2014-02-01 16:17:20

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ምንቅስቓስ ንኡሳን ክርስቲያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ኣባላት ምንቅስቃስ ንኡሳን ክርስትያን ተቐቢሎም ስልጣናዊ መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ እዚ ዕለት 1 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ምስ ኣባላት ምንቅስቃስ ንኡሳን ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብብ ፈለማ ምዃኑን ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፦ ኰይኑ ግን ዕለት 9 መስከረም 2013 ዓ.ም. ናይዚ ምንቅስቓስ መስረትቲ ኪኮ ኣርገሎን ካርመን ሄርናንደዝን ኣብ ነፈስ ኣባ ማሪዮ ፐዚን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ሓቢሩ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ደሓር እውን ብፁዕነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ንናይ ምንቅስቓስ ንኡሳን ክርስቲያን ኣባላት ስድራ ቤት ንኣስፍሆተ ወንጌል ባሪኾም ኪዱ ወንጌል መስክሩ እንክብሉ ናይ ተልእኮ ሓላፍነት ዘረክብሉ ዕለት ከምዝነበረን እውን ጠቒሱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብጠቕላላ ን414 ኣባይቲ ስድራን ኪዱ ወንጌል ኣብስሩ ዝብል ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ከምዘልበሱን ኣመልኪቱ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ምንቅስቓስ ንኡሳን ክርስቲያን ኣባላትን 100 ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት መድሃኔ ኣለም ናይዚ ምንቅስቃስን ከምእተሳተፉ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.