2014-02-13 16:13:06

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፦ ክሳብ ፍጻሜ ቃለ መሓላ ፍቕር ዝንበር ርክብ

RealAudioMP3 ዕለት 14 ለካቲት ምስጢረ ተክሊክ ንኽቕበሉ ኣብ ምቅርራብ ዘለዉን ክርስቲያናዊ ትርጉም ፍቕርን ቃል ኪዳንን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተማከለ መጽሓፍ ቅዱስን ዓንቀጸ እምነት ቲዮልጎጊያዊ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ስነ ማሕበራውን መዳያቱ መሰረት በቢ ቁምስናኦምን ሰበኻታቶምን ሕንጸት ዝረኽቡ ዘለዉ ሕጹያት መናእሰይ ብጠቕላላ ካብ 28 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ክርስቲያን ምእመናን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ብዘዳለዎ መደብ መሰረት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 11 ቅድሚ ቐትሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡን፣ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ሕጹያት ብሕቶን መልስን መልክዕ ዘትዮም ስልጣናዊ መርሕ ቃል ክልግሱ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንሶ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮ፦ “መንእሰይ ወለዶ ቤተ ሰብ ክምስርት ሃረር ዝብል እዩ። እቲ ዘለዎ ሃረርታን ድላይን ግን ብዝተፈላለየ መገዲ ክሰናኸል ዝኽእል እዩ። እዚ ድማ ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ ድላይ ብእዋናዊ ብድሆታት ፍንጥዝያን ሄዶንነትን ኢእግዚኣብሔርነትን ብዝኣመሰሉ ባህልታት ዝጽሎው እውን ከምዚ ብምዃኑ እቲ ድላይ መንእሰይ ምምስራ ቤተ ሰብ ብግጉይ መንገዲ ተመሪሑ ብሓንሳብ ክጅመር ክኹለፍን ይረአይ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሎ ምስጢረ ተክሊል ምእሳር ይጽንሓለይ ወይ ድማ እቲ ቃል ኪዳን ምስተኣስረ ጸገማት ስለ ዞሎ ውላድ ምህላው ይጽንሓለይ ክብል ይድርኽ፣ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንእሰይ ወለዶ ነቶም ዝተጠቕሱ ዓይነት መሰናኽላዊ ባህልታት ክሰግሮ ቅድም ቀዳድም ምስጢረ ተኽሊል ጸዋዕታ ምዃኑ ተስተምህርን ኣብዚ መዳይ ትሓንጽን ከምኡ ድማ ሓቀይና ትርጉም ፍቕሪ ብምቕራብ ጸረ እቲ ጉጉይ ባህሊ ክጓዕዙ ብዘብቕዖም ምዕዳን ትሓንጽ” ኢሎም።
“ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው ማለት ኣይኵነን ኣንታይ ደኣ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ጌርጋ ኣፍቅር ዝብእል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምፍታውን ምፍቓርን ዝተሓጽረ ዘይኰነስ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ናብ ብጻይ ምፍቓር ዘሰይን ስለ ዝኾነ እቲ ንገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ፍቕሪ መምዘኒ እቲ ንብጻይካ ዘሎካ ፍቕሪ እዩ። ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ድማ እዚ እዩ። ውልቃውነትን ንኣይነትን ዝሰብኽ ባህሊ ምኽንያት ድማ ጭካነን ቁጡዕነትን ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ንምፍቓር ዘይኮነስ ንምውናኑን ኣብ ድላይካን ፍቓድካን ንምንብርካኽን እዩ። ዝተፈላለዩ ጌጋ ርድኢት ፍቕሪ ዘቃልሑ ኢባህላውን ኣብ ሕብረተሰብ ተዘሪኦም እዮም፣ ስለዚህ መንእሰይ ናብ ምስጢረ ተኽሊክ ዘሰጋግሮ ሕንጸት ቅድመ ምስጢረ ተኽሊል ክከታተል ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ንምስትዎኣሉ ዘሸግር ኣይኰነን፣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝትግበር መደብ ሕንጸት ድማ እዩ” ምስ በሉ እቲ ቅድመ ምስጢረ ተኽሊል ዝወሃብ ሕንጸት ቤትካ ኣብ ከውሒ ክትሓንጽ ዝመርሕ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።
