2014-02-13 16:01:02

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቡልጋርያ ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ


RealAudioMP3 ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጳጥሮስን ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ውህደትን ተኣዝዞ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንምርግጋጽን ንምሕዳስን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሠረት ናይ ቡልጋሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ተራኺቦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋሪያ ዘትዮም ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መርሕ ስልጣናዊ ቃል ተለጊሱሎምን ብወገኖም ብፁዓን ጳጳሳት ቡልጋሪያ እቲ ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ተኣዝዞን ውህደትን ምልከት ዝኾነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንከኻይዱ ቅዱስ ኣቦና ብምፍቃዶም ብስም ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቡልጋሪያ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቡልጋሪያ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክርስቶ ፕሮይኮቭ ምስ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ቡልጋርያ ጋዜጠይና ደሲስላቫ ታንቸቫ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣቕሪቦም፦ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋርያ ኣብቲ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣብ ዘለሉ ሕብረተሰብ ቡልጋርያ ምስክርነት እትነብር እያ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ኣህላክን ተዛማዲነትን ሄዶንነት ማለት እቲ ዝበለጸ ብዝኾነ ይዅን መገዲ ዝብጻሕ ሓጎስ እዩ ዝብል ቀጥዒ ኣልቦ ሓጎስነት ዘቃልሕን ኣልቦ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ሰባኺ ባህሊ ኣብ ቡልጋሪያ እውን ዘሎ ብድሆ እዩ። ከምኡ እውን ቡልጋራውያን ዝኾኑ ብድሆታት ኣለዉ፣ ኣቲ ካብ ነበር ስርዓት ሶቪየት ሕብረት ዝተወርሰ ንኣብነት ብዛዕባ ሃይማኖት ምንም ዓይነተ ኣፍልጦ ከይህሉ ዝድረኸ ስነ ሓሳብ ዘተኣታተዎ ኣልቦ መንፈሳውነት ባህልን ንዘክር ቢሎም፣ ስለዚህ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብሓቂ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋሪያን ቃል ኣምላኽ ኣብ ሃገረ ቡልጋርያ ንምዝራእ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ዝሓትት ኵነት ኣዩ፣ ቃል ኣምላኽ ንምዝራእ ዘመችእ እዩ ክብል ይኽእል” ኢሎም።
ቀጺሎም ኣብ ቡልጋሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋርያ ዘለዋ ርክብ ኣማእኪሎም፦ “ምትሕብባር ዝዓሰሎን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ርክባትን መንፈሳውን ባህላውን መደባት ንመንእሰያት ብምድላውን ብዓበይቲ መንፈሳዊ መራሕቲ ደረጃ እውን ዝካይድ ብሓቂ ጽቡቕ ርክብ እዩ፣ ከምኡ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋርያ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብናይ ቡልጋርያ ብፁዓን ጳጳሳት እትምራሕ፣ ዓንቀጸ ሃይማኖታውን ናይ እምነት ዓንቀጽ መሰረት ዘለዎ ጸገም ፈጺሙ ዘይብላ ብምልኣት ብቃልን ተግባርን መንፈስን ብመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ትምራሕ እያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቡልጋርያ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድማ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ውሳኔታትንን ከምኡ እውን ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትምርህተ ክርስቶስ ሰነድን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእቱ ተኸታታሊ መጽሓፍን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ሃሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ብቋንቋ ቡልጋርያ ተሓቲሞም ከምዝቐረቡን፣ ምእመናን ብዝያዳ ቤተ ክርስቲያኖምን ትምህርቲ ዓንቀጸ ሃይማኖትን በሓፈሻኡ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነኸዕሙቑ ኣተባቢዕዎም እዩ፣ ኣብ ቡልጋርያ ኣብ መንጎ እታ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተልን ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ብሓቂ ልባውን ሰናይን ጥሙርን ምታሕብባር ኣሎ፣ ስለምታይ እቲ ውህደት ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸንዔ እዩ” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሎም ብዕድመ ምድፋእን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓቶ ጉልበት ምጉዳል ምኽንያት ካብ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ክለቁ ምስ ኣፍለጡ ኣብ ቡልጋሪያ ዝተራእየ ሃዋሁ ዘኪሮም፦ “ዓቢይን ሊቅን ኣብ ሓቕን ቅንዕናን ተመርኵይዞም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝነብሩ ትሑት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኖም ዘረጋገጸ ዓቢይ ናይ ትሕትና ውሳኔ እዩ። ምምራጽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ቡልጋርያ ዘሐጐሰ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቢሎን እነሆ ድማ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስድራ ቤትን ምእመናንን ውሉደ ክህነት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፣ ሕንጸት ካህናትን ጸዋዕታን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምዝዘተዩን መርሕ ከምእተቐበሉን ብፍላይ እቲ 50 ዓመት ኣብ ቡልጋሪያ ዝተነብረ ኢኢግዚኣብሔርነት ባህሊ ተበዲሁ እዩ ክበሃል ይከኣል ኰይኑ ግን ሓዲግዎ ዝሓለፈ ባህላዊ በሰላ ብቐሊሉ ዝርአይ ኣይኰነን” ምስ በሉ ነዚ ዅሉ ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተኻይደ ርክብ ካብ ቅዱስነቶም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምእተቐበሉ ሓቢሮም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.