2014-02-15 16:13:48

ሃገረ ቫቲካን
ርክብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


RealAudioMP3 ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካን ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጳጥሮስን ሓዋርያዊ ቅዱስ ጳውሎስ ንምስላምን ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ውህደትን ተኣዝዞን ንምጽናዕን ብእምነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸኒዖም ምእመናን ኣብ እምነት ከጽንዑን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገሮም ንምዝታይን ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ መርሕ ቃል ክቕበሉን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ናይ ረባፕሊክዊት ቸክ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ዕለት 14 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ብቅዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ተገይርሎም ሥልጣናዊ መርሕ ቃል ከምእተለገሰሎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅድስ ኣቦና ናይቶም ናይ ረፓብሊካዊት ቸክ ብፁዓን ጳጳሳት ጸብጻብን ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቸክ ጉዳይ ዝምልከት ድሕሪ ዝስምዕዎ ዘረባ ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፦ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይፍሉጥ ዝኾነሉን ግምት ዘይወሃቦን ብሸለልተይናነት መንፈስ ዝረኣየሉን ዝተዓብጠሉን ዝተጸቕጠሉን ኣብቲ ዝተነጸለ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታት ነባሪ ሕዝብን ኣብቲ ናይ ህላዌ ደጋውን ኣብ መላእ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክርስቶስ ከበስሩ ከምዘተሓሳሰቡን፣ ኣብታ ረፓብሊካዊት ቸክ ንነዊሕ ዘመን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ዝነበረት ሃገርን ሕዝብን ኣብታ ተዛማድነትን ስነ ምግባርን ትምህርቲ ሃይማኖትን ዝሓክኽ ባህሊን ኣብ ዝሰፍሓሉ ከባቢ መጋሰይ ኰይናካ ምርኻብ ቀሊል ኣይኰነ፣ ስለዚህ ብቓልን ሕይወትን ምስክርነት ዝተሰነየ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ሃይማኖታዊ ሕንጸትን ብምብጋስን ብፁዓን ጳጳሳት ንሓደስቲ ኣስተንፍሶ ነቲ ዝተፈላለዩ ጸጋታት ዝዕድልን ምእመናን ሰናይ መሬት ኰይኖም ክርከቡ ዝገብርን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ክሳተፉን ኣገደስቲ ውሳኔታት ሕዳሴ መታን ከረጋገጹን ብሓፈሻኡ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ክተግሁ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉታት ኰይኖም ብትብዓት ከገልግሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ብፁዓን ጳጳሳት ናይቲ ዝተቐበልዎ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ግደ እቲ ሓድሽ ብስራት ኣብ ኵሉ ስፍራን ኣብ ኵሉ ክፍሊ ሕብረተሰብን ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቑ ኣብ ዝነበር ክፍሊ ሕብረተሰብን ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ዝነብርን ብትሕትናን ብለጋስ መንፈስ ከብጽሑ ዝብል እዩ ስለዚህ ነዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሉን ንድኻታትን ንሕሙማንን ነቶም ትሑታት ክፍሊ ሕብረሰብ ተስፋ ኣብሰርትን ሓለይትን ክኾኑን ሓደራ ቢሎም፣ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ዘርኢ ሰብን ኣብ ክብርን መሰልን ሰብ ኣገልግሎት ከምዝኾነት ድማ ብመራኸቢ ብዙሃን ሓቂ ብምእዋጅ ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ድምጺ ኰይና ክትርከብ ክርስቶሳዊ ተልእኾኣ እዩ፣ ስለዚህ ነዚ ንነብር ንኹን ከምዝበሉ ገሊጹ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣተኵይሮም ንማሕበረ ክርስቲያን እንከተባብዑ፣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እንገዳን ክፉትን ግልጽን ጽኑዕን ዘተን ምንጽጻርን ዝንበረሉን ከምኡ እውን ናይ ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን ኣገልገልት ኰይኖም ምእንቲ ሓባራዊ ጥቅምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብሩ ዝጣበቑን ንኣኣቶም ቀረባ ኰይኖም ኣብ ናይ ምራኻብ ባህሉ ቅንደይና ተዋሰእቲ ኰይኖም ክርከቡ ኣተሓሳሲቦም፣ ጸዋዕታዊ ምንቕቓሕ ዝኣመተ ጽኑዕን ግልጽን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክረኽቡን ጓሶት ካህናት መንፈስ ኣቦነትን ብዝስዋዕ ፍቕርን ሓልዮትን ክቐርብዎምን ኣብ ጐድኖም ክኾኑ ድማ ምዒዶም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ኤኮኖሚ ንማዕርነትን ንዅሉ ብፍላይ ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረሰብ ማእከል ዝገብር መታን ኽከውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ድኻታት ምዃና ብቓልን ሕይወትን ክምስክሩን ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ብሓቅን ቅንዕናን ስሩዕ ግብረ ገባውን ግልጽነትን ስነ ምግባራውን ሕይወት ብዝዓሰሎ መንፈስ ከመሓድሩን ኣብቲ ኣገልግሎት እሙናን ብቑዓትን ዓለማውያን ምእመናን ከሳትፉ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ምዕዳን ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.