2014-02-20 15:57:42

ብፁዕ ኣቡነ ፓሮሊን፦ ስርዓተ ኣምልኾ ዓቃቢ ጸጋን ናይ ጸጋ መዓጹ ዘርህው እዩ፣ ብተራኡ (ሊጡርጊያ) ኣብ ሓቅነቱ ክኹስኮስን ክዕቀብ ኣለዎ”


RealAudioMP3 ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ “Sacrosanctum Concilium ስርዓተ ኣምልኾ (ሊጡርጊያ)” ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ምስ እዚ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ውሳኔ ዛዕባ ስርዓት ኣምልኾ ዕለት 19 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ንጎሆ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “ሊጡርጊያ (ስርዓተ ኣምልኾ) ዓቃቢ ጸጋን ናይ ጸጋ መዓጹ ዘርህው እዩ፣ ብተራኡ (ሊጡርጊያ) ኣብ ሓቅነቱ ክኹስኮስን ክዕቀብ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ 1963 ዓ.ም. ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ስርዓት ኣምልኾ ዘመንጨወሉ እዚ ድማ እቲ ውሳኔ ማለት ስርዓት ኣምልኾ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘጽልልሉን ዝራኸቡሉን ካብ ሰማየ ሰማያት መንፈስ ቅዱስ ናብ መሬት ዘብጽሕ ክፉት መትረብ እዩ። ካብ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣትሒዙ እዚዩ ኣገዳስነት ስርዓተ ኣምልኾ ቅዱስ ቁርባን ንምግላጽ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባን ማሕበረ ክርስቲያንን ብዙሕ መግለጽታት ረኺቡ እዩ፣ ካብ 51 ዓመት ንነጀው ድማ ብውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ሊጡርጊያ ብዘጽደቖ ውሳኔ ኣቢሉ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ መለኰታዊ ምስ ሰብኣው ዝራኽብ ምልክታን ትእምርትን ብምዕቃብን ብምክንኻንን ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ከምእተመሓላልፎ ብፁዕ ኣቡነ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፦ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስርዓታ ኣምልኾ ጠቒሶም “ስርዓት ኣምልኾ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተግባር መፈጸምታኡ ዝረኽበሉ ዝለዓለ ነገር እዩ። ምኽንይቱ ናይ ሓዋርያዊ ስራሕ ዕላማ ብእምነትን ብጥምቀትን ደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ኵሎም ብሕብረት ኣብ መስዋዕትን ኣብ መኣድን ጐይታ ተሳተፍቲ ንምግባር ዘተኮረ እዩ። ….ናይ ሊጡርጊያ እውነተይና ባህርይ ክርስቶሳዊ ክህነት ምንባር እዩ” ቢሎም ሊጡርጊያ ሰብ ብሊጡርጊያዊ ምልክታን ተግባራትን ኣቢሉ ናብ ቅድስና ከብል ዝድግፍን ናይ ዝደሓነ ሕይወት እውነተይና ተምሳል እዩ፣ ግና እቲ ዝመጽእ ገና ዘይበጻሕናዮ ክኸውን ዘለዎ ብኣጋኡ ዘነጽረልናን እቲ እንጥቀመሉ ምልክታ ውጽኢቱ ልዑልን ቅድስተ ስላሴያዊ ቲዮሎጊያ ዘንብር ከምዝኾነን እግዚኣብሔር ከም መግቢ ብቕዱስ ቁርባን ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ የወፍየልና ምሕረቱ በቲ ኣብ ሊጡርጊያ ካህናት ዝጥቀመሎም ምልክታን ተግባራትን ቃልን ኣቢሉ ዝበጽሓና እውን ምዃኑ እንክትንትኑ፦ “ጐይታ ካብቲ ካብ እንጽበዮን እንሓስቦን ሰብኣውነት ባህርይ ንላዕሊ ብዝኾነ መገድን መልክዕን ንኽራኸበናን ንኽድሕነናን ነኸሕውየናን ክብጽሓናን ክራኸበናን ዕለታዊ ሕይወትና ክልወጦን እንክበጽሓና ኣብቲ እዋን ዓሰርተው ክለተ ደቀ መዛሙርቲ ሓደ ብሓደ ብስሞም ይጽውዕ እሞ እቲ ዕለታዊ ተግባሮም እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ድማ ብቓልን ሕይወትን ዘስተምሃሮም ነኣና ዘቕርብን ሰዓቢ ክርስቶስ ናይ ምዃንን ምስዓብ ክርስቶስ ድማ ተልእኾአዊ ኣድማስ ከምዘሎ የነጽር፣ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባበ ወንጌል” ይብሉ ብፁዕነቶም ክርስቶስ ንሓደ ዓይነ ስውር ብርሃን ዓይኒ ይልግስ፣ ይፍውሶ ዳግመ ምርኣይ ዘይኰነስ ሓድሽ ዓይነት ምርኣይ ይዕድሎ፣ ኣእዳው ኣንቢሩ ይፍውሶ፣ እቲ ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ተግባረ ፈውስ ክትጸሮ ቢልካ ዘይትግምቶ ዕብየትን ኣብሳርነትን የመሓላልፍ። እዚ ተግባር ነቲ ብሊጡርጊያ ንዝግለጽ ታሪኽ ምድሓን ንእምነት ክፉታት ክንከውን መስትውዓልና ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ዝገብር ኣብነት እዩ። ናይ ክርስቶስ ሕይወት ምስጢር ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ተግባርን ብመንፈስ ቅዱስ ህልው ዝኽወን እዩ፣ ሊጡርጊያ ድማ እቲ ካብ ፋሲካ ክርስቶስ ወሓዚ ሕይወት ማይ ዝባጽሓሉ ወትሩ ክፉት መትረብ ማለት እዩ። ስርዓተ ኣምልኮ ዓቃቢ ጸጋን ናይ ጸጋ መዓጹ ዘርህው እዩ፣ ብተራኡ (ሊጡርጊያ) ኣብ ሓቅነቱን ዕላማኡን ክኹስኮስን ክዕቀብ ኣለዎ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.