ዕለት 14 ለካቲት ምስጢረ ተክሊክ ንኽቕበሉ ኣብ ምቅርራብ ዘለዉን ክርስቲያናዊ ትርጉም ፍቕርን ቃል ኪዳንን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተማከለ መጽሓፍ ቅዱስን ዓንቀጸ እምነት ቲዮልጎጊያዊ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ስነ ማሕበራውን መዳያቱ መሰረት በቢ ቁምስናኦምን ሰበኻታቶምን ሕንጸት ዝረኽቡ ዘለዉ ሕጹያት መናእሰይ ብጠቕላላ ካብ 28 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ክርስቲያን ምእመናን ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ብዘዳለዎ መደብ መሰረት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 11 ቅድሚ ቐትሪ ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸቡን፣ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ሕጹያት ብሕቶን መልስን መልክዕ ዘትዮም ስልጣናዊ መርሕ ቃል ክልግሱ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንሶ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮ፦ “መንእሰይ ወለዶ ቤተ ሰብ ክምስርት ሃረር ዝብል እዩ። እቲ ዘለዎ ሃረርታን ድላይን ግን ብዝተፈላለየ መገዲ ክሰናኸል ዝኽእል እዩ። እዚ ድማ ዝረአይ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ ድላይ ብእዋናዊ ብድሆታት ፍንጥዝያን ሄዶንነትን ኢእግዚኣብሔርነትን ብዝኣመሰሉ ባህልታት ዝጽሎው እውን ከምዚ ብምዃኑ እቲ ድላይ መንእሰይ ምምስራ ቤተ ሰብ ብግጉይ መንገዲ ተመሪሑ ብሓንሳብ ክጅመር ክኹለፍን ይረአይ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሎ ምስጢረ ተክሊል ምእሳር ይጽንሓለይ ወይ ድማ እቲ ቃል ኪዳን ምስተኣስረ ጸገማት ስለ ዞሎ ውላድ ምህላው ይጽንሓለይ ክብል ይድርኽ፣ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው መንእሰይ ወለዶ ነቶም ዝተጠቕሱ ዓይነት መሰናኽላዊ ባህልታት ክሰግሮ ቅድም ቀዳድም ምስጢረ ተኽሊል ጸዋዕታ ምዃኑ ተስተምህርን ኣብዚ መዳይ ትሓንጽን ከምኡ ድማ ሓቀይና ትርጉም ፍቕሪ ብምቕራብ ጸረ እቲ ጉጉይ ባህሊ ክጓዕዙ ብዘብቕዖም ምዕዳን ትሓንጽ” ኢሎም።
“ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻ ምፍታው ማለት ኣይኵነን ኣንታይ ደኣ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ጌርጋ ኣፍቅር ዝብእል ትርጉም ዘለዎ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምፍታውን ምፍቓርን ዝተሓጽረ ዘይኰነስ ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ናብ ብጻይ ምፍቓር ዘሰይን ስለ ዝኾነ እቲ ንገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ፍቕሪ መምዘኒ እቲ ንብጻይካ ዘሎካ ፍቕሪ እዩ። ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ድማ እዚ እዩ። ውልቃውነትን ንኣይነትን ዝሰብኽ ባህሊ ምኽንያት ድማ ጭካነን ቁጡዕነትን ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ንምፍቓር ዘይኮነስ ንምውናኑን ኣብ ድላይካን ፍቓድካን ንምንብርካኽን እዩ። ዝተፈላለዩ ጌጋ ርድኢት ፍቕሪ ዘቃልሑ ኢባህላውን ኣብ ሕብረተሰብ ተዘሪኦም እዮም፣ ስለዚህ መንእሰይ ናብ ምስጢረ ተኽሊክ ዘሰጋግሮ ሕንጸት ቅድመ ምስጢረ ተኽሊል ክከታተል ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ንምስትዎኣሉ ዘሸግር ኣይኰነን፣ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝትግበር መደብ ሕንጸት ድማ እዩ” ምስ በሉ እቲ ቅድመ ምስጢረ ተኽሊል ዝወሃብ ሕንጸት ቤትካ ኣብ ከውሒ ክትሓንጽ ዝመርሕ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

All the contents on this site are copyrighted ©.