2014-02-25 15:46:29

ሃገረ ቫቲካን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ናይ ሃገረ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ሚከል ጆሰፍ ማርተልይ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ እንከመልክት፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ሃይቲን ዘሎ ርክብ ሰናይ ከምዝዀነን፣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃይቲ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድን ብፍላይ ድማ ኣብ ክንክን ጥዕናን መደብ ሕንጸትን ኣብ መደባት ግብረ ሰናይ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምዃኑ ናይ ሃይቲ ርእሰ ብሔር ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ሃይቲ እተበርክቶ ዘላ ኣስተዋጽኦ ቀጻሊ ከምዝኾነን ኣብ ሃይቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ዕርቅን ምክብባርን ክህሉ ወትሩ ናይ ዘተ ባህሊ ክረጋገጽ ኣብ ጥቅሚ ሃገርን ሕዝብን ክጽመድ ከምእተተባብዕ ቅዱስ ኣቦና ከምዝረጋገጹ ገሊጹ፣ ርእሰ ብሔር ሚከል ጆሰፍ ማርተልይ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ተፋነዉ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.