2014-01-23 16:19:47

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ጉዕዞ ክፍጽሙ ዝተተሓዘን ዝተሓንጸጸን መደብ ኣሎ ዶ ዝብል ካብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምስማዐ-ርእየትን ናይ ዝተፈላለያ ጋዜጣታትን ልኡኻት ንናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ስሪ ላንክን ከምኡ እውን ካብ ፊሊፒንስ ዝቐረበሎም ዕድመ ሓዋርያዊ ብብጻሕ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ስለዚህ ብጠቕላላ ኣብ እስያ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ብብጻሕ ክፍጽሙ ዝብል ሓሳብ ይጽናዕ ከምዘሎን ብፍላይ ድማ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሴ ናይ መላእ እስያ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዝእንገደላ ደቡብ ኮርያ ዝምልከት መጽናዕቲ ይግበረሉ ኣሎ ቢሎም፣ ካብ ሳራየቮ እውን ዕድመ ከምዝበጽሖም ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ናይ መልሲ ውሳኔ ገና የሎን ስለዚህ ኣብ 2014 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ዝፍጽምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝምልከት ውሱን ዝተሓጸጸ መደብ የሎን እንክብሉ ከምዝመለሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.