2014-02-04 16:21:38

ብራዚል፦ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፦ ወንጌላዊ ልኡክነትን ኤጲስቆጶሳዊ ተልእኮን


RealAudioMP3 ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ዮሰፍ ራትዚንገር ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ፦ “ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ኣብ እዋንና” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ንመላእ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሱማረ ናይ መጽናዕትን ሕንጸትን ማእከል ፍሉዩ ትምህርቲ ተረኺቦም ኣስተምህሮ ካብ ዝሃብሉ እዋን ንነጀው ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዓመት ኣብ ሱታፌን ሓድነትን ናይ ሓባር ድላይን ንምልላይ ዘኽእሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መጽናዕቲ ሕንጸት ክከታተሉን ዓውደ መጽናዕቲ ብምካያድ ድማ ክመያየጡ ከምዝጀመሩን እዚ ድላይ’ዚ ኣብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔታት ዝተምስረተ ከምዝነበረን ዘዘኻከረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣስተንትኖ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምቕጻል ለምዘበን ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣብ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመርኵይዞም ልኡካነ ወንጌላውነትን ናይ መናንያን ውፉያትን ጸዋዕታን ኣገልግሎትን ኤጴስቆጶሳዊ ተልእኾን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ፍሉይ መደብ ሕንጸት የካይዱ ከምዘለዉ ገሊጹ። መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብዚ ካብ ዕለት 3 ለካቲት ክሳብ ዕለት 7 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ዝካይድ መደብ ሕንጸት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝካይድ መደብ ሕንጸት ኣስተምህሮ ካብ ዘቕርቡ ሓደ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ፦ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ኣተምህሮ ናብ ኣሕዛብ እተሰምየ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሎም ልኡካነ ወንጌል ኣብ እንነብረሉ ዘመን ከመይ ክኸውን ኣለዎ ካብ ዝብል ሕቶ ተበጊሶም ሰፊሕ ትንተና ከምዝሃቡ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ቤተ ክርስቲያንን ኣባላታን ብፍላይ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ቤተ ክርስቲያን ልኡካነ ወንጌል ተግባር ከሕይሉን ኣብዚ መዳይ ጸዋዕታ ክዅስኮስ ኣድላይነት ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ወሳኒ ምዃኑ ከምዝዘርዘሩ ገሊጹ ቀጺሎም ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብራዚላዊ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ብራዝ ኣቪዝ ፍጹም ፍቕሪ (ግብረ ሰናይ) ኣርእስቲ ገይሮም ናይ ጸዋዕታ ኣድማስን ገዳማዊ ሕይወትን ዓሚዩቕ ኣስተምህሮ ከምዘቕርቡን ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ታራንቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፖ ሳንቶሮ ማእከልነት ኤጲስቆጶሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝብል ኣርእስትን ከምኡ እውን ናይ ጋራንሁንስ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ግይማራየስ ርክብ ኣብ መንጐ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኤጲስቆጶሳትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተመርኰዘ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።







All the contents on this site are copyrighted ©.