2014-02-15 16:25:05

መደብ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መሬት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበር እንክዝከር እዚ መደብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣመልኪቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኣይሁድ ኮሚቴ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሃይማኖታዊ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ናይ ኣይሁድ መንፈሳዊ መምህር ዳቪድ ሮሰን ዕለት 13 ለካቲት 2014 ዓ.ም. 55 ናይቲ ኮሚቴ ኣባላት መሪሖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅድስነቶም ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ተፈታዊ እዮም፣ ኣብ እስራኤል ክበጽሑ ድማ ኵሉ ብሓጎስ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ይዅኑ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ እውን ብሓንቀውታ ዝጽበዮዎ ዘሎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ። እቶም ምስ ሃይማኖት ክርስትናንን ምስ ሃይማኖታት እውን ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሎም ዜጋታት እውን ብተስፋን ሃንቀውታን ዝጽበይዎ ምብጻሕ እዩ፣ ተፈታዊ ር.ሊ.ጳ. ከምዝኾኑ ገሊጾም እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ርክብ ብሓቂ ደስ ዘብልን ቅዱስ ኣቦና ዝገበሩሎም ኣቀባብላ እውን ዘዕግብን ቤተሰብኣዊ መንፈስ ዘሕድር ከምዝነበረ ኣረጋጊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.