2014-02-04 16:25:40

ኣውስትራሊያ፦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህልው ኩነታት


RealAudioMP3 ናይ ኣውስትራሊያን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ካብ ዕለት 19 ለካቲት ክሳብ ዕለት 21 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ዓውደ መጽናዕቲ ክካይድ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቆሞሳትን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣውስትራሊያን ናይ ዝተፈላለዩ ቤተ ክርስቲያናዊ መዳያት ወከልቲ ካህናትን ገዳማውያንን ልኡካነ ወንጌልን ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ኣውስትራሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓዋርያው ግብረ ኖልዎ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣባ ቦድ ዲክሶን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣውስትራሊያን ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ዝገብርን ነቲ ህሉው ኩነታት መሚኻ ቤተ ክርስቲያን መልሲ ክትህበሎም ዝግብኣ ሕቶታት ፈሊዩ ብምቕራብ በዚ መሰረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽ ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ነቲ ዓውደ መጽናዕት ዘረባ ብምስማዕ ዝኸፍቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ጋላገር ከምዝኾኑን ኣብ ዋሽንግቶን ጆርጅታውን መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሓዋርያዊ ክንክን መጽናዕቲ መምህር ማርይ ጋውቲየርን ከምኡ እውን ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ወሲባዊ ዓመጽ ዝከታተል ፍሉዩ ድርገት ናይ ሓቅን ፍታሕን ክንክንን ቤት ምኽሪ ሓላፊ ፍራንሲስ ሱሊቫን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.