2014-02-01 16:14:49

2015 ዓ.ም. ዓመተ ምንኵስናን ናይ ውፉይነትን መናንያን ሕይወት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም. ናይ መላእ ገዳማውያንን መንፈሳዊን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ዋና ኣሕሉቕ ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ኣብ ዝለገስሉ እዋን 2015 ዓ.ም. ዓመተ ምንኩስናን ውፉይነትን መናንያን ሕይወትን ክኸውን እንክብሉ ውሳኔ ከምዝሃቡ ክዝከርን እንከሎ፣ በዚ መሰረት ዕለት 31 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝን ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሮድሪገዝ ካርባሎን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ተሰንዮም መደባት ከይዲ ዓመተ ምስንኩስናን ናይ ውፉይነት ሕይወት መሰረት መግለጺ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
2015 ዓ.ም. ዓመተ ምንኵስናን ናይ ውፉይነትን መናንያን ሕይወት ንመናንያንን ምንኩስናን ሕይወትን ንቤተ ክርስቲያንን ዓመት ጸጋ ከምዝኾነን ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም፣ ዓመተ 2015 ዓ.ም. ዓመተ ምንኵስናን ናይ ውፉይነትን መናንያን ሕይወት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝኽተሎ በቲ ብዛዕባ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዝተሓንጸጸ ንቕዱስ ኣቦና ዝቐርብ ውሳኔ ዝህብሉ፣ ናይ መደብ ሰነድ መሰረት ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እዚ ብሓቂ ምስቲ ለብዘበን ዝበዓል ዘሎ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተጋጥመ ዓመት ብምዃኑ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንፎ ቅዱስ መንፈስ እዩ እንክብሉ ብፁዕነቶም ገሊጾም፣ ነቲ ናይ ከይዲ ተሓድሶ ፍርያማነት ዝኽረት ኣብ እምነት ምጉዳልን ድኽመትን ምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ተመኵሮ ዝንበረሉ ምዃኑ ዘረጋግጽ ዓመት ምዃኑ እንከመልክቱ፦ ኣብ ምንኩስናን ውፉይነት ሕይወት ከምቲ ኵሉ ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ጭቡጥነት ዘሎ ድነን ብሩህነትን ዘሎ ኣዩ፣ እዚ ሓቂ’ዚ ዘይምኽዋሉን ኣፍልጦ ምሃቡ ድማ ትብዓትን ንጹርነት ናይ ምፍቃር ተግባር እዩ። ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣኵይላኒ ኣስዒበን ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሮድሪገዝ ካርባሎ ብወገኖም፦ “መስራቲ ገዳማውያንን መናንያን ማሕበርን እቲ ማሕበር ዝነብሮን ዝስዕቦም መንፈሳዊ መርሕን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ” እንክብሉ ብዛዕማ ማሕበር Legionariorum Christi ለጂዮናሪዩም ክሪስቲ መስራትን ቤተ ክርስቲያን ዝወሰደቶ ስጉምትን መሰረት ንዝቐረበሎም ሕቶ መሊሶም፣ ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ዘንጽሕቲ ድንግል ማርያም ብቅድስቲ መንበር ብዝተመርጸ ድርገት ይምራሕ ከምዘሎን እዚ ውሳኔ ካበይ ዝነቐለን ስለምታይን’ከ እዩ ካብ ዝብል ናይ ጋዜጠይናታት ሕቶ ተበጊሶም፦ እቲ ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ዘንቀለቶ ዘይኰነስ ልዕሊ 74 ካብ ሚእቲ ዝግመቱ ኣባላት ካህናትን ኣሓው ፍራንቸስካውያን ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ዘቕረብዎ ሕቶ ዘንቀሎ ውሳኔ እዩ። ስለዚህ ቅድስቲ መንበር ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት መንፈስ ኣቲ ኣብቲ ማሕበር ውሽጢ ተከሲቱ ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ዝወሰደቶ ውሳኔ እውን እተኾነ ድላይ ኣባላት ማሕበር ፍራንቸስካውያን ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ዘንጸባርቕ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.