጕድ አት ወሪድዎም ዝሳቀዩ ዘሎው ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ምንም ነገር ብዘይምቍጣብ ንምሕረቱን ድሕነቱን ክንልግሰሎም ኃላፍነት የሸክመና፣ እዚ ተግባር እዚ ካብ ግዜ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝግበር ምዃኑን ኩሎም ሰዓብቶም ድማ ንሕሙማት ዘይቲ እናቀባእና ክንጽልዮም ከምዘሎና እዚ ከአ ነቲ ሕማም ከምዝፍውስን እቲ ሕሙም ኃጢአት እንተለዎ ኃጢአቱ ከምዝሕደገሉን አብ መል እኽቲ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ አብሪህዎ ከምዘሎ ገሊጾም፣
“ኢየሱስ ሓዋርያቱ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበሮ ንሕሙማትን ዝሳቀዩን ብፍሉይ መንገዲ ክንከናኸንዎምን ከምቲ ሓሳብ ልቡ ናይ ምንጋፍን ሰላምን ጸጋ ክዕድልዎም በዚ ምሥጢር እዚ ሥልጣን ከምዝሃቦምን ከምዝመሃሮምን ንግንዘብ፣ እዚ ግን አብ ቅጽበታዊ ተአምራት ናይ ምሕዋይ ምድላይ መጻወድያ ከእተወና ከምዘይብሉ ከአ ነስተውዕል፣ ንሕሙማት ጥራይ ዘይኮነ ከአ ከምቲ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ዝእዝዞ ልዕሊ 65 ዓመት ንዘለዎም ሽማግለታት እውን ክወሃብ ስለዘለዎ ንሕሙማት ይኹን ንሽማገለታት ክወሃብ ከሎ ኢየሱስ ባዕሉ ቀሪቡ ከምዘጸናንዖምን ከምዝፍውሶምን ምዝካር የድሊ፣ ብማለት አድላይነት ናይዚ ምሥጢር እዚ ምስ ገለጹ በንጻሩ ገለ ፍርሓትን ዋሕዲ እምነትን ከምዘሎ ከአ ክኃብ ኡ አይደልዩን፣
“ሓድሓደ ጊዜ ሓደ ስብ ምስ ሓመመ ካህንዶ ንጸው ዕ አብ ዝተባህለሉ ጊዜ አይፋል ይጽናሕ ደአ ካህን እንተተጸዊዑ ሞት ቀሪቡ ስለዘስም ዕ እቲ ሕሙም ከይስንብድ ቤተ ሰብ ከአ ሃሙን ቀልቡን አብ ቀብርን ካል እ ምሳኡ ዝተሓሓዝን ከይከውን እንተጸንሐ ይሓይሽ! ሞት ከአ ብ አ ኡ አቢሉ ከይስብለና ዝብል አተሓሳስባ አሎ፣ እዚ ግን ሓቂ አይኮነን፣ እቲ ካህን ነቲ ሕሙም ወይ ዝሸምገለ ክሕግዝ ኢዩ ዝመጽ እ ስለዚ ካህን ንዝሓመሙ ክበጽሕ ከሎ ዓቢ ሥራሕ ኢዩ ዝገብር፣ ካህን ናብ ሕሙም ክመጽ እ ከሎ ኢየሱስ ባዕሉ ኢዩ ነቲ ሕሙም ከናግፍ ኃይልን ተስፋን ሂቡ ንክሕግዞ ዘመጽ እ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ከአ ኃጢ አቱ እውን ንክሓደገሉ ኢዩ ዝመጽ እ እዚ ከአ ብጣዕሚ ደስ ዘብል ኢዩ፣
“እዚ ሓደ ዝፍራህ ነገር ገርኩም አይትውሰድዎ! ምኽንያቱ አብ ግዜ ስቃይን ሕማምን በይንኻ ከምዘይኮንካ ምፍላጥ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ፤ እቲ ካህንን ምሳኡ ዝመጹ ቤተሰብን ነታ አካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኢዮም ዘቍሙ! ኢየሱስ ከአ አብ መንጎ እቶም ቤተሰብን ዝሳቀ ዘሎ ሕሙምን ብቤተ ክርስትያን ህያው ኮይኑ ብእምነትን ተስፋን እናቀለበ ነቲ ሕውነታዊ ጸሎቶምን ሕውነታዊ ፍቅሮምን ይድግፍ፣ በዚ ከአ አብዚ ምሥጢር እዚ ብአካል ቆይሙ ከምቲ አብ ምድራዊ ሕይወቱ ዝገብሮ ዝነበሮ ንሕሙማት ዝፍውስን ዘጸናንዕን ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.