2014-02-25 18:48:59

“እሙንን አስተውዓልን መጋቢ” (ሉቃ 12፤42)


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ሎሚ መዓልቲ ብዛዕባ ጉዳይ ቍጠባን ገንዘብን ናይ ቅድስት መንበር ዝምልከት “እሙንን አስተውዓልን መጋቢ” (ሉቃ 12፤42) ብዝብል አርእስቲ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝፍለጥ ሓዲሽ አዋጅ አዊጆም፣ እዚ ብምሉኡ ናይ ቅድስት መንበር ምምሕዳር ቍጠባን ንብረትን ብዝርኢ ዝወጸ አዋጅ አብ ኩሉ ናይ ቅድስት መንበርን ቫቲካንን ዝርከብ ንብረትን ቍጠባዊ ምምሕዳርን ሓዲስ ስርር ዕ ከምዝገበረ እንከመልክት ነዚ ከአ ቤተ ክርትያን ከምቲ እሙንን አስተውዓልን መጋቢ ንንብረታን ገንዘባን ብሓላፍነትን ጥንቃቀን ከተመሓድርን አብ ስብከተወንጌላዊ ተልእኮአ ክትግልገለሉን ፍሉይ አተኵሮ ንድኻታት ክትገብርን ከምዘለው ይምሕጸን፣ ቅዱስነቶም አጥብቶም ዝሕጸንዎ ናይ ቅድስት መንበር ቍጠባውን ገንዘባውን ክፍሊ ምስቲ ንጹር ተልእኾአ ጥቡቅ ምትእስሳር ከምዘለዎ እንክኸውን እዚ ግን አብቲ ዓለም ለኻዊ ተል እኾ ር.ሊ.ጳ ንምግልጋል ጥራይ ዘይኮነ አብቲ ሓባራዊ ናይ ውዲ ሰብ ም ዕብልናውን ዘገልግል ምዃኑ አዘኻኺሮም፣ ነዚ ሓዲስ ስርርዕ ንኽገብሩ ዝደረኾም ከአ እቲ ብተደጋጋሚ ጸገማት ከጓንፎ ዝጸንሔ ባንክ ቫቲካንን ምሳኡ ዝተተሓሓዘ ናይ ንብረትን ምሕደራን ቅድስት መንበርን ንምጽናዕ ብዕለት 18 ሓምለ 2013 ዓም ብ ኢዶም ብዝጸሓፍዎ ት እዛዝ ዝቆመ ኮሚሽን ንዘቅረቡሎም መጽና ዕትን ለበዋታትን አብ ግምት ብም እታው ኢዩ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ አብ ዝሓለፈ ዜናታትና ዘመልከትናዮ ንመምርሒ ቅድስት መንበር ብዛዕባ ኩርያ ሮማና ዝምልከት ፓስቶር ቦኑስ እንደገና ንምምሕያሽ ንሳልሳይ ጊዜኡ ዝተጋበኤ ካብ መላእ ዓለም ናይ ዝተመርጹ ናይ ሾመንተ ካርዲናላት ቤት ምኽሪ እውን ነቲ ጸብጻብን ለበዋን ናይዚ አብ ላ ዕሊ ዝተጠቅሰ ኮሚሽን ብሓባር ሰሚዖም ከምዝተዛተዩሉን እቲ ቤት ምኽሪ ንቅዱስነቶም ምኽሮምን ለበዋታቶምን ከምዝለገሱሎም ዝዝከር ኢዩ፣
ናይዚ አዋጅ እዚ ሓዲስ ነገር እንታይ ኮን ይኸውን እንክብሉ ጋዜጠኛታት ንናይ ረድዮ ቫቲካን ዋና ሓላፊ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አብ ዝሓተቱሉ ጊዜ፤ ሓዲስ ነገር ናይዚ አዋጅ እዚ ር.ሊ.ጳ ቤት ጽሕፈት ቍጠባ ከምዘቆሙን ሥልጣን ናይዚ ቤት ጽሕፈት ከአ ናይ ቅድስት መንበርን ከተማ ቫቲካንን ቍጠባዊ ምንቅስቃስን ምምሕዳርን ምቁጽ ጻርን ምምሕዳርን ኢዩ፣ ስለዚ እዚ ትካልዚ ምሉእ ሥልጣን ዘለዎ ኮይኑ ንኩሉ ገንዘብን ንብረትን ቫቲካንን ቅድስት መንበርን ዝቆጻጸር ባጀት የሰናዱ ኦዲት ይገብር አታውን ወጻእን ይጽብጽብ፣ ካል እ ሓዲስ ነገር ከአ እዚ ትካልዚ ተሓታትነቱ በዚ አዋጅ እዚ ንዝቆመ ካል እ አካል ቤት ምኽሪ ቁጠባ ንዝብል ኢዩ፣ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ብ15 አባላት ዝቆመ ኮይኑ ሾመንት ቤተ ክህነት ማለት ካርዲናልትን አቡናትን ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ሸው ዓተ ከአ ካብ ዝተፈላለይ ክፍላተ ዓለማት ዝተዋጽ ኡ ክ ኢልታት ሥነ ቍጠባ ዝኾኑ እሙናትን ቅርጥዋትን ዓለማውያን ም እመናን ኢዩም፣ እዚ ሓዲስ ቤት ምኽሪ እዚ ነቲ ብካርዲናላት ጥራይ ቆይሙ ዝነበረ አረጊት ቤት ምኽሪ ይትክእ፣ ነዚ ቤት ጽሕፈት ቍጠባን ቤት ምኽሪ ቍጠባን ብኃላፍነት ዝመርሕ ከአ በዓል ሥልጣን ከአ ናይ ሲድኒ አውስትራልያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐል ኢዮም፤ ብሓደ ዋና ጸሓፊ ከአ ክሕገዙ ኢዮም፣ ካል እ ሳልሳይ ትካል እውን አሎ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ከአ ናይ ኩሉ ተቆጻጻሪ ኢዩ፣ እዚ አካል እዚ ካብ ክል ቲኡ ክፍልታት ዝተፈልየ ኮይኑ ንኩሉ እንደገና ዝምልከት ኢዩ፣ ኦዲት ምግባር እውን እጃም ሥራሑ ኢዩ፣
ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ብዮር ዝፍለጥ ባንካ ቫቲካን ስራሑ ከምቀደሙዶ ክቅጽል ኢዩ ወይስ ዝልወጥ አሎ ትብል ነበረት፣ ንግዜኡ ከምዘሎ ይቅጽል አሎ በዚ አዋጅ እዚ እውን ብዙሕ አይትንከፍን ኢዩ ኮይኑ ግን አብ ትሕቲ ደቂቅ መጽናዕቲ ምስልሳልን ይካየደሉ አሎ፣ እዚ አዋጅ እዚ ብሰፊሑ ናይ ቅድስት መንበርን ቫቲካንን ንብረትን ቍጠባዊ ምምሕዳርን ዝምልከት እንክኸውን እቲ ብዮር ዝፍለጥ ባንክ ቫቲካን ግን ን እሽቶ ክፋል ናይዚ ሰፊሕ ምሕደራ ኢዩ እንክብሉ መግለጺኦም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.