2014-01-23 16:25:18

አየርላንድ፦ ናይ ኣየርላንድ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር


RealAudioMP3 ናይ ኣየርላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ብምኽንያት ኤኮኖምን እቲ ሕበረት ኤውሮጳን ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤትን ሃብቲ ገንዘብን ማሕበር ኣባል ሃገራት ካብ ቅልውላው ኤኮኖምን ቁጠባን ክላቐቓ ክኽተልኦ ዝግብአን ዝሓጸጸ መደብ ኤኮኖምን ቁጠባን ዘስፈሮ መምዘንታት ንምትግባር መንግስቶም ካብ ዝወሰዶም ውሳኔታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣየርላንድ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ምዕጻው ዝብል ሓደ ምዃኑን ዝብል መግለጺ ዝሃብሉ ዕለት 3 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣየርላንድ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ ናይታ ሃገር መንግስቲ ነቲ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቱ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዳግም ክኽፈት ውሳኔ ከምዝሃበን ብዚ ምኽንያት ኣብ ኣየርላንድ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተሰምዖ ሓጎስ ከምዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
እቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝነበረ ናይ ሃገረ ኣየርላንድ ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተዓጽወ እውን እንተነበረ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣየርላንድ ክሌኣዊ ርክብ ከምዝተይተቛረጸ ናይ ኣየርላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሰን ብራድይ ገሊጾም እቲ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ኣየርላንድ ኣብ ቅድስቲ መንበር ስርሑ ብምጅማሩ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ሕጉሳት እያቶም ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብ ኣየርላንድ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ቻርለስ ብሮውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.