2014-02-15 16:19:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያን ተዅላ ንሙዃን ፈተና ኣሰኒፉ ወትሩ በግዕ ኮይኑ ክነብር ይትጋህ


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክርስቲያን ካብ ተዅላ ምዃን ፈተና ወጺኡን ተዅላ ምዃን ፈተና ኣሰኒፉ ኣባግዕ ኵይኑ ክነብር ይትጋህ ኣብ ዝብል ስልጣናዊ ጻውዒት ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ዕለት 14 የካቲት ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ሓለውቲ ኤውሮጳ ቀርሎስን ሜተዲዮዎስ ብምንባሩ ድማ በዞም ክልተ ቅዱሳት ኣብነት መሠረት ናይ ደቀ መዝሙርን ሓዋርያን ሰዓብንቲ ክርስቶስ መንነት እንክገልጹ፦ ምእመናን ክርስቲያን ተዃሉ ኣብ መንጐ ተዃሉ ኰይኖን ከይርከቡ ዘተሓሳስብ ምዕዳን ብናይ ላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኰይዞም ክርስቲያን ልኡኽ ማለት እዩ፣ ጐይታ ደቀ መዛሙርቱ ይልእኽ እዚ ማለት ድማ ወትሩ ንጐይታ ምስዓብ ዝብል ጽንዓት ዘኸተለ ጸዋዕታ ከምዝኾነ ሓቢሩም፦ ኣብ ዘለሉ ዝኸይድ ክርስትያን ምሓሳብ ዘይከኣል እዩ። ኣብ ዘለሉ ዝኸይድ ክርስትያን ዝሓመመ መንነት ክርስትና ዘለዎ ማለት እዩ። ዝጓዓዝ ደቀ መዝሙር ማለት እዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ መዝሙረ ዳዊት ልኡኻት ዝብል ቃል፣ ጐይታ ንደቀ መዝሙር እንክልእኽ ወንጌል ስበኹ፣ ናይቲ ተልእኾ መደብ ድማ ብስራተ ወንጌል እዩ፣ ወንጌል ኣበስሩ ስለዚህ ደው ንምባል ዘይኰነስ ኪዱ ዝብል ተልእኾ እዩ፣ ወትሩ ተጓዓዝ፣ ስለዚህ ቀዳማይ መንነት ክርስቲያን ተጓዓዚ ማለት እዩ። ዝኾነ ዓይነት ጸገም ይሃሉ ካብ ተጓዓዝነት ዘይሙብካር” ቢሎም ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፒሲዲያ ዘአንጽዮኪያ ዘጓነፎ ጸገም ምስ ኣይሁዳውያን እቶም ኢኣማንያን ይስጉሙ ክርስቶስ ይቕበሉ፣ ኢየሱስ ነቶም ኣመንቲ ኣብ መንጐ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ተዃሉን ኩዱ ይብል፣ ኢየሱስ ከም ኣባግዕ ኣብ መንጐ ተዃሉ ይልእኽ ስለዚህ መለለዪ ማለት መንነት ክርስትና ኣባግዕ ኩኑ ዝብል ከምዝኾነን ዳዊት ጸረ ፍልስጥኤማዋ ክቃለስ እንከሎ ከም ሳኦል ኽዕጠቕ ይደልዩ ኔሮም፣ ከም ሳኦል፣ ገዛእ ርእስኻ ዘይምዃን ከም ምዃን፣ ስለዚህ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምዃን ትሕትና ከምዘድልን፣ ዳዊት ገዛእ ርእሱ ምስ ኰነ ብወንጭ ነቲ ውግእ ይስዕር፦ ከም ኣባግዕ እምበር ተዃሉ ዘይምዃን፣ ከም ተዃሉ ናይ ምዃን ፈተና ወትሩ የጋጥም እዩ፣ ጎራሓትን እያቶም ኣነ እውን ካብኦም ንላዕሊ ጎራሕ ክኸውን እየ ንብል፣ ከም በግዕ ምዃን ማለት ዓሻ ተጎታቲ ምዃን ማለት ኣይኰነን፣ ብብልሓት ክርስትያን ንሱ ድማ ዝከላኸለልካ ጐይታ ምዃኑ ትእመን ማለት እዩ፣ ንሱ ክከላኸለልካ እንከሎ፣ መን ነቕ ይብለካ፣ ንሱ ክኸላኸለልካ ምፍቃድ ካብ ተዃሉ ኣዚኻ ዝበርታዕኻ ትኸውን፣ ጐይታ ንበይንኻ ኣይሓድገካን ተዅላ እየ ትብል እንተኾንካ ግን ባዕልኻ ትተኣማመን ብምዃንካ ጐይታ ኣይኰነን ዝከላኸለልካ ስለዚህ ድማ ተዃሉ ይመናጭቱኻ። ዘይገዛእ ርእስዃ ምዃኑ ጥፍኣት እዩ” ምስ በሉ ናይ ክርስቲያን ሳልሳይ መለለዪ ድማ ሓጐስ ምዃኑንን ክርስትና ሕጉስነት ማለት እዩ፣ ዘይሕጉስ ክርስቲያን ክርስቲያን ኣኰነን ናይ ኢየሱስ ሓጐስ ኣሎ፣ እቲ ወትሩ ዝምሕር ኢየሱስ ምስኡ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ሕጉስ ከምዝገብሮን እንከመልክቱ፦ “እቶም ዘዕረምርሙን ዕሚም ዝብሉን ዕሚም እናበሉ ዝጓዓዙ ዘይሕጉሳት፣ ምእንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ምንም ረብሓ የብሉን እዚ ናይ ሰዕቢ ክርስቶስ መለለዪ ኣይኰነን፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ንቕድሚ ኵድ ተጓዓዝ ዘምር ይብል እዚ እዩ ናይ ክርስትያን መለለዪ ሕጉስ ዘማሪ፣ ዕምም እናተብሃለ ብሕዙን መንፈስ ዝንበር ክርስትና፣ ብዘይ ክርስቶስ ዝንበር ክርስትና እዩ፣ ኢክርስቶሳዊ ክርስትና እዩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ስቑል ዘይብሉ መስቀል ቅድምን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥርሑ ዝኾነ መቓብር ኰይኑ ዝነብዕ ሕዙን ምዃን ማለት እዩ። ክርስትና ብዘይ ክርስቶስ፣ ማርያም መግደላዊት ኣብ ቅድሚ እቲ ጥርሑ ዝተረፈ መቓብር ፊት ኰይና ትበክይ ኔራ ደሓር ግን ምስ ረኸበቶ ናይቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ ሓጐስ ተመሊኣ ብሓጎስ ትነብር፣ እዚ እዩ ሓጎስ ክርስትና” ከምዝበሉ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ቀርሎስን ሜተዲዮዎስን ዝኽሪ ናይ ክርስትያን መንነት ዘዘኻኽሪ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.