2014-01-31 09:42:20

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጉባኤ ጳጳሳዊ አካዳሚ መልእክቲ አተሐላሊፎም ፡


ናይ ቫቲካን ጳጳሳዊ አካዳሚ መበል 28 ሐፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ከም ዘሎን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ጉባኤ መልእክቲ ከም ዝሰደዱ አብ ቫቲካን ዝውጸ መግለጺ አመልኪቱ ።እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ አካዳሚ ዝልአኽዎ መልእክቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብብፁዕ አቡነ ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ዝተነበን እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።እዚ ንመበል 28 ግዜ ዚካየድ ዘሎ ጉባኤ ጳጳሳዊ አካዳሚ ህሉው ኩነታት ብዓይኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ክርኤ ኸሎ ብዝተሰየመ ርእሰ ጉዳይ ይዝቲ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ አመልኪቱ ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ጉባኤ ጳጳሳዊ አካዳሚ ዝልአኽዎ መልእክቲ መላእ ቤተ ክርስትያን ሚስዮናዊ ማለት ልእኽቲ ቅዱስ ወንጌል ብምኻን ክትሰርሕ አለዋ ከም ዝብል ኪምልከት ከሎ ፡ እዚ ሚስዮናውነት ተልዕኮ ቅዱስ ወንጌል”ዚ ንተሐድሶ ቤተ ክርስትያን ክፅዕት ከም ዝግባእ ክአ እቲ መልእኽቲ ከም ዘተሐሳሰበ እቲ ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ ።ጳጳሳዊ አካዳሚ አብ ሕደሳ ቤተ ክርስትያን ዝበለጸ አስተዋጽኦ ከበርክት ትጽቢት ከም ዝግበረሉ እቲ ብፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ ጉባኤ ዝተላእከ መልእክቲ ከም ዝሐተተ ክአ ተነጊሩ ።ጳጳሳዊ አካዳሚ ባህላዊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብብፁዕ ካርዲናል ጂያን ፍራንኮ ራቫዚ ከም ዝምራሕ ክፍለጥ ከሎ ነቲ ጉባኤ ብሊቀ መንበርነት ይመርሑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ አሎ ።መልእክቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ዘውጽእዎ Evangelii gaudium ሐጎስ ቅዱስ ወንጌል ከምኡ ክአ lumen fidei ብርሃን እምነት ዝተባህሉ ሐዋርያዊ ምዕዳናት ጠቂሱ እዚ ሐጎስን ብርሃንን”ዚ አብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ከም ዘለዎ ከም ዘተሐሳሰበ ተፈሊጡ አሎ።ተድላ ሐጎስ ፍስሃ ቅዱስ ወንጌል አብ መላእ ዓለም ከም ዝብሰር ምብግባር ናይ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ተቋማት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያንን ምእመናን ሐላፍነትን ግዴታን ከም ዝኾነ ክአ መልእክቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ ከም ዝጽውዕ ይምልከት ። እምነት ምስ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተአሳሰረ ከም ዝኾነን እምነት ብርሃን ከም ዘምጽእ ክአ የረድእ። ምስክርነት እምነትን ሐቂ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስን አብ ምድራዊ ሕይውት ጽርግያ ዘለዓለዊ ሕይወት ከም ዝኾኑ ክአ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጉባኤ ጳጳሳዊ አካዳሚ ዝልአኽዎ መልእኽቲ የመልክት። ቅዱስ ቶምስ ዘ አኲኖ ዓይኒ ዘለዎ ዝርኢ እምነት ብማለት ከም ዝጽሐፈ ዝጠቀሰ መልእክቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ እዚ አማንያን አብ ግብሪ ከርእይዎ ዘለዎም ተግባረ እምነትን አገባብ ሥነ መለኮታዊ ሜላን ከም ዘርኢ ከም ዘገንዘበ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.