2014-02-20 16:04:45

ሕቡራት መንግስታት ዓለም፦ ኩነታት ሕዝቢ ሶማሊያ


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ሶማል ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝመቱ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክመዛበሉን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮም ዝግመቱ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰዱን ካልኦት ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ድማ ብስእነት መግብን ዝስተይ ጽሩይ ማይን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ሓልዮ ኣወሃሃዲ ኣብ ቀረኣብ ኣዋን ኣብ ሶማሊያ ምብጻሕ ዘካየዱ ጆን ጂንግ ከምዝገለጹ ክምልከት እንከሎ፣ ልዕሊ 260 ሺሕ ዝግመቱ በቲ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ ተኸሲቱ ብዝነበረ ደርቅን ጥምየትን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም እውን ኣቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ማሕበር ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ሶማሊያ ኣብ ኣልቦ መንግስትነት ስርዓት ካብ እትወድቕን በቲ ገዛእ ርእሱ ኣል ሽባብ ቢሉ ዝጽውዕ እስላማዊ ሓይሊ ብዝፍነዎ መጥቃዕትን ሽበራን ብዙሕ ደም ዝፈሰላን ከምዝኾነንት፣ እቲ ብኣብዲወሊ ሸይክ ኣሕመድ ዝምራሕ መግንስቲ ድሕሪ ምቛም እውን እቲ ህሉው ኩነታት ጠሪሹ ከምዘይተመሓየሸ ኣብ ጂቡቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ሞቓዲሾ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ በርቲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ደርቅን ጥምየትን ሓድሽ ኣይኰነን ምናልባት ንመራኸቢ ብዙሃን ሓድሽ ክኸውን ይኽእል፣ ምስቲ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ኩነታት ክቕየር እዩ ዝብል ተስፋ ኣውን እንተነበረ ህሉው ኩነታት ሶማሊያ ለውጢ ዘይብሉ ጸጥታን ደሕነትን ውሑስነተ ኣልቦ ኰይኑ ከምዝተረፈን፣ ስለዚህ ዘይምርግጋእ ንሞት ሓደጋ የቓልዕ የመዛብል ንድስደት ይዳርግ፣ ዝተሰዱን ዝተመዛበሉን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዘለዎም ድላይ የቕሕም፣ በቶም ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በቲ ካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ኣቢላ ረድኤት ንምቕራብ የሸግራ እዩ፣ ኰይኑ ግን ምስ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሶማላውያን ብምርኻብ እቲ ናይ ረድኤት ኣገልግሎት ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ ኣንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